ጵ
ጵለታውያን | ጵርስኪላ | ጵሲድያ
ጵለታውያን፤
ሓደ ነገድ ፍልስጥኤማውያን። ንጉስ ዳዊት ካብ ክረታውያንን ጵለታውያንን ናይ ክብሪ ዘብዔኛታት ይመርጽ ነበረ (2ሳሙ.8፡18። 1ነገ.1፡38)።
ጵርስኪላ፤
﷽ኣኪላስን ጵርስኪላን ተመልከት።
ጵሲድያ፤
ብዙሓት ከተርትን ሕጊ ዘይሕልው ነገዳትን ዝነበርዋ ከረናዊት ሃገር። ርእሲ ኸተማ ጵሲድያ ኸኣ ኣንጾክያ ትብሃል ነበረት (ግብ.13፡14፤ 14፡24። 2ቆረ.11፡26)። እቲ ቦታ ሎሚ ኽፍሊ ሃገር ቱርኪ ኾይኑ ኣሎ። ካ 6 በ።