ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ኸተማ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጽሒፉሎም ከም ዝነበረ ንዝክር ኢና። እንተኾነ ግና ኣብ ማሕበር ቈረንቶስ እቲ ጽዩፍ ዝኾነ ተግባራት እናቐጸለ ኸደ። ስለዚ እቲ ሃዋርያ፤ ﷽ባዕለይ እንተ ኸድኩ ይሓይሽ፡ ኢሉ ናብ ቈረንቶስ ከደ፡ እቶም ኣብታ ማሕበር ዝነበሩ ሰባት ግና ኣይተቐበልዎን። ካብ ማእከሎም ከኣ ሓደ ሰብ ተላዒሉ ብግሁድ ኣዋረዶ (2ቈረ.2፡5-11፤ 12፡21)። ስለዚ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ተመሊሱ ሓንቲ ብርትዕቲ መልእኽቲ ጸሓፈ እሞ ብኢድ ቲቶስ ገይሩ ለኣኻ (2ቈረ.2፡1-6፤ 7፡8)። ነታ መልእኽቲ ምስ ሰደዳ ግና ተጣዕሰ። ﷽ከመይ ገይሮም ኮን ይቕበልዋ ይኾኑ? ብምባል ተጨነቐ። እቲ ጭንቁ ስለ ዝበርትዔ ኸኣ፡ ﷽ቲቶስ ኪምለስ ከሎ ንእግረ መገደይ ክረኽቦ፡ ብምባል ብጥሮኣስ ኣቢሉ ናብ መቄዶንያ ኸደ (2ቈረ.2፡12-13)። ከምቲ ዝሓሰቦ ኸኣ ጳውሎስን ቲቶስ ተራኸቡ። ቲቶስ ባህ ዜብል ወረ ሒዙ መጸ። ሰብ ቈረንቶስ ነታ መልእኽቲ ጳውሎስ ምስ ረኣዩ ሰንበዱ ብርቱዕ ጓሂ ኸኣ ጎሃዩ፡ ተጣዕሱ ኸኣ። ምኽሪ ጳውሎስ ኪቕበሉውን ድልዋት ኮኑ (2ቈረ.7፡5-16)። ስለዚ ጳውሎስ ነቲ ናይ ቲቶስ ወረ ምስ ሰምዔ፡ ነዛ ኻልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 56ዓ.ም. ተጻሕፈት።
ከም ሓቂ ግና እዛ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኻልአይቲ ዘይኮነትስ ራብዐይቲ መልእኽቲ እያ። ድሕሪኣ ኸኣ ነታ ﷽ቐዳመይቲ እንብላ መልእኽቲ ጸሓፈ፡ ንሳ ኸኣ እታ ኻልአይቲ መልእኽቲ ምዃና እያ። እታ ብርትዕቲ መልእኽቱ እታ ﷽ሳልሰይቲ እያ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ ﷽ኻልአይቲ እንብላ መልእኽቱ፡ ራብዐይቲ ምዃና እያ። እታ መጀመርያ እተጻሕፈትን እታ ብርትዕቲ መልእኽቱን ከም ዝጠፍኣ ይግመት። ገሊኦም መምህራን ግና እቲ ኣብ 2ቈረ.10-13 እንረኽቦ ኸቢድ ተግሳጽ፡ ክፍሊ እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ እዩ ይብሉ፡ እዚ ኸኣ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤