ጲ
ጲላጦስ | ጲስጋ
ጲላጦስ፤
ካብ 26-36 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ይሁዳ ገዛኢ። ጲላጦስ ብዓል ጰንጠን ነበረ። ሰንደቕ ዕላማ ወተሃደራት ሮሜ ናብ የሩሳሌም ስለ ዘምጽኤ ንኣይሁድ ኣቐዪምዎም ነበረ። ጨካን ገዛኢ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ኣቕተለ (ሉቃ.13፡1)። ጲላጦስ ምስ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ገሊላ ጽልኢ ኸም ዝነበሮ ንዝክር (ሉቃ.23፡12)። ኣይሁድ ንየሱስ ብቕንኢ ዚኣክል ፍርዲ ሞት ከም ዝፈረድዎ ይፈልጥ ነበረ፡ ሰበይቱ ኸኣ ብዛዕባ ኹነታት ፍርዲ የሱስ ከም ዘጠንቀቐቶ ነንብብ (ማቴ.27፡17-19)። ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ሄሮድስ ብምስዳዱን ስርዓት በዓል ብምሕላውን ከኣ፡ ብመግረፍቲ ጥራይ ኪቐጽዖ እሞ ካብ ሞት ኬድሕኖ ከም ዝፈተነ ንርኢ (ሉቃ.23፡6-25። ዮሃ.19፡1-3)። ጲላጦስ፡ የሱስ ንጹህ ከም ዝነበረ ሰለስተ ጊዜ መስከረ (ሉቃ.23፡4፥15፥22)። ከምኡውን ነቲ መንፈሳዊ ስልጣን የሱስ ፈርሄ (ዮሃ.18፡33-38፤ 19፡7-11)። እንተኾነ ግና ህውከት ስለ ዝፈርሄ ኢዱ ተሓጺቡ ነቲ ፍርዲ ኣርግኤ፡ ንየሱስ ከኣ ንሞት ኣሕሊፉ ሃቦም (ማቴ.27፡24)። በቶም ኣይሁድ ስለ ዘይተሓጎሰ ነቲ ወረቐት ልሲ ናይ የሱስ ኪልውጦ ኣይደለየን (ዮሃ.19፡19-22)። ንዮሴፍ ግና ስጋ የሱስ ወሲዱ ኺቐብር ፈቐደሉ (ማር.15፡42-27)። እቶም ኣይሁድ መቓብር የሱስ ኺህሎ ምስ ለመንዎ፡ ናይ ርእሶም ሓለውቲ ገይሮም ኪሕልውዎ ኣዘዞም (ማቴ.27፡62-66)። ድሕርዚ ብዙሓት ሳምራውያን ብዘይ ምኽንያት ስለ ዘቕተለ ብ 36 ዓ.ም. ተኸሰ እሞ፡ ካብ ሽመቱ ተቐንጠጠ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብገዛእ ኢዱ ህይወቱ ከም ዘጥፍኤ ይዝንቶ።
ጲስጋ፤
እዚ ቓል እዚ ጫፍ ሓደ ኸረን ዚገልጽ ቃል እዩ (ዘሁ.21፡20፤ 23፡14። ዘዳ.3፡27፤ 34፡1)።