ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል
መበል 31 ምዕራፍ
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተዋጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልቦዕ ወደቑ።
- ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሳኦልን ንደቁን ስዒቦም እግርእግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማሌኪ-ሹዓን ቀተልዎም።
- እቲ ውግእ ከኣ ንሳኦል በርትዖ፡ ፍላጻ ዚውርውሩ ሰባት ድማ ኣርከብዎም እሞ፡ በቶም ወርወርቲ እምብዛ ተጨነቐ።
- ሳኦል ድማ ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት መጺኦም ወጊኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ መስት እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣበየ። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።
- እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።
- በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ጋሻ ዛግሬኡን ኲሎም ሰቡን ብሓደ ሞቱ።
- እቶም ኣብ ስግር ኣቲ ለሰን ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ከኣ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሐዲጎም ሀደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን።
- ኰነ ኸኣ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
- ርእሱ ቘሪጾም ከኣ ኣጽዋሩ ገፈፉ። ኣብ ቤት ጣኦታቶምን ኣብቲ ህዝብን ኬበስሩ ድማ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ።
- ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ፡ ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ሰቐልዎ።
- እቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሶኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ድማ፡
- ኲሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሐዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ።
- ነቲ ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።