![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ዲና፤
ትርጉም እዛ ስም እዚኣ፡ ﷽ፍርዲ ወይ ﷽ፈረደ ማለት እዩ። ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ጓል (ዘፍ.30፡21፤ 46፡15)። ሴኬም ንዲና ስለ ዘነወራ፡ ኣሕዋታ ንሰብ ሴኬም ቀተልዎም (ዘፍ.34)።
ዲናር፤
ብብሩር እተሰርሔ ገንዘብ መንግስቲ ሮሜ (ማቴ.20፡2። ማር.12፡15-17። ሉቃ.10፡35)። ﷽ገንዘብ ተመልከት።
ናይ ሮሜ ዲናር። ኣብ ሓደ ገጽ ﷽ቄሳር ኣውጉስጦስ ኣብ ሓደ ገጽ ከኣ ﷽ዓቢ ገዛኢ ዚብል ቅርጺ ዜርኢ ናይ ሮሜ ዲናር።
ዲን፤
ካብ እሳተ ጎሞራ ዝወጽእ ብጫ ዝሕብሩ ሓመድ። ዲን፡ ንሰብ ዜሰክሕ ትኪ እናኣውጽኤ ይነድድ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምሳሌ ፍርዲ ኾይኑ ይጥቀስ (ዘፍ.19፡24። መዝ.11፡6-7። ኢሳ.30፡33። ህዝ.38፡22። ራእ.9፡17)።
ዲያቆን፤
እዚ ቓል እዚ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ንድኻታት ብማዕርነት ረድኤት ብምዕዳልን ምግቢ ዕለት ንምምቃልን ዜገልግሉ 7 ሰባት ብማሕበር የሩሳሌም ተሓርዮም ከም ዝነበሩ ንዝክር። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሽሕ እኳ ዲያቆናት ተባሂሎም እንተ ዘይተሰምዩ፡ ኣገልግሎት ዲያቆናት ይገብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ﷽ሾብዓተ ዲያቆናት ብዚብል ስም ይስመዩ (ግብ.6፡1-6)። ደሓር እናጸንሔ ዕዮ ዲያቆናት ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም መዓርግ ኪቑጸር ጀመረ። ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ብዛዕባ መዓርግ ዕዮ ድያቆናትን ብዛዕባ ጠባይ ዲያቆናትን ጽሒፉ ኣሎ (1ጢሞ.3፡8-13)። ኣንስቲውን ኣብ ቤ.ክ. ከም ዘገልግላ ተጻሒፉ ኣሎ፡ እንተኾነ ግና ናይ ዲቍና መዓርግ ከም እተዋህበን ኣብ መ.ቅ. ኣይተጠቕሰን። ﷽ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ተመልከት።