ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29
1- ኣዳም፡ ሴት፡ ኤኖሽ።
2- ቀይናን፡ ማሃላልኤል፡ ያሬድ።
3- ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ።
4- ኖህ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌትውን።
5- ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን።
6- ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን።
7- ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን።
8- ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን።
9- ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን።
10- ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ።
11- ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን፡
12- ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ።
13- ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን፡
14- ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን፡
15- ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን፡
16- ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ።
17- ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን።
18- ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደ፡ ሻላሕውን ንዔበር ወለደ።
19- ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ፡ ስም እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለት፡ ፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ።
20- ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን፡
21- ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን፡
22- ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡
23- ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።
24- ሴም፡ ኣርፋክሳድ፡ ሻላሕ፡
25- ዔበር፡ ፋሌግ፡ ራጉ፡
26- ሰሩግ፡ ናሆር፡ ታራ፡
27- ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ።
28- ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን እስራኤልን።
29- ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡
30- ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡
31- የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።
32- ደቂ ቄጡራ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን።
33- ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።
34- ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደ። ደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን።
35- ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን።
36- ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን።
37- ደቂ ረጉኤል፡ ናሓት፡ ዜራሕ፡ ሻማ፡ ሚዛ ድማ።
38- ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን።
39- ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምን፡ ሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ።
40- ደቂ ሾብል፡ ዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያንዓናን።
41- ደቂ ዓና፡ ዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም።
42- ደቂ ኤጸር፡ ቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን።
43- እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖር፡ ስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ።
44- ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ።
45- ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ።
46- ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ።
47- ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ።
48- ሳምላ ድማ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
49- ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓል-ሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ።
50- በዓል-ሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤል፡ ጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ።
51- ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያ፡ ሹምየቴት፡
52- ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ቴማን፡ ሹምጲኖን፡
53- ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡