ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24
ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል
1ይ ምዕራፍ
- ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡
- ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
- ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ።
- ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ∶: በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ አግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ድማ ዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም በለ።
- ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ∶: በሎ።
- እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጌልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ።
- ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ።
- ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ∶: በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ።
- ንሱ ኸኣ፡ ገና ህያው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ።
- ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ።
- ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቲ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
- ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንዝህቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።
- ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ።
- ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ከመይ ዘይፈራህካ∶: በሎ።
- ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቖኦ፡ ሞተ ኸኣ።
- ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ፡ በሎ።
- ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም፡
- ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ።
- ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡
እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።
- ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡
ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡
እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡
ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዩ።
- ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡
ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡
ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ከም ዘይተቐብኤ፡
ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡
ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡
ኣባኹም ክኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።
- ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡
ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡
ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን።
- ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡
ፍቑራት ልጉባትን ነበሩ፡
ብሞቶምውን ኣይተፈላለዩን።
ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡
ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።
- ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡
ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበስክን፡
ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡
ንሳኦል ብኸያሉ።
- እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ።
ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ።
- ዎ ዮናታን ሓወይ፡
ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡
ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ።
እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡
ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።
- እዞም ጀጋኑኸ ከመይ ኢሎም ወደቑ።
ኣጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።