ቢ
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቢታ፤
ብማዕድን ዚስራሕ ዓይነት ኣንባር። ወተሃደር ኣብ ቅልጽሙ ከም ኣንባር ዚገብሮ ዓይነት ስልማትን ናይ ስሕለት መከላኸልን (2ሳሙ.1፡10)።
ቢታንያ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ቤት በለስ ማለት እዩ።
- ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ምብራቕ ሓሙሽተ ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ክነጀው ከረን ዘይቲ እትርከብ ዓዲ። ሎሚ ግና ሌልኣዛርያ ተባሂላ ትስመ ኣላ። ቢታንያ ዓዲ ማርያምን ማርታን ኣልኣዛርን (ዮሃ.11፡1)፡ ዓዲ ስምኦን እቲ ለምጻምን እያ (ማቴ.26፡6)። የሱስ ኣብ ቢታንያ ኾይኑ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ.24፡50-51)።
- ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ዓዲ (ዮሃ.1፡28)።
- ኣብ ሰሜን ገላትያ ዚርከብ ክፍሊ ሃገር። ሎሚ ግና ክፍሊ ሃገር ቱርኪ ኮይኑ ኣሎ። ጳውሎስ ኣብ ቢታንያ ወንጌል ከይሰብኽ ከም እተኸልከለ ነንብብ (ግብ.16፡6-10)። እታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ናብ ቢታንያ ኸም እተላእከት ንዝክር (1ጴጥ.1፡1-2)። ካ 6 በ።