![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቤል፤
ስም ጣኦት ባቢሎን (ኢሳ.46፡1)። ﷽በዓል ተመልከት።
ቤልሻጽር፤
﷽ቤል ንጉስ ይሕሉ፡ ማለት እዩ።
1. ወዲ ወዱ ንነብካድነጻር፡ ወዲ ናቦኒዶስ። መወዳእታ ንጉስ እታ ሓዳስ መንግስቲ ባቢሎን።
ኣብ ኣደራሹ ዓቢ ናይ ምሳሕን መስተን በዓል ምስ ገበረ፡ ኣብ መንደቕ እቲ ኣደራሽ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ተራእያ እሞ፤ ﷽መኔ፡ ቴቄል፡ ኡፋርሲን፡ ዚብል ጽሑፍ ጸሓፋ። እቲ ንጉስ ሰንቢዱ ትርጉም እዘን ቃላት ኪፈልጥ ምስ ደለየ ኸኣ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ተርጎመሉ፤ ﷽ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቈጸሮን ጠረሶን፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፡ (ዳን.5፡25-28)። እዚ ምስ ኮነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ መንግስቲ ባቢሎን ኣብ ኢድ ፋርስ ወደቐት። እዚ ኸኣ ብ 539 ቅ.ል.ክ. ተፈጸመ (ዳን.5፡1-20፤ 8፡1)።
2. ንዳንኤል እተዋህበ ስም (ዳን.1፡7)።
ቤርያ፤
ኣብ መቄዶንያ እትክርብ ከተማ። ኣብቲ ኻልኣይ መገሻ ስብከት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ማሕበር ከም እተመስረተት ነንብብ (ግብ.17፡10-14፤ 20፡4)። ካ 6 ሸ።
ቤተ ክርስትያን፤
እዛ ﷽ቤተ ክርስትያን ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቓል፡ እታ ﷽ኣቅሌስያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እያ። ﷽ኣቅሌስያ ማሕበር ወይ ከኣ ጉባኤ ተባሂላ ክትትርጎም ትኽእል እያ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ሓ.ኪ. ንሰባት ደኣ እምበር ንህንጻ እተመልክት ቃል ኣይኮነትን። እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ስርዓት ኣምልኾ ኺገብሩ ኸለው፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ እንዳ ሰብ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ገምገም ርባ ወይ ከኣ ኣብ ዝጠዓሞም ቦታ ንጸሎት ይእከቡ ነበሩ (ግብ.16፡13፤ 19፡9። ሮሜ.16፡5)። እቶም ኣብ ሓንቲ ማሕበር ዚርከቡ ሰባት፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝኾኑ፡ ቤተ ክርስትያን ማሕበር ቅዱሳን እያ (1ቆረ.1፡2)። ስለዚ እዛ ቓል እዚኣ እንሓንሳእ ንሓደ እተፈልጠ ፍሉይ ስፍራ (1ቆረ.16፡19-20። ራእ.2፡1)፡ እናሓንሳእ ከኣ ብጃምላ ነቶም ኣብ በቦታኡ ዚርከቡ ቅዱሳን እተመልክት ቃል እያ (1ቆረ.12፡28። ኤፌ.5፡22-25)።
ቤተ ክርስትያን፡ ብኣካላት (1ቆረ.12፡12። ኤፌ.1፡23)፡ ብቤት መቕደስ (ኤፌ.2፡21)፡ ብሰበይቲ (ኤፌ.5፡22-33)፡ ብዓንድን መሰረትን (1ጢሞ.3፡15)፡ ብየሩሳሌምን ትምሰል (ገላ.4፡26። እብ.12፡22። ራእ.21፡2)። ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዚስዕብ ቀንዲ ነገራት ነመልክት፤ 1. ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ብምራድ መንፈስ ቅዱስ ተመስረተት (ኤፌ.1፡19-23)። 2. ካብ ቤት እስራኤል እተላዕለት (ግብ.2፡14፥ 36፥ 41። ሮሜ.11፡13-24)። 3. ቅድስቲ ምእንቲ ኽትከውን ብደም ክርስቶስ ተዓደገት (1ቈረ.6፡19-20። ግብ.20፡28)። 4. ማሕደር ኣምላኽ እያ (ኤፌ.2፡19-22)። 5. ሓንቲ እያ (ኤፌ.4፡$)። 6. ሓይሊ ምእንቲ ኺህልዋ በበይኑ ውህበት ተዋህባ (ሮሜ.12፡3-8። 1ቆረ.12፡4-11)። 7. ኣገባብን ስርዓትን ምእንቲ ኺህልዋ በብዓይነቶም መራሕቲ ተዋህብዋ (ኤፌ.4፡11-13)። 8. ንኹሉ ሰብ ወንጌል ክትሰብኽ ተኣዘዘት (ማር.16፡!5)። 9. ሰባት ቃል ወንጌል ምስ ዚኣምኑ ብጥምቀት ገይራ ትቕበሎም (ማቴ.28፡18-20)። 10። እቲ ቐንዲ ናይ ሕብረታ ምስጢር፡ ቅዱስ ቁርባን እዩ (1ቆረ.1-፡14-17፤ 11፡26)። 11. ንምእሳርን (ንምውጋዝን) ንምፍታሕን ስልጣን ኣለዋ (ማቴ.18፡15-20)። 12. ተስፋኣ ካልኣይ ምምጻእ ክርስቶስን ትንሳኤን ምውታንን እዩ (1ቆረ.11፡26፤ 15፡20-22)።
ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን፤
ኣብ ሓ.ኪ. ብዛዕባ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን መሰረታዊ መምርሒ እምበር ሓደ ንዊሕ ዝኾነ ናይ ትእዛዝ ተርታ ኣይተዋህበናን። የሱስ ቅድሚ ምዕራጉ ነቶም ሃዋርያት ሓላፍነት ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ሃቦም። እቶም ሃዋርያት ከኣ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዝዓበዩ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ምምሕዳር ቤት መቕደስን ቤት ጸሎትን ዝለመዱ ሰባት እዮም ዝነበሩ። ዝኾነ ኾይኑ ግና ነቲ ምምሕዳር ቤት መቕደስ ሓዲጎም፡ ምምሕዳር ቤት ጸሎት ዝሰዓቡ ይመስል። (﷽ካህን ﷽ሊቀ ካህን ﷽ቤት መቕደስ ﷽ቤት ጸሎት ተመልከት)። ሃዋርያት ኣብ መጀመርታ፡ ኩሉ እቲ ኣገልግሎት ማሕበር ይፍጽሙ ነበሩ። ደሓር ግና ደቂ መዛሙርቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ ሾብዓተ ሰባት ንኣገልግሎት ማሕበር ብህዝቢ ተመርጹ እሞ፡ እቶም ሃዋርያት ኣእዳዎም ኣንበሩሎም (ግብ.6፡1-6)። ሃዋርያት ኣብ ብዙሕ ወገናት ማሕበራት ምስ መስረቱ ግና፡ ዜመሓድሩ ሽማግሌታት ሾሙ። ኩላቶም ኣባላት ቤ.ክ. ውህበትን መዚ ኣገልግሎትን ኣለዎም (1ጴጥ.4፡10)። ውህበትን ኣገልግሎትን ከኣ በብዓይነቱ እዩ (ሮሜ.12፡3-8። 1ቆረ.12፡4-11)። ስለዚ ኹሉ ነገራት በገባብን ብስርዓትን ምእንቲ ኺፍጸም፡ መራሕቲ ማሕበር ኣድለይቲ ኾይኖም ተረኸቡ (1ቆረ.14)።
መራሕቲ ቤ.ክ. ኣብ 1ቆረ.12፡28 ተጠቒሶም ኣለው። ኣቐዲምና እቶም ሃዋርያትን ነብያትን መስረትቲ ቤ.ክ. ማዃኖም ንርኢ። ድሕሪኦም መምህራን ድሕሪኦም ከኣ በብዓይነቶም ኣገልገልቲ ተጠቒሶም ንረክብ። ነዚ ብዚመስል ጥቕሲ ከኣ፡ ኣብ ኤፌ.4፡11 ንሰባት ናብ እምነት ቤ.ክ. ዜእትው ሰበኽቲ ወንጌል ተመልኪቶም ኣለው። ኣብዚ መስርዕ እዚ፡ እቶም መምህራን ሓለውቲ ኸኣ ከም ዝኾኑ ብሩህ እዩ። ኩላቶም እዞም እተጠቕሱ መራሕቲ፡ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እምበር ርእሶም ኬልዕሉ ኣይተሾሙን (ኤፌ.4፡11-16)።
መራሕቲ ቤ.ክ. ዚበዝሕ ጊዜ ሽማግሌታት፡ ጳጳሳት፡ ዲያቆናት ተባሂሎም ይጽውዑ (ኣርእስቲ ተመልከት)። ኣመሓደርቲ ቤ.ክ. ናይ ክርስቶስ ኣብነት እናሰዓቡ፡ ብግዲ ዘይኮነ ብፍቶት፡ ብኹርዓት ዘይኮነ ብትሕትና፡ ከም ገዛእቲ ዘይኮነ ከም ኣገልገልቲ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይኮነ ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ፡ ኬገልግሉ ይግባእ(ማር.10፡42-45። 1ጴጥ.5፡1-4)። እቶም ኣመንቲ ነቶም ዜመሓድርዎም መራሕቲ ኪፈትውዎምን ኪእዘዝዎምን ኪድግፍዎምን ተኣዚዞም ኣለው (1ተሰ.5፡12። 1ጢሞ.5፡17። እብ.13፡7፥17)።
ድሕሪ ሃዋርያት፡ ሓደ ዓይነት ምምሕዳርን ኣመራርሓን እዩ ነይሩ ንምባል ኣሸጋሪ እዩ። ምስጢራት ቤ.ክ. ብመን ከም ዚፍጸሙን፡ መራሕቲ ኸመይ ጌርካ ኸም ዚምረጹን ከም ዚሽየሙን፡ ሰባት ብናይ መን ስልጣን ከም ዚውገዙን ወዘተ. ንምኽኣል፡ ነፍስ ወከፍ ቤ.ክ. ናይ ገዛእ ርእሳ ሕግን ስርዓትን ከም ዘውጽኤት ንርኢ።
እምበርስከ እቲ ቐንዲ መሰረት ምምሕዳር ቤ.ክ. እዚ ዚስዕብ ነገራት እዩ፤ 1. ኩሉ ስልጣን ካብ ክርስቶስ እዩ (1ጴጥ.5፡4)። 2. ኩላቶም ኣገልገልቲ ብትሕትና ክርስቶስ ይምርሑ (ማቴ.20፡26-28)። 3. ምምሕዳር ቤ.ክ. ብሓደ ሰብ ዘይኮነስ ብኹሎም እቶም እተመርጹ ዘበሉ ብሓባር ይፍጸም (ማቴ.23፡8፤ 28፡19-20። ግብ.14፡23፤ 15፡6፥23)። 4. ምምሕዳርን ምምሃርን እተኣሳሰረ እዩ (1ተሰ.5፡12። 1ጢሞ.3፡2-7)። 5. ትምህርቲ ቤ.ክ. በቲ ሃዋርያት ዝሰበኽዎ እተወሰነ እዩ (ገላ.1፡8-9። ይሁ.3)። 6. እቶም ቃል እግዚኣብሄር ዚምህሩን ጸሎት ዚመርሑን ዘበሉ፡ ሓገዝቲ የድልይዎም (ግብ.6፡2-3)። 7. እቶም ቤ.ክ. ዜመሓድሩ ኣገልገልቲ ብቕዓት ዘለዎም ኪኾኑ ይግባእ (ቲቶ.1፡5-9)።
ቤት፤
ሰብ በብዓይነቱ ዚነብረሉ ስፍራ ኣለዎ፤ ኣብርሃም ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ፡ ሎጥ ከኣ ኣብ በዓቲ ይነብር ነበረ። ብዙሓት ሰባት ግና ብመካበብያ ኣብ እተኸበ ኸተማ ኣባይቶም ይሰርሑ ነበሩ። ኣብ እስራኤል በብዓይነቱ ኣሰራርሓ ኣባይቲ ኸም ዝነበረ ነንብብ። ዚበዝሕ ጊዜ እቲ ቤት ክልተ ደርቢ ኾይኑ ይስራሕ ነበረ። እቲ ታሕተዋይ ወገን ብእምኒ፡ እቲ ላዕለዋይ ወገን ከኣ ብጡብ ይንደቕ ነበረ። ኣብ መንጎኡ ኸኣ ናይ ዕንጨይቲ ኣዕኑድ ይተኽሉ ነበሩ። እቲ ናሕሲ ብወርወር ተጋጢሙ ብሻምብቆ እተሰርሔ መሸፈኒ ይኽደን እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጭቃ ገይሮም ይልጥፍዎ ነበሩ። ኣብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፡ ቆፎን ዕትሮ ማይን ካልእ ኣቕሑን የቐምጡ ነበሩ። ኣብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ቤት (ደርቢ) ግና፡ ሰባት ይቕመጡ ነበሩ። ኣጋይሽውን ይቕበሉሉ ነበሩ። ኩነታት ኣየር ምስ ዜፍቅድ ከኣ ኣብ ናሕሲ ደዪቦም ይሓድሩ ነበሩ። ሰብ ምእንቲ ኸይወድቕ ኣብ ዚርያ እቲ ናሕሲ መጋረዲ ይግበር ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘዳ.22፡8። እያ.2፡6)። እቲ ናሕሲ ኸኣ ብደጌ ይድየብ ነበረ። ኣብቲ እንዳ ዓበይቲ ብዙሕ ክፍልታት ይርከብ ነበረ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቤት ከኣ መካበብያ ይንደቕ ነበረ። እቶም ሃብታማት፡ ቤቶም ብወርቅን ብብሩርን ብእተጸርበ እምንን ዕንጨይትን ብስኒ ሓርማዝን ይስልሙ ነበሩ። እቲ መሳኹቲ ከኣ ካብ መሬት ልዕል ኢሉ፡ ጸቢብ ኮይኑ ይስራሕ ነበረ። ዚበዝሕ ጊዜ ዓይኒ ርግቢ ኾይኑ ይስራሕ ነበረ። (ዓይኒ ርግቢ ማለት፡ ኣየር ዜእቱ ነኣሽቱ ነዃላት ዘለዎ መንደቕ)።
በቲ ኣብርሃም ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ኡር ዝነበረ ደርቢ ዘለዎ ቤት
መደያይቦን ደርብን ዘለዎ ዓይነት ቤት
ቤት-ልሄም፤
﷽ቤት እንጌራ ማለት እዩ። ካብ የሩሳሌም ንደቡብ ገጻ 9 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ብጊዜ ያእቆብ ﷽ኤፍራታ ትብሃል ነበረት። ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ኣብ ቤት-ልሄም ሞተት፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐብረት (ዘፍ.35፡16-19)። ብዘበን መሳፍንቲ ኸኣ ከተማ ኢብጻንን ቦኣዝን (መሳ.12፡8-10። ሩት.2፡4)፡ ከተማ እሴይን ዳዊትን ነበረት (1ሳሙ.17፡12-14። ሉቃ.2፡4-5፥ 10-11)። ዳዊት ኣብ ቤት-ልሄም ብነብዪ ሳሙኤል ተቐብኤ (1ሳሙ.16፡12)። ኣብ ዛብሎን ቤት-ልሄም ትብሃል ካልእ ዓዲ ስለ ዝነበረት (እያ.19፡15)፡ እዛ ናይ ዳዊት ከተማ እንሓንሳእ ﷽ቤት ልሄም ይሁዳ (ሩት 1፡1) ተባሂላ ትስመ እያ። ነብዪ ሚልክያስ መሲህ ኣብ ቤት ልሄም ከም ዚውለድ ተነበየ (ሚክ.5፡2) ካ 5 ሰ።
ክርስቶስ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ (ማቴ.2፡1-2። ሉቃ.2፡4-7)፡ እቶም ጓሶት (ሉቃ.2፡15-17)፡ ደሓር ከኣ እቶም ሰብ ጥበብ ኣብ ቤት-ልሄም በጽሕዎ (ማቴ.2፡1-12)። ድሕሪኡ ኸኣ ሄሮድስ ነቶም ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ህጻናት፡ ኣብ ቤት-ልሄም ኣቕተለ (ማቴ.2፡16)። ሎሚ ኣብ ቤት-ልሄም 20,000 ዝኾኑ ተቐማጦ ኣለው።
ቤት መቕደስ፤
ኣብ የሩሳሌም እተሰርሔት ኣይሁድ ንእግዚኣብሄር ዚሰግዱላ ዝነበሩ ፍልይቲ ቤት። ሰሎሞን ከም ሓሳብ ኣቦኡ ዳዊት ቤት መቕደስ ሰርሔ። እታ ቤት መቕደስ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ብዘበን ዘሩባቤል ተሓደሰት፡ ብዘበን ሄሮድስ ከኣ ኣግፊሖም ሰርሕዋ። ኣብቲ ቕድም መቕደስ ሄሮድስ እተሰርሓትሉ ቦታ፡ ሎሚ መስጊድ ኣስላም ተተኺሉ ኣሎ። ﷽የሩሳሌም ተመልከት። እቲ ቤት መቕደስ እተሰርሓትሉ ቦታ፡ እቲ ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኣሉ ዝኸዶ ቦታን እቲ ዳዊት ብዋጋ ዝዓደጎ ቦታን እዩ (ዘፍ.22። 2ዜና.3፡1)።
1. ኣባይቲ መዛግብ 2. ታቦት 3. ናይ ወርቂ መሰውኢ
4. ሰደቓ 5. ቀነድል 6. ገበላ 7. ዓንድታት
8. መሳልል 9. መሰውኢ ኣስራዚ 10. ገበራ
ንድፊ ቤት መቕደስ ሰሎሞን
ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ቐንዲ ኣቕሑ፤ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ታቦት፡ ኣብ መቕደስ ከኣ ብወርቂ እተሰርሔ ዓሰርተ ቐነድልን ናይ ወርቂ መሰውእን እንጌራ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን እዩ (1ነገ.7፡48-49)። ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ናይ ካህናት ገበራን መሰውኢ ኣስራዝን ነበረ (1ነገ.7፡23-36፥ 39፤ 8፡64)። ምስኡ ኸኣ ኣባይቲ መዛግብትን ኣባይቲ ሹማምትን ኮይኑ ዚዝውተር ዝነበረ ክፍልታት ነበረ። ድሕሪ 300 ዓመት ግና ጸላኢ ኻብ ባቢሎን መጺኡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ብሓዊ ኣንደዳ (2ነገ.25፡8-17)።
ንድፊ ቤት መቕደስ ሄሮድስ።
ኣብ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ሄሮድስ፡ ኣህዛብ ኣብ ቤት መቕደስ ከይኣትው ዚኽልክል ናይ ሞት ስምዕታ ኣብ እምኒ ተቐሪጹ ነበረ (ግብ.21፡27-29። ኤፌ.2፡14-15)።
ኣብ ዮሃ.2፡20-22 ክርስቶስ ንስጋኡ ብቤት መቕደስ ገይሩ እናመሰለ ይዛረብ። ጳውሎስውን ኣብ 1ቆረ.6፡19-20 ንስጋ ኣመንቲ ብቤት መቕደስ ይምስሎ። መሊሱ ኸኣ ኣብ ኤፌ.2፡22 ንኹላቶም ኣመንቲ ብሓደ ብቤት መቕደስ ይምስሎም። ደቂ እስራኤል ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ከለው፡ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ሓዳስ ቤት መቕደስ ዘርዚሩ ምስ ጸሓፈሎም ብዙሕ ተጸናንዑ፡ እታ ቤት ግና ገና ኣይተሰርሔትን (ህዝ.40-43)።
ንድፌ ቤት መቕደስ ሄሮድስ
ነዚ ነገር እዚ ገሊኦም ሰባት፡ እዚ መንፈሳዊ ምሳሌ እዩ እምበር፡ ትንቢት እታ ብእምኒ እትስራሕ ቤት መቕደስ ኣይኮነን ኢሎም ይትርጉዎ። እቲ ኣብ መልእኽቲ እብራውያንን ራእይ ዮሃንስን ተጻሒፉ ዘሎ ብዛዕባ እታ ሰማያዊት መቕደስ ከም ዝኾነ ንፈልጥ (እብ.9፡12። ራእ.11፡1-2፥ 19)። ዮሃንስ ኣብታ ሓዳስ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ከም ዘየላ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ኣምላኽን እቲ ገንሸልን ቤት መቕደስ ከም ዝኾኑ ይገልጽ (ራእ.21፡22)።
ቤት መዝገብ፤
ናይ ሓደ ድርጅት ወይ ናይ ሓደ ስድራ ቤት ንብረት ዚቕመጠሉ ቤት (ነህ.7፡70-71። እዮ.38፡22-23)።
ቤት ማእሰርቲ፤
በደለኛ ዚቕጽዓሉ ቦታ። ቀደም ዘበን ቤት ማእሰርቲ ኣብ ጉድጓድ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቤት ኣብ ጸልማት ቦታ ይኸውን ነበረ (ኢሳ.42፡6-7። ኤር.38፡6። ማቴ.5፡25)። ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ (ማር.6፡17-18)። ከምቲ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ዝነገሮም፡ እቶም ሃዋርያት ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም እተወስዱ ነንብብ (ሉቃ.21፡22። ግብ.4፡3 5፡19-20)። ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኽልተ ሞቝሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ክልተ ወተሃደራት ደቂሱ ኸም ዝነበረ ንዝክር (ግብ.12፡3-10)። ንጳውሎስን ሲላስን ኣብ ኣእጋሮም ኣብ ጉንዲ ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም (ግብ.16፡24)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኣብ ኣደራሽ እቲ ገዛኢ፡ ኣብ ሮሜ ኸኣ ኣብታ ዚቕመጠላ ዝነበረ ቤት ብወተሃደር ይሕሎ ነበረ (ግብ.23፡33-35፤ 28፡16፥ 30)። ﷽ቤት እሱራት ተመልከት።
ቤት-ሳይዳ፤
﷽ቤት ገፋፍ ዓሳ ማለት እዩ።
ቤት-ሸመሽ፤
﷽ቤት ጸሓይ﷽ ማለት እዩ። ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ምዕራብ 20 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚርከብ ቦታ። ታቦት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ናብ ቤት-ሸመሽ ተመልሰ (1ሳሙ.6፡12-21)። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤት ሸመሽ ሓዞ (2ነገ.14፡11-13)። ብጀካ እዚ ቦታ እዚ፡ ቤት-ሸመሽ እተባህለ ኻልእ ቦታታት ኣብ ወገን ሰሜን ከም ዝነበረውን ነንብብ (እያ.19፡22፥38)።
ቤት-ሻን፤
ካብ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ወገን ደቡብ ኣቢላ ኣብ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ዝነበረት እተዓርደት ከተማ። ካብ ባሕሪ ገሊላ ኸኣ 20 ኺ.ሜ. ርሒቓ ትርከብ። ፍልስጥኤማውያን ንሬሳ ሳኦል ኣብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ሰቐልዎ (1ሳሙ.31፡8-10)
ቤት-ኤል፤
እዚ ስም እዚ ቤት እግዚኣብሄር ማለት እዩ። ቤት-ኤል ኣብ ወገን ሰሜን የሩሳሌም ዝነበረት ከተማ እያ። ካብ የሩሳሌም ከኣ 18 ኪ.ሜ. ኣቢላ ትርሕቕ። እዛ ከተማ እዚኣ፡ ብጀካ የሩሳሌም፡ ካብ ኩለን ከተማታት ዝበዝሔ ጊዜ ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሳ ኣላ። ኣብርሃም ኣብ ቤት-ኤል መሰውኢ ሰርሔ (ዘፍ.12፡8)። ደሓር ከኣ ስለ ዘርኡን ስለ ምድሩን ካብ እግዚኣብሄር ተስፋ ተቐበለ (ዘፍ.13፡3፥14)። ያእቆብ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሕልሚ ሓለመ፡ ተስፋ ኸኣ ተቐበለ (ዘፍ.28፡10-22፤ 35፡7)። ብዘበን መሳፍንቲ እቲ ታቦት ብመጀመርታ ኣብ ቤት-ኤል ከም ዝነበረ ነንብብ (መሳ.20፡26-28)።
ብዘበን ነገስታት እታ ቀንዲ ቤት መቕደስ ናይታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክንዲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቤት-ኤል ነበረት (1ነገ.12፡26-13፡34)። እቶም ነገስታት ሰሜን ኣብ ቤት-ኤል ጣኦት ስለ ዝሰርሑ ነብዪ ኣሞጽ ከም ዝገሰጾም ንርኢ (ኣሞ.3፡14፤ 7፡10-17)። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነብዪ ሆሴእ ንቤት-ኤል ቤት-ኣዌን (ቤት ሓጥያት) ኢሉ ይሰምያ (ሆሴ.4፡15)። ኣብ ቤት-ኤል ቤት ትምህርቲ እቶም ሓቀኛታት ነብያት ከም ዝነበረት ንዝክር (2ነገ.2፡2-3)። ድሕሪ ምርኮ ኣሶር ነቶም ሳምራውያን ኣብ ቤት-ኤል ብዛዕባ ኣምላኽ እስራኤል ተማህሩ (2ነገ.17፡24-28)። ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ ቤት ጣኦት ከም ዘፍረሶ ተጻሒፉ ኣሎ (2ነገ.23፡15-20)። ሎሚ እታ ኸተማ የላን፡ እቲ ስፍራ ግን በይቲን ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ካ 3 ሰ።
ቤት እሱራት፤
ሓደ ሰብ ፍርዲ ኽሳዕ ዚቕበል ወይ ከኣ ብዘይ ፍርዲ ምስ ዚሕበስ ዚጸንሓሉ ቦታ። ዮሴፍን (ዘፍ.39፡20)፡ ሳምሶንን (መሳ.16፡21-25)፡ ነብያትን (1ነገ.22፡27። 2ዜና.16፡10። ኤር.32፡3፥ 8፥ 12) ኣብ ቤት እሱራት ይሕለው ነበሩ። ﷽ቤት ማእሰርቲ ተመልከት።
ቤት ጸሎት፤
ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት። ብዘበን ብሉይ ኪዳን እቲ ኣምልኾ ኣይሁድ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስን ስርዓታን እተመስረተ ነበረ። ነቡካድነጻር ግና ነታ ቤት መቕደስ ኣፍረሳ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ባቢሎን ማረኾ። ስለዚ ኣይሁድ ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ኣብ ዘዘለውዎ ቦታ ኩሉ ንጸሎትን ንኣኼባታትን ዜገልግላ በብዓይነተን ኣብያተ ጸሎት ኪሰርሑ ከም ዝጀመሩ ይግመት (ህዝ.11፡16)። ከምኡ ኸኣ በቲ የሱስ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ፈቐድኡ ብዙሓት ኣብያተ ጸሎት ተሰርሓ። እቶም ሃዋርያት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺዞሩ ኸለው ኸኣ ብጀካ ኣብ ገሊኡ ቦታ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ኣቐዲሞም ኣብተን ኣብያተ ጸሎት ኣትዮም ወንጌል ይምህሩ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ማር.4፡23። ግብ.6፡9፤ 9፡1-2፤ 13፡5፥ 14፥ 14፡1፤ 17፡1፥10፥17፤ 18፡4፤ 19፡8)። ዓሰርተ እኹላት ኣጉባዝ ኣብ ዘለውዋ ቦታ፡ ቤት ጸሎት ምስራሕ ይፍቀድ ነበረ፡ እታ ቤት ጸሎት ከኣ ዓባይ ወይ ንእሽቶ ኽትከውን ትኽእል ነበረት።
ግዳማዊ ቕርጺ ቤት ጸሎት ውሽጣዊ ወገን ቤት ጸሎት
ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት፡ ሕግን ነብያትን እተጻሕፎ ጥቕሉል ብራናታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሳጽን (ታቦት) ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሰብ ቃል እግዚኣብሄር ኬንብብ ከሎ ኸኣ፡ ምእንቲ ኺስማዕ፡ ኣብቲ እተዳለወ ክብ ዝበለ መድረኽ ይድይብ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እቲ መድረኽ ከኣ ናይ ክብሪ መቐመጢ ነበረ (ማቴ.23፡6)። ሰብኡትን ኣንስትን በበይኖም ኮፍ ይብሉ ነበሩ፡ ስለዚ ቤት ጸሎት ንኣምልኾን ንትምህርትን ንሕብረት ሰብን ጠቓሚት ኮይና ተረኽበት። ቤት ጸሎት ብሓደ መራሒ ትመሓደር ነበረት (ማር.5፡22። ግብ.13፡15፤ 18፡8)። መጋባእያውን ብመራሕቲ ቤት ጸሎት ይምራሕ ነበረ (ግብ.13፡15)። ስለዚ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ሓደ በደለኛ ክሳዕ ሰላሳን ትሽዓተን ጊዜ ኺግረፍ ወይ ከኣ ካብ ቤት ጸሎት ኪስጎግ ንምውሳን ስልጣን ነበሮም (ዮሃ.9፡34። 1ቆረ.11፡24)። እቲ ኣገልጋሊ ቤት ጸሎት፡ ቆልዑ ይምህር፡ ጥቕሉል ብራናታት የቕርብ፡ በደለኛታት ይገርፍ፡ ካልእ ትእዛዝ እቶም መራሕቲ ኸኣ ይፍጽም ነበረ (ሉቃ.4፡20)። ብመዓልቲ ሰንበት ኩሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ቤት ጸሎት ይእከብ ነበረ (ሉቃ.4፡16። ግብ.15፡19-21)፡ በቲ ጊዜ እቲ ኸኣ ኣብቲ ስርዓት ኣምልኾኦም፡ ጸሎትን፡ ንባብ ሕግን ነብያትን፡ ስብከትን፡ ቡራኬን የዘውትሩ ነበሩ።
ቤት-ፋጌ፤
ካብ የሩሳሌም ክልተ ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ እትርከብ ዓዲ። የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ቤት-ፋጌ ዘምጽእዎ ኣድጊ ተወጢሑ፡ ብእልልታ ህዝቢ ተዓጂቡ ናብ ቤት መቕደስ ከም ዝኣተወ ነንብብ (ሉቃ.19፡28-40)።
ቤን-ሃዳድ፤
እዚ ስም እዚ፡ ወዲ ሃዳድ ማለት እዩ። እቲ ስም ከኣ ናይ ነገስታት ሶርያ እዩ። ሃዳድ ድማ ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ሶርያ እዩ። ኣብ መ.ቅ. ቤን-ሃዳድ ተባሂሎም እተጠቕሱ ሰለስተ ሰባት ኣለው። ኣብ መጽሓፍቲ ታሪኽ ከኣ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ቤን-ሃዳድ ተባሂሎም ይጽውዑ።
ስም ቤን-ሃዳድ እተቐርጾ ኣምላኽ ሶርያ