ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29
1- ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡
2- ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ።
3- ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ።
4- ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም።
5- ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።
6- ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም።
7- ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ።
8- ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ።
9- እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም።
10- ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ።
11- ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ።
12- ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ።
13- እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡
14- ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡
15- ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ።
16- ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም።
17- ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ።
18- ካልብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን።
19- ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ።
20- ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ።
21- ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ።
22- ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ።
23- ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ።
24- ሔጽሮን ኣብ ካሌብ-ኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ።
25- ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም።
26- የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ።
27- ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም።
28- ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም።
29- ስም ሰበይቲ ናዳብን ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።
30- ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
31- ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ።
32- ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
33- ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም።
34- ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ።
35- ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ።
36- ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ።
37- ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ።
38- ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ።
39- ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ።
40- ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ።
41- ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ።
42- ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን።
43- ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን።
44- ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ።
45- ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤት-ጹር እዩ። ን
46- ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ።
47- ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም።
48- ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት።
49- ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ።
50- ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም፡
51- ሳልማ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤት-ጋደር።
52- ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት።
53- ዓሌታት ቂርያት-የዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ።
54- ደቂ ሳልማ፡ ቤት-ልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮት-ቤት-ዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም።