![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቄረኔ፤
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበረት ወደብ። ኣብ ቄረኔ ብዙሓት ኣይሁድ ይነብሩ ነበሩ። እቲ መስቀል ክርስቶስ እተሰከመ፡ ስምኦን ብዓል ቄረኔ ከም ዝነበረ ነንብብ (ሉቃ.23፡26)። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስተ ሰብ ቄረኔ ኣብ የሩሳሌም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ኣንጾክያ ኸኣ ወንጌል ከም ዝሰበኹን ተጻሒፉ ኣሎ (ግብ.2፡10፤ 6፡9፤ 11፡20፤ 13፡1)ዉ
ቄሳር፤
እዚ ስም እዚ ብመጀመርታ፡ ናይ ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ሮሜ ስም እዩ ዝነበረ፡ ደሓር ከኣ ስም መዓርግ ኣብ መንግስቲ ሮሜ ኾይኑ ተዘውተረ። እቶም ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሶም ዘለው ቄሳራት እዞም ዚስዕቡ እዮም፤
ቄሳር ቅላውዴዎስ ብቖጽሊ እተሰርሔ ልሊ ደፊኡ ኸሎ (እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ዕንቍ ሰርዶንክስ እተቐርጸ እዩ)
ቄኔዝ፤
ቄኔውያን፤
ኣብ ሃገር ከነኣን ዚነብሩ ዝነበሩ ነገድ ሚድያን፡ ሰብ ቄና። ሓሙኡ ንሙሴ ቄናዊ ነበረ። እስራኤል ናብ ከነኣን ኪኣትው ኸለው፡ ቄኔውያን ምስ ህዝቢ ይሁዳ ከም እተሰማምዑ ንዝክር። ሔቤርን ሬካብን ቄኔውያን ነበሩ (ዘፍ.15፡19። ዘጸ.2፡16። መሳ.1፡16፤ 4፡11። 1ሳሙ.15፡6። 1ዜና.2፡55)።
ቄዳር፤
እዚ ቓል እዚ ሓይሊ ማለት እዩ። 1. ወዲ እስማኤል (ዘፍ.25፡13)።
2. ካብ ቄዳር እተወልደ ኣብ ምድረ-በዳ ዓረብ ዚነብር ዝነበረ ህዝቢ (መዝ.120፡5)። እዚ ህዝቢ እዚ ኣባግዕ እናኣፋረየ ምስ ጢሮስ ይነግድ ነበረ (ኢሳ.60፡7። ህዝ.27፡21)። ሰብ ቄዳር ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነበሩ (መሃ.1፡5)፡ ፍሉጣት ስብ መንትግ ምንባሮምውን ይጥቀስ (ኢሳ.21፡16-17)። እንተኾነ ግና ብናቡከድነጻር ተሳዕሩ (ኤር.49፡28-29)።
ቄድሮን፤
ኣብ መንጎ የሩሳሌምን ከረን ዘይትን ዚርከብ ለሰን ርባን። እዚ ቦታ እዚ ለሰ ንጉስ (ዘፍ.14፡17። 2ሳሙ.18፡18) ወይ ከኣ ለሰ ዮሳፋጥ ይብሃል (ዮኤ.3፡2)። እዚ ርባ እዚ ብጊዜ ኽረምቲ ኣብ ባሕሪ ጨው ይኩዖ ኸም ዝነበረ፡ ኣብ ጊዜ ሓጋይ ግና ይነቅጽ ከም ዝነበረ ንዝክር። ሺምዒ ንርባ ቄድሮን ከይሳገር ብሰሎሞን ከም እተኸልከለ ንዝክር (1ነገ.2፡37)። ዳዊት ካብ ኣቤሰሎም ኪሃድም ከሎን (2ሳሙ.15፡23)፡ የሱስ ከኣ ናብ ጌተሰማኔ ኪኸይድ ከሎን፡ ርባ ቄድሮን ከም እተሳገሩ ተጻሒፉ ኣሎ (ዮሃ.18፡1)። ﷽ለሰ ዮሳፋጥ ተመልከት።
ቄጡራ፤
ድሕሪ ሞት ሳራ፡ ኣብርሃም ዘእተዋ ኻልአይቲ ሰበይቲ። ቄጡራ፡ ኣቦታት ህዝቢ ዓረብ ዝኾኑ ሽዱሽተ ደቂ ዝወለደት ሰበይቲ ከም ዝኾነት ንርኢ (ዘፍ.25፡1-6። 1ዜና.1፡32-33)።