ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1- ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤል ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን።
2- ኰነ ኸኣ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡- ምርእይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ሓሚቐን ነበራ፡-
3- መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍኤ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡
4- ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
5- ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዒካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ፡ በለ። ከይዱ ኸኣ ደቀሰ።
6- እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዑኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ።
7- ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣይተገልጸሉን ነበረ።
8- እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ፡ ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣቢሄር ከም ይጽውዖ ኣስተውዓለ።
9- ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎ፡ ኪድ ደኣ ደቅስ፡ ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተዛረብ በሎ። ሳሙኤል ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።
10- እግዚኣብሄር ድማ መጾ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በሎ።
11- ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን ኣዝኑ ዱድ ዜብል ነገር ክገብር እየ።
12- በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ኻብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኢ ኽገብሮ እየ።
13- እቶም ደቂ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡
14- ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘልኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ።
15- ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሄ።
16- ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
17- ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዂሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሐባእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካ፡ በለ።
18- ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሐብኤ፡ ኲሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራዮ ይግበር፡ በለ።
19- ሳሙኤል ከኣ ዐበየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዂሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን።
20- ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ።
21- እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ።