እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ መልእኽቲ እያ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 64 ዓ.ም. ቁሩብ ወርሓት ቅድሚ ሙማቱ ዝጸሓፋ ይመስል። ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ምስ ተወስደ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ሮሜ ተቐመጠ (ግብ.25፡127 27፡1፤ 28፡16-30)። ክልተ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ዝቐረበ ይመስል፡ ቅድም ተፈትሔ፡ ካልኣይ ጊዜ ምስ ተታሕዘ ግና ፍርዲ ሞት ተፈርዶ (2ጢሞ.4፡6-8፥16፥17)። ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ፍርዱ ይገልጸሉ፡ ከምኡ ኸኣ ንማርቆስን ካልእ ዘድልዮ ነገራትን ተማሊኡ ቐልጢፉ ኺመጽእ ይጽሕፈሉ (2ጢሞ.4፡9-13)። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ነቲ እተዋህቦ ሕድሪ ኺሕሉን ኣብቲ ኻብ ሃዋርያት እተማህሮ ትምህርቲ ኺጸንዕን የዘኻኽሮ (2ጢሞ.1፡6-14፤ 2፡1፤ 3፡13-17)።
ክፍልታት ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ፤