ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
1 - ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2 - ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። 3 - ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4 - ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። 5 - ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 6 - ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። 7 - እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። 8 ፡ 9 - ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
10 - ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። 11 - ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ። 12 - ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ።
13 - ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14 - ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።
15 ፡ 16 - ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ።
17 - ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። 18 - ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19 - እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20 - ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ።
21 - እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22 - ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። 23 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24 - ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።