1 ፡ 2 - ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። 3 - ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዝሕህዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም። 4 ፡ 5 - ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። 6 - ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። 7 - እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ። እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። 8 - ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድንሓንውን ከም ቊራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲድና ንጠንቀቕ። 9 - ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቚጥዓስ ኣይመደብናን። 10 - ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ። 11 - ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።
12 - ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹም ዚምዕድኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም ኣሎና። 13 - ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። 14 - ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዂላቶም ተዐገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና። 15 - እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኲሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ። 16 - ኲሉ ሳዕ ተሓጐሱ። 17 - ከየባተኽኩም ጸልዩ። 18 - እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ህኲሉ ኣመስግኑ። 19 - መንፈስ ኣይተጥፍኡ። 20 - ትንቢት ኣይትንዐቑ። 21 - ንዂሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። 22 - ካብ ክፉእ ዘበለ ዂሉ ርሐቑ።
23 - ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንኸùለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ። 24 - እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ።
25 - ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ። 26 - ንዂላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም። 27 - ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
28 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።