ዴ
ዴማስ | ዴቦራ
ዴማስ፤
ምስ ጳውሎስ ዕዮ ወንጌል ዝዓየየ ሰብ (ቆሎ.4፡14። ፊሞ.24)። ደሓር ግና ዴማስ ንጳውሎስ ሓዲጉ ኸም ዝኸደ ነንብብ (2ጢሞ.4፡10)።
ዴቦራ፤
እዛ ስም እዚኣ፡ ﷽ንህቢ ማለት እዩ። ዴቦራ ሰበይቲ ላጲዶት፡ ኣብ እስራኤል ነብዪትን ፈራዲትን ነበረት። ዴቦራ ሓንቲ ኻብቶም ብጊዜ ውግእ ብምምራሕ ሰራዊት፡ ብጊዜ ሰላም ከኣ ብዳኝነት ንእስራኤል ዜገልግሉ ዝነበሩ መሳፍንቲ ኸም ዝነበረት ነንብብ። ያቢን ንጉስ ከነኣን ንእስራኤል ምስ ኣጨነቖም፡ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ዴቦራ ገይሩ ረድኦም። እታ ነብዪት ንሓደ ባራቕ ዚብሃል ሰብኣይ ኣተንሲኣ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ኪዋግኦ ብስም ኣምላኽ ኣተባብዓቶ። ባራቅ ከኣ፤ ﷽ምሳይ እንተ ኸድኪ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና፡ ኣይከይድን ስለ ዝበላ፡ ምስኡ ኸደት። እቲ ጸላኢ ኸኣ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሳዕረ (መሳ.4)። እግዚኣብሄር ብዴቦራን ባራቅን ገይሩ ንእስራኤል ዓወት ስለ ዝሃቦም፡ ዴቦራን ባራቅን በቲ ኣብ መሳ.5 ተጻሒፉ ዘሎ መዝሙር ገይሮም ክብሪ ንእግዚኣብሄር ዘመሩ።