ጡ
ጡብ | ጡብ ምሕዳግ
ጡብ፤
ብመሬት፡ ብጭቃ፡ እንሓንሳእውን ምስ ሓሰር እተሓወሰ ጭቃ ተሰሪሑ፡ ብጸሓይ ወይ ብሓዊ ኣብ እቶን mሲሉ ኣብ ክንዲ እምኒ ንመስርሕ መንደቕ ዚዝውተር መሳርያ ህንጻ (ዘፍ.11፡3። ዘጸ.1፡14፤ 5፡7)።
ብ1450 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ሰባት ብጡብ መንደቕ ኪነድቁ ኸለው ዜርኢ ስእሊ
ጡብ ምሕዳግ፤
ምቑራጽ ምጥባው ጡብ። እቶም ቀዳሞት እብራውያን ሓደ ሕጻን ጡብ ኪሓድግ ከሎ በዓል ይገብሩ (ዘፍ.21፡8)፡ መስዋእቲውን የቕርቡ ነበሩ (1ሳሙ.1፡24)።