ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
1 ፡ 2 - ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 3 - እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ 4 - ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ 5 - ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ 6 - ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። 7 - ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። 8 - ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። 9 - ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። 10 - እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11 - እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።
12 - ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ 13 - ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። 14 - ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15 - ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። 16 - ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ 17 - ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። 18 - እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። 19 - ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።
20 - ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21 - ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝምጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22 - ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።
23 - ግናኸ ነሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓሪ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24 ፡ 25 - ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።
26 - እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።
27 - ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘን እቲ ኹሉ ንእኡ ዝግብኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ።
28 - ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።
29 - እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡
30 - ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31 - ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ።
32 - ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።
33 - ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።
34 - ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።
35 - ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። 36 - ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37 - እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38 - ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39 - ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይሁ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40 - ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41 - ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42 - ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። 43 - ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44 - ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45 - ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሱ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። 46 - ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47 - እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48 - ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49 - ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።
50 - ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51 - እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52 - ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53 - ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። 54 - እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዕሪ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። 55 - ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56 - ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57 - ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58 - ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።