![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ቀለም | ቀለበት | ቀለበት እዝኒ | ቀለብ | ቀሓት | ቀመም | ቀሚሽ ላዕሊ | ቀሪም | ቀራንዮ | ቀርሜሎስ | ቀርኒ | ቀስተ ደመና ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቀለም፤
ቀለቤት፤
ብወርቂ ብብሩር ወይ ብኻልእ ማዕድን ተሰሪሑ ንስልማትን ንኽብርን ተባሂሉ ኣብ ኣጻብዕ ዚኣቱ ስልማት። ቀለቤት ምልክት ስልጣን ኮይኑ ይዝውተር ከም ዝነበረ ንዝክር። ኣብ ጊዜ መርዓ፡ እቲ መርዓዊ ንመርዓቱ ቐለቤት ይህባ። ኣብ ርእሲ ሓደ ቐለቤት ዚበዝሕ ጊዜ ሓደ ዓይነት ቅርጺ ተቐሪጹ ኸም ማሕተም የገልግል ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘፍ.24፡22፤ 38፡18፤ 41፡42። ሃጌ.2፡23። ሉቃ.15፡22። ያእ.2፡2)።
ብ 450 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እተቐርጸ ናይ ፋርስ ቀለቤትን ማሕተሙን
ቀለቤት እዝኒ፤
ብወርቂ ብብሩር ወይ ብኻልእ ማዕድን ተሰሪሑ ኣብ እዝኒ ዚንጥልጠል ስልማት (ዘጸ.35፡22)።
ብ 1350 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እተሰርሔ ኣብ ከነኣን እተረኽበ ቐለቤት እዝኒ
ቀለብ፤
ብልዒ፡ ምግቢ። እስራኤላውያን እቲ ናይታ ሳብዐይቲ ዓመት ፍርያቶም ንማልን ንእንስሳታትን ኪኸውን ከም እተኣዘዙ ነንብብ (ዘሌ.25፡1-7)።
ቀሓት፤
ካልኣይ ወዲ ሌዊ (ዘፍ.46፡11)። ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺጉዓዙ ኸለው፡ ደቂ ቀሓት ነቲ ታቦትን ነቲ እተቐደሰ ኣቕሑትን ኣብ መንኩቦም ይጾርዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ዘሁ.3፡27-32፤ 7፤9)። ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ጽዮን ምስ ኣደየቦ፡ ደቂ ቀሓት የገልግሉ ነበሩ (1ዜና.15፡5፥15)። ዓምራም ኣቦ ሙሴን ኣሮንን ካብ ወለዶ ቀሓት እዩ (ዘጸ.6፡18፥20)።
ቀመም፤
ካብ በብዓይነቱ ተኽልን ሽቱን ዕጣንን ዚዳሎ ቀመም ንናይ እግዚኣብሄር ድንኳን ምርኻብ ኪኸውን (ዘጸ.30፡34-38)፡ ከምኡ ኸኣ ንሰብ ጽቡቕ መኣዛ ዘለዎ ሽታ ኺህብ ይዳሎ ነበረ (ምሳ.7፡17 27፡9። መሃ.3፡6)።
ቀሚሽ ላዕሊ፤
ኣብ ልዕሊ ኻልእ ክዳን ዚድረብ ላዕለዋይ ልብሲ (1ሳሙ.2፡19)።
ቀሪም፤
ደቂ እስራኤል ኣብ እዋን ዓጺድ እኽሎም ኪእክቡ ኸለው፡ ካብ እኽሊ ዝወደቐ ወይ ዝተረፈ ዘበለ ቀሪም ንድኻታት የትርፍዎ ነበሩ (ዘሌ.19፡9-10። መሳ.8፡2። ሩት 2፡2፥16። ኢሳ.17፡6)።
ቀራንዮ፤
﷽ጎልጎታ ተመልከት።
ቀርሜሎስ፤
ፍርያም ቦታ ማለት እዩ። ካብ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ወገን ምዕራብ 20 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚርከብ ጎቦታት ዝመልኤ ቦታ። ወሰናስን ቀርሜሎስ ክሳዕ ዓቢ ባሕሪ ይበጽሕ። ነብዪ ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ምስ ጸለየ፡ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ መስዋእቲ በልዖ፡ ማይ ከኣ ሃረመ (1ነገ.18፡17-46)። ነብዪ ኤልሳእውን ኣብዚ ቦታ እዚ ይነብር ነበረ (2ነገ.4፡25)። ካ 3 ሀ።
ከረን ቀርሜሎስ
ቀርኒ፤
ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣንበሳ ዚወጽእ ድልዱል ዓይነት ዓጽሚ (ዘፍ.22፡13። ዳን.8፡5። ዘዳ.33፡17)። ካብ ቀርኒ በብዓይነቱ ኣቕሑ ኺስራሕ ይከኣል። ካብኡ ኸኣ፤ መቐመጢ ዘይቲ (1ሳሙ.16፡!)፡ መለኸት ቀርኒ (እያ.6፡5) ንዝክር።
ቀርኒ ምሳሌ ናይ ሓይልን (1ነገ.22፡11። መዝ.132፡17። ሉቃ.1፡69)፡ ምሳሌ ናይ ክብርን (1ሳሙ.2፡1)፡ ምሳሌ ናይ ስልጣንን (1ሳሙ.2፡10)፡ ምሳሌ ናይ ንግስነትን (ህዝ.29፡21)፡ ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ብ.ኪ. ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ናይቲ መሰውኢ፡ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚብሃል ከም ዝነበረ ንርኢ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ኸኣ ኣብቲ ኣቕርንቲ ይልከ ነበረ (ዘጸ.29፡12። ዘሌ.4፡7)። ኣዶንያን ዮኣብን ካብ ሰሎሞን ምስ ሃደሙ፡ ቀርኒ መሰውኢ ሒዞም ኪምዕቖቡ ከም ዝሃቀኑ ነንብብ (1ነገ.1፡49-53፤ 2፡28-34)።
መለኸት ቀርኒ
ቀስተ ደመና፤
እግዚኣብሄር ንኖህ ዝሃቦ ምልክት ቃል ኪዳን (ዘፍ.9፡8-17)። ቀስተ ደመና ምሳሌ ክብሪ እዩ (ህዝ.1፡28። ራእ.4፡3፤ 10፡1)።
ቀስቲ፤
ብዕንጨይቲ ዚስራሕ መወርወሪ ዅናት (ዘፍ.21፡20። 1ዜና.5፡18። ኤር.50፡14)። ኣብ መዝ.18፡34 ዘሎ ﷽ቀስቲ ኣስራዚ ዚብል ቃል፡ ﷽መፈንጠራ ዚብል ሓሳብ ዜመልክት ይመስል። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ገተርቲ ቐስቲ
ቀሸም፤
ንቑጽ ዕንጨይቲ። ቀሸም ኪብሃል ከሎ፡ ቀጢን እሞ ኣዝዩ ዝነቐጸ ንመናኸሲ ሓዊ ዚጠቅም ዕንጨይቲ እዩ (ግብ.28፡3)።
ቀሺ፤
﷽ካህን ﷽ሽማግሌ ተመልከት።
ቀብኤ፤
ኣብ መ.ቅ. ምቕባእ ንሰለስተ ነገራት ይዝውተር፤
ቀተለ፤
ቀታል ነፍሲ፤
ሰብ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ስለ እተፈጥረ ምቕታሉ ክልኩል እዩ። ቀታል ነፍሲ ብሞት ኪፍረድ ተወሲኑ ኣሎ (ዘፍ.9፡4-6። ዘጸ.20፡13፤ 21፡14። ዘሌ.24፡17)። ቀረባ ዘመድ ሓደ ቕቱል፡ ነቲ ቐታል ነፍሲ ይቐትሎ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ብዘይ ጽልኢ ብድንገት ሰብ ዝቐተለ ቐታል ነፍሲ ኣብ ከተማ መዕቖቢ ሃዲሙ ይዕቆብ ነበረ፡ ብዝተረፈ ነቲ ፈዳይ ሕነ ይውሃብ ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘሁ.35፡9-34። ዘዳ.19፡1-10)
ክርስቶስ ኣብ ትምህርቱ፡ ቁጥዓን ጸርፍን ከም ቅትለት ከም ዝኾነ ይምህር (ማቴ.5፡21-22)። እቲ ትእዛዝ ﷽ኣይትቕተል ኪብል ከሎ፡ ሰብ ብናይ ርእሱ ሓላፍነት ከይቐትል ይኽልክል። ብዝተረፈ፡ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ብዝተቐበሎ ስልጣን፡ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኬውርድ ይፍቀደሉ እዩ። ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ፍርዲ ሞት ዚፍጽሙ ሰብ ስልጣን ብናይ ኣምላኽ ስልጣን እዮም ዚገብርዎ (ሮሜ.13፡3-4)። ከምኡውን ህዝቢ እስራኤል ኣብ እዋን ውግእ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰባት ኪቐትሉ ኸለው፡ ውሳነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓጢኣት እተመልኡ ህዝቢ ይፍጽሙ ነበሩ (ዘዳ.20፡13። ዘፍ.15፡16። 1ነገ.20፡26። 1ሳሙ.15፡2-3)። ﷽ውግእ ተመልከት።
ቀትሪ፤
ካmበ ሰዓት 12 ቅድሚ ቐትሪ ዘሎ ጸሓይ እትሞቐሉ ጊዜ (መዝ.37፡6)።
ቀናእ፤
ሓደ ነገር ኪረክብ ዚቐንእ (ግብ.22፡3)። ኣብ ጊዜ መቃባውያን ጀሚሮም ሓርነት እስራኤል ንምጭባጥ እተላዕሉ ኣይሁድ ﷽ቀናኣት ይብሃሉ ነበሩ። ስምኦን እቲ ሃዋርያ ኸኣ ሓደ ኻብኣቶም ከም ዝነበረ ይግመት (ግብ.1፡13)። ﷽ቅንኣት (ቅንኢ) ተመልከት።
ቀንዴል፤
መብራህቲ። ናይ ዘይቲ ወይ ናይ ሽምዓ መብራህቲ (ዘጸ.40፡4፥25። ዘሁ.4፡9)።
ቀንዴል
ቀዋሚ ቐንዴል፤
መቐመጢ ቐንዴል ወይ መቐመጢ መብራህቲ (ማቴ.5፡15)። ኣብ ብ.ኪ. ﷽ቀዋሚ ቐንዴል ሓደ ኻብቲ ናይ ቤት መቕደስ ኣቕሑ ከም ዝነበረ ነንብብ። እዚ ቐንዴል እዚ፡ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብታ ቅድስቲ ኣብ ወገን ጸጋም እተነብረን፡ ብወርቂ እተሰርሔ ሸውዓተ ጨነፍር ዘለዎን ነበረ (ዘጸ.25፡31-40፤ 40፡24)። እቶም ካህናት ከኣ ብዘይቲ ኣውልዕ ካብ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ኼብርህዎ ተኣዘዙ (ዘጸ.27፡20-21። ዘሌ.24፡2-4። 1ሳሙ.3፡3)። ሰሎሞን ንቤት መቕደስ ዜገልግል ዓሰርተ ቐዋሚ ቕንዴል ሰርሔ (1ነገ.7፡48-49)። እቲ ብርሃን ቀዋሚ ቐንዴል፡ ኣምልኾን ምስክርነትን ህዝቢ እግዚኣብሄር የዘኻኽር (ዘካ.4። ራእ.1፡12-20፤ 2፡5፤ 11፡4)።
ሸውዓተ ጨንፈር ዘለዎ ናይ ቤት መቕደስ ቀዋሚ ቐንዴል፤
ቀውዒ፤
ኣብ እስራኤል፡ ብመጀመርታ ስገም እዩ ዚዕጸድ፡ እዚ ኸኣ ብወርሒ ሚያዝያ ይኸውን ነበረ። ብወርሒ ግንቦት ከኣ ናይ ስርናይ ቀውዒ ይመጽእ ከም ዝነበረ ነንብብ (ሩት.1፡22፤ 2፡23)። ዓጺድ ስርናይ ኪጅመር ከሎ፡ በዓል ቀውዒ ወይ ከኣ በዓል ዓጺድ ይብሃል ነበረ። እቲ በዓል እቲ ናይ ሓጎስ በዓል እዩ፡ ኩሎም ደቂ እስራኤል ከኣ ብምኽንያት ቀውዒ ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም ነቲ በዓል የብዕልዎ ነበሩ (ዘጸ.34፡22። ዘዳ.16፡9-12)። ﷽በዓላት ተመልከት። ኣብ ሓ.ኪ. ﷽ቀውዒ ምሳሌ ናይ መወዳእታ ዓለምን ምእካብ ኣመንትን እዩ (ማቴ.13፡39። ሉቃ.10፡2። ራእ.14፡15-16)።
ቀያፋ፤
ዮሴፍ ቀያፋ ካብ 18 ዓ.ም. ክሳዕ 36 ዓ.ም. ኣብ የሩሳሌም ሊቀ ካህናት ነበረ። ንሱ ኸኣ ንየሱስ ንምሓዝ ምስ ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናትን ምስ ዓበይትን ተማኸረ (ማቴ.26፡3-5)። ኣብ ልዕሊ የሱስ ፍርዲ ኺፍረድ ከኣ ምኽንያት ደለየ (ማቴ.26፡57-68። ዮሃ.11፡49-53)። ጴጥሮስን ዮሃንስን እውን ኣብ ቅድሚ ቀያፋ ከም እተመርመሩ ንዝክር (ግብ.4፡6-22)። ﷽ሃና ተመልከት።
ቀጰዶቅያ፤
ኣብ ወገን ምብራቕ ገላትያ ዚርከብ ሃገር። በዚ ጊዜ እዚ ኣብቲ ቱርኪ ዚብሃል ሃገር ይርከብ (ግብ.2፡9። 1ጴጥ.1፡1-2)። ካ 6 በ።
ቀጽሪ፤
ኣብ ዙርያ ገዛ ወይ ከኣ ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስትያን ዚስራሕ ሓጺር መካበብያ። ቀጽሪ ዚበዝሕ ጊዜ ብእምንን ብሓመድን ይስራሕ (ራእ.11፡2)።