1 ፡ 2 - ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። 3 - ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ። 4 - እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና። 5 - ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
6 - እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና። 7 ፡ 8 - ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 9 ፡ 10 - ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። 11 - ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና። 12 - ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና።
13 - ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡ 14 - ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። 15 - ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ።
16 - እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸùሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን።
17 - እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። 18 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።