![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቂልቅያ፤
ኣብ ወገን ደቡብ ቀጰዶቅያ ዘሎ ሃገር። ቀንዲ ኸተማ ቂልቅያ ጠርሴስ እያ (ግብ.21፡39)። ጳውሎስ ኣብ ጠርሴስ ወንጌል ሰበኸ ንቤተ ክርስትያን ከኣ ኣጸናንዔ (ግብ.9፡30፤ 15፡23፥41። ገላ.1፡21)። ካ ግ ኘ።
ቂርያት የዓሪም፤
ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ምዕራብ 15 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ሰብ ዳን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ነቲ እተጸርበ ናይ ሚካ ምስልን ኤፎድን ወሰዱ (መሳ.18)። ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ቂርያት የዓሪም ኣብ ቤት ኣሚናዳብ ዕስራ ዓመት ተቐመጠ (1ሳሙ.7፡1-2)።
ቂሮስ፤
ካብ 559 ክሳዕ 530 ቅ.ል.ክ. ዝነገሰን መንግስቲ ፋርስ ዝመስረተን ንጉስ። ቂሮስ ብዙሓት ሃገራት ዝወረረ ብርቱዕ ንጉስ ከም ዝነበረ ንዝክር።
ብ539 ቅ.ል.ክ. ንባቢሎን ስዒሩ ነቶም እተማረኹ እስራኤላውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዋጅ ኣወጀ (2ዜና.36፡22-23። እዝ.1፡1-14)። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝደረኾ ከም ዝፈጸሞ ኣብ መጽሓፍ እዝራ ተገሊጹ ኣሎ (እዝ.1፡1)።
ቅድሚ ምንጋስ ቂሮስ፡ እቶም ባዕሉ ናብ ባቢሎን ዝማረኾም ኣይሁድ ናብ ሃገሮም ከም ዚምለሱ ብነብዪ ኢሳይያስ ትንቢት ተነጊሩ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ኢሳ.44፡27-28፤ 45፡1)።
ቂሳርያ፤
ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘመሓድር ዝነበረ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ዚቕመጠላ ዝነበረት ርእሲ ኸተማ። ዚበዝሕ ጊዜ ኸኣ እቲ ኣመሓዳሪ ሃገር ኣብ ቂሳርያ ተቐሚጡ፡ ስሕት ኢሉ ጥራይ ናብ የሩሳሌም ይድይብ ከም ዝነበር ንፈልጥ። ስለዚ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኣብ ቅድሚ ክልተ ኣመሓደርቲ ከም ዝቐረበ ነንብብ (ግብ.23፡24፤ 24፡10፤ 25፡6)።
ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኽልተ ዓመት ተኣስረ (ግብ.24፡27)። ቂሳርያ ንመዘከርታ ቄሳር እቲ ንጉስ ሮሜ ተባሂላ፡ ብንጉስ ሄሮድስ ከም እተሰርሔት ይዝንቶ፡ ብዘበን ጳውሎስ ከኣ ሚእቲ ሽሕ ዚኣኽሉ ተቐመጥቲ ነበርዋ። ፊልጶስ እቲ ኣገልጋሊ ምዝርጋሕ ወንጌልን (ግብ.8፡40፤ 21፡8)፡ ከምኡ ኸኣ ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእትን ኣብ ቂሳርያ ይነብሩ ነበሩ (ግብ.10፡1)። ካ 5 መ። ﷽ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ተመልከት።
ብጊዜ ክርስቶስ ዝነበረ ናይ ቂሳርያ ገንዘብ። ኣብቲ ሓደ ገጽ፡ ኣብ ዙርያ እቲ መጀለቢ ﷽ናይ ቂሳርያውያን ዚብል ጽሕፈት፡ ኣብቲ ኻልእ ገጽ ከኣ ናይ መልህቅ ስእሊ ይርኤ።
ቂስ፤
ኣቦ ንጉስ ሳኦል። ቂስ ብንያማዊ እዩ፡ ሓው ንኔር ኣቦ ኣብኔር ከኣ ነበረ (1ሳሙ.9፡1፤ 14፡50-51። ግብ.13፡21)። በዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ኣርባዕተ ኻልኦት ሰባትውን ኣለው።