ምዕራፍ 1
እዛ መልእኽቲ እዚኣውን ከምታ ቐዳመይቲ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ ትመስል። ዮሃንስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ሓንቲ ኣማኒት ይጽሕፋ እሞ ኣብኣውን ካብ ትምህርቲ እቶም ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጠቐሶም መስሓትቲ ማለት ጸረ ክርስቶስ ምጥንቃቕ ከም ዜድሊ ይነግር።