እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢሉ ዝጸሓፋ ትመስል። ነተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ማሕበራት ካብቲ ሽዑ ዚልዓል ዝነበረ ትምህርቲ ስሕተት ምእንቲ ኼጠንቅቕን ኢሉ ነዛ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ይጽሕፍ (1ዮሃ.2፡18-27)። እቶም ነብያት ሓሶት፤ ﷽የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣይመጸን፡ እናበሉ ኣምላኽነት የሱስን ሰብኣውነቱን ክሓዱ (1ዮሃ.4፡1-6፤ 5፡1-12)። ሓቢሮም ከኣ ፈላጣት (ግኖስቲክ) ኢና ብምባል ካብ እግዚኣብሄር ፍሉይ ፍልጠት ከም እተቐበሉን ብጀካኦም ከኣ ሓቀኛታት ክርስትያን ዚብሃሉ ኸም ዘየለው ኪሓስቡ ጀመሩ። እቲ ሃዋርያ ግና መመሊሱ ﷽ንፈልጥ ኢና እናበለን ነቲ ንክርስትያናት እተዋህበ ፍልጠት እናኣረጋገጸን ነቲ ትምህርቶም ይቃወም (1ዮሃ.2፡20፥27፤ 4፡13-16፤ 5፡13-20)። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፤ ﷽እቲ ናይ መወዳእታ ፍልጠት ተገሊጹልና ኣሎ፡ ብዘይ ሕጊ ኽንነብር ከኣ ንኽእል ኢና፡ ይብሉ ነበሩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ግና፤ 1. ትእዛዝ ጎይታ ምሕላው ኣድላዪ እዩ (1ዮሃ.1፡5-2፡6፤ 3፡1-10)፡ 2. ንሓድሕድና ምፍቓር ዝበለጸ ምልክት ክርስትያን እዩ (1ዮሃ.2፡7-17፤ 3፡11-24፤ 4፡7-21)። 3. ትምህርቲ ሃዋርያት ቀጥ ኣቢልኩም ሓዝዎ (1ዮሃ.2፡18-29፤ 4፡1-6፤ 5፡1-12)፡ እናበለ ነቲ ትምህርቶም ይቃወሞ። ስለዚ ዮሃንስ ካብቲ ነዞም ነብያት ሓሶት ንምቅዋም ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣብሊጹ፡ ብዛዕባ እታ ሰብ ኪነብረላ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝመደባ ህይወት ይምህር እሞ፡ እዛ ﷽ናይ ዘልኣለም እተባህለት ባህ እተብል ህይወት፡ ምስ እግዚኣብሄር ብምሕባርን ብምንባርን ጥራይ ከም እትርከብ ይሕብር።