![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ድሪ፤
ብወርቂ እተሰርሔ ስልማት ክሳድ (ዘፍ.41፡42)።
ድሪም፤
ናይ ገንዘብ ስም (ሉቃ.15፡8)።
ድርቋ፤
ምግቢ እንስሳ። ካብ እኽሊ ዚወጽእ ሓሰር (ዘፍ.24፡32፤ 42፡27)።
ድርዒ፤
ብዓይነት ሓጺን ወይ ብቖርበት ዚስራሕ ካብ ክሳድ ክሳዕ ብርኪ ዚግበር ክዳን ውግእ (1ሳሙ.17፡5። 1ነገ.22፡34። ነህ.4፡16)። ድርዒ ምሳሌ ጽድቂ እዩ (ኤፌ.6፡14-15)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ድቃስ፤
ድቓላ፤
ብወሰን እተወልደ ውላድ (መሰል ውልድነት ዘይብሉ ውላድ) (ዘዳ.23፡2። እብ.12፡8)።
ድቢ፤
ነዊሕ ኣጽፋርን ብርቱዕ ጸጉርን ዘለዎ፡ ጭራ ዘይብሉ ብርቱዕ ኣራዊት። ድቢ ቀደም ዘበን ኣብ እስራኤል፡ ሎሚ ኸኣ ኣብ ሊባኖስን እስያን ይርከብ። ብቛንቋ እብራይስጢ ﷽ዶብ ይብሃል። ድቢ ቖጽልን ሱርን መዓርን ስጋን ይምገብ። ኣንስተይቲ ድቢ ኮራኹራ ካብ ሰብ ንምድሓን ክትከላከል ከላ እንተ ደኣ ተቖጢዓ፡ ሰብ ክትቀትል ትኽእል እያ (1ሳሙ.17፡34-36። 2ሳሙ.17፡8)።
ድቢ
ድቢ፤
ቅርጺ ድቢ ዚመስል መስርዕ ዝሓዙ ከዋኽብቲ ሰማይ (እዮ.9፡9)።
ድንቂ፤
﷽ትእምርቲ፡ ተኣምራት፡ ተመልከት።
ድንኪ፤
ኣብ ቁመቱ ባህርያዊ ጉድለት ዘለዎ ሓጺር ሰብ። ድንኪ ኣብ ብ.ኪ. ኣብ መሰውኢ ኸየገልግል ክልኩል እዩ (ዘሌ.21፡20)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ድንኳን፤
ኣብ ዓንድታት ተኣሲሩ እተዘርግሔ፡ ብገመድ እተገተረ፡ ብጸጉሪ ጤል ወይ ከኣ ብቖርበት እተሰርሔ መንበሪ፡ ድንኳን ይብሃል (ኢሳ.54፡2-3)።
ድንኳን
ድንኳን ምርኻብ፤
﷽ማሕደር እግዚኣብሄር ተመልከት።
ንድፊ ድንኳን ምርኻብ
ድንኵላ፤
﷽እንስሳ ተመልከት
ድንኵላ
ድንኵል፤
ጭቃ ነይሩ ምስ ነቐጸ፡ ተጣቢቑ ዘይፈላለ መሬት (እዮ.38፡27-40)። ሓረስታይ ኣብ ጊዜ ማሕረስ ነቲ ድንኩል ዝኾነ መሬቱ ይጉልጉሎ (ኢሳ.28፡24)።
ድንጉር፤
ሰጥ ዘይበለ በሪኽን ዓሚቕን ዘለዎ መገዲ። ድንጉር ምሳሌ ሰጥ ዘይበለ ሓሳብ ኮይኑ ይጥቀስ (ኢሳ.40፡4)።
ድንግል፡ ደናግል፤
ሰብኣይ ዘይፈለጣ ሰበይቲ ወይ ከኣ ሰበይቲ ዘይፈለጠ ሰብኣይ (ዘፍ.24፡16። ዘጸ.22፡16። ኣስ.2፡2-6። ራእ.14፡4)። ኣብ ብ.ኪ. መሰል ሓንቲ ድንግል ብሕጊ እተሓለወ ኸም ዝነበረ ንርኢ (ዘዳ.22፡13-19)። እዚ ቓል እዚ ምሳሌ መንግስታትን ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ (ኢሳ.23፡12፤ 37፡22፤ 47፡1። ኤር.18፡13። ኣሞ.5፡2)። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ተወልደ (ኢሳ.7፡14። ማቴ.1፡22-23። ሉቃ.1፡26-27)። ጳውሎስ ነቶም ደናግል ዝኾኑን ደናግል ዝኾናን ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽሪ ይህቦም (1ቆረ.7፡25-38)፡ ከምኡ ኸኣ ነቶም ኣመንቲ ብድንግል ገይሩ ይምስሎም (2ቆረ.11፡2)።
ድኻ፤
ኣብ እስራኤል ሰብኣይ ዘይብላ ሰበይትን ወለዲ ዘይብሎም ዘኽታማትን መጻእተኛታትን ከም ድኻታት ይቑጸሩ ከም ዝነበሩ ንዝክር፡ ስለዚ ህዝቢ እስራኤል ነቲ እቶት ሳብዐይቲ ዓመቶምን ነቲ በብዓመቱ ዘïርከብ ቀሪምን ዓጺዶም ንድኻታት ኪሓድግዎ ተኣዘዙ (ዘጸ.23፡11። ዘሌ.19፡9-10)። ርስቲ ሓደ ድኻ ካብ ኢዱ ኸይምንዛዕ ናይ ዓመት እልልታ ሕጊ ተዋህበ (ዘሌ.25፡25-30)። ድኻ ብምኽንያት ታሕዚ ኸይጉዳእ፡ ከምኡ ኸኣ ውዕለቱ ጸሓይ ከይዓረበት ኪወሃብ ዚእዝዝ ሕጊውን ኣሎ (ዘጸ.22፡25-27። ዘዳ.24፡15)። እግዚኣብሄር ንድኻ ዚሓልየሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዘለዎ ሰብ ከም ክእለቱ ንድኻ ኺሕግዝ ይግባእ (ዘዳ.15፡1-11። ኤፌ.4፡28)። እቶም ቀዳሞት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፡ ድኻታት ዚረድኡሉ ድርጅት ከም ዝነበሮም ነንብብ (ግብ.6፡1-6። ገላ.2፡10)። ንድኻ ምጭቋን ንእግዚኣብሄር ምጽራፍ ማለት እዩ (ምሳ.14፡31። እያ.2፡1-9)።
ድኽነት፤
﷽ሃብቲ ተመልከት።
ድኳ፤
(መርግጽ እግሪ)። ሰብ ኮፍ ዚብለሉ ሓጺር መቐመጢ ወይ ከኣ ኣብ ነዊሕ መንበር ኮፍ ኢልካ ኣእጋርካ እተዕርፈሉ መቐመጢ (ያእ.2፡3)። ኣብ መ.ቅ. ድኳ ከም ﷽መርገጽ እግሪ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ምልክት ታሕቲ ዝኾነ ነገር ኮይኑ ይዝውተር (መዝ.110፡1። ኢሳ.66፡1። ማቴ.5፡35)።
ድኳ እግሪ፤
﷽ድኳ ተመልከት።
ድያ፤
ግሪኻውያን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ቐንዲ ኣምላኾም (ግብ.14፡12-13)። እዚ ኣምላኽ እዚ ﷽ድዮስ ወይ ከኣ ﷽ዜዎስ ተባሂሉውን ይጽዋዕ እዩ።
ድዮስቆሮስ፤
ኣብ ታሪኽ ግሪኻውያን ምስ እንምልከት፡ ድዮስቆሮስ ስም እቶም ንመርከበኛታት ካብ ሓደጋ ዚሕልው ኣማልኽቲ ምዃኑ ንርኢ። ድዮስቆሮስ ደቂ እቲ ዜዎስ እተባህለ ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ምዃኖም እዮም (ግብ.28፡11)።
ድያብሎስ፤
እቲ ብቛንቋ እብራይስጢ ሰይጣን ተባሂሉ ዘሎ ስም፡ ብቛንቋ ግሪኽ ድያብሎስ ተባሂሉ ኣሎ። ስለዚ እዚ ድያብሎስ ዚብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን እምበር ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣይርከብን እዩ። ﷽ሰይጣን ﷽መልኣኽ ተመልከት።
ድጉዓ ኤርምያስ፤
ድጉዓ ማለት፡ ብኽያት፡ መልቀስ፡ ማለት እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኤርምያስ ከም ዝጸሓፋን ከም ዘይጸሓፋን ዜረጋግጽ መሰረት የብልናን፡ እንተኾነ ግና ኤርምያስ ከም ዝጸሓፋ ዚግምቱ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣለው። ኣብታ መጽሓፍ ስም እቲ ጸሓፊ ኣይተመልከተን፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዳሕ ስም ኤርምያስ ኣይተጠቕሰን። ዝኾነ ይኹን ግና እቲ ጸሓፊ ከም ኤርምያስ የሩሳሌም ዚፈቱ፡ ውድቀታ ርእዩ ዝጎሃየን፡ ኣብ ስቓያ ዝተኻፈለ ሰብን ከም ዝኾነ ጥርጥር የልቦን። እተን ኣብ ድጉዓ ኤርምያስ ዘለዋ ሓሙሽተ ምዕራፋት ብመላኤን ናይ መልቀስ ቃላት ዝሓዛ እየን።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ምሪ መከራን ስቓይን እናገለጸት፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ ፈራዲ ኸም ዝኾነ ትምስክር (ድጉ.1፡18)። እቲ ጸሓፊ፤ ﷽ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ (ድጉ.3፡22)፡ ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ፡ ይብል (ድጉ.3፡26)።