![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ኢሊሪኮን፤
ኣብ ወገን ሰሜን መቄዶንያ ዝነበረት ክፍሊ ሃገር መንግስቲ ሮሜ። ጳውሎስ ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ክሳዕ ኢሊሪኮን ወንጌል ሰበኸ (ሮሜ.15፡17-21)። ሎሚ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ሃገር ዩጎዝላቭያ ይርከብ።
ኢሳይያስ፤
ኢሳይያስ ማለት፡ ﷽እግዚኣብሄር ምድሓን እዩ ማለት እዩ። ብዘበን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ነገስታት ይሁዳ ካብ 740 ክሳዕ 688 ቅ.ል.ክ. ዚንበ ዝነበረ ነብዪ። ብዘበን መንግስቲ ኣሃዝን ህዝቅያስን ኣማኻሪ ቤተ-መንግስት ነበረ። ኣቦኡ ኣሞጽ ይብሃል፡ እዚ ግና ካልእ እዩ እምበር ነብዪ ኣሞጽ ኣይኮነን (2ነገ.19፡1-2። ኢሳ.1፡1)። ኢሳይያስ በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ነብዪ ኪኸውን ተጸውዔ (ኢሳ.6)። ብዘበን ንጉስ ኣሃዝ፡ ሰራዊት ሶርያን ሰማርያን ንይሁዳ ምስ ወረርዋ፡ ኢሳይያስ ምስ ወዱ ወጺኡ ንኣሃዝ ተቐባበሎ እሞ፡ እምነቱ ናብ እግዚኣብሄር ኪገብር እምበር ከይስንብድ መከሮ። ኣሃዝ ግና ምእንቲ ካብ ጸላእቱ ኺረድኦ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ይህብ ነበረ (ኢሳ.7፡1-17፤ 8፡1-4። 2ዜና.28፡16-21)። መንግስቲ ኣሶር እናበርትዔት ምስ ከደት መራሕቲ ይሁዳ ሓገዝ ኪረኽቡ ናብ ምስሪ ቖላሕታኦም ሰደዱ፡ ኢሳይያስ ከኣ ነዚ ናብ ወጻኢ ቁልሕ ምባሎም ብእግዚኣብሄር ዘይምእማን ከም ዝኾነ ገሊጹ ተዛረበሉ (ኢሳ.20፤ 30፡1-5)። ንጉስ ኣሶር ንከተማታት ይሁዳ ሒዙ ኣብ የሩሳሌም ኮይኑ ብንዕቐት ምስ ተዛረበ፡ ኢሳይያስ እቶም ኣሶራውያን ከም ዚሰዓሩ ተነበየ፡ ከምቲ ቓሉ ኸኣ ሰራዊት ኣሶር ብሴፍ ኣምላኽ ተወቕዑ (2ነገ.18፡13-19፥37። 2ዜና.32፡16-21። ኢሳ.30፤ 37)። ንጉስ ህዝቅያስ ምስ ሓመመ፡ ከም ቃል ኢሳይያስ፡ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ተዋህቦ (2ነገ.20፡1-11)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ደቂ ህዝቅያስ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰዱ ተዛረበ (ኢሳ.39)። ﷽ሸኣርያሹብ ተመልከት።
ትንቢት ኢሳይያስ፤
ኢሳይያስ መጽሓፍቲ ታሪኽ ነገስታትን መጽሓፍ ትንቢትን ጸሓፈ (2ዜና.26፡22፤ 32፡32። ኢሳ.8፡1)። ﷽ትንቢት ኢሳይያስ ካብ ቀደም ጀሚሩ ብ 700 ቅ.ል.ክ. ከም እተጻሕፈ ይብሃል። ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ግና ብዛዕባ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዙሕ መጽናዕቲ ስለ እተገብረ፡ ኣብ መንጎ ዘበናውያን ሊቃውንቲ እተፈላለየ ሓሳባት ተረኺቡ ኣሎ። ኢሳይያስ ባዕሉ ካብ ኢሳ.1 ክሳዕ 39 ከም ዝጸሓፈ እምበር እተን ካብ ኢሳ.40 ክሳዕ 55 ዘለዋ ምዕራፋት ብኻልእ ኣብ ጊዜ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ፡ ካብ ኢሳ.55 ክሳዕ 66 ከኣ ብሓደ ኻልእ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ እየን ተጻሒፈን ዚብሉ ኣለው። ካልኦት ከኣ ኢሳ.1-39 ከምኡ ኸኣ ኢሳ.56-66 ኣብ በበይኑ ኽፍሊ ተመቒሉ ብብዙሓት ሰባት እተጻሕፈ ይመስል ዚብሉ ኣለው።
ነዚ ሓሳብ እዚ ንምድጋፍ ክልተ ምኽንያት ተዋሂቡ ኣሎ፤ 1. ሓደ ነብዪ ነቶም ብዘበኑ ዚርከቡ ሰባት ጥራይ ዚዛረብ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ ነቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ምሩኻት ባቢሎን ዝጸሓፈ ኣይመስልን ዚብል ሓሳብ ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ብነብያት ገይሩ ዚዛረብ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፡ በዚ ሓሳብ እዚ ዚውሰን ኣይኮነን። 2. ኣብ መንጎ ኢሳ.1-39 ኣብ መንጎ ኢሳ.40-66 ፍልልይ ኣጸሓሕፋን ፍልልይ ካልእ ነገራትን ስለ ዘሎ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ እተባህለ ኺድግፍ ይለዓል። እንተኾነ ግና እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ዓመታት፡ ኣብ ጊዜ እርጋን እቲ ነብዪ እተጻሕፈ ኽፍሊ፡ ካብቲ ብጊዜ ጉብዝንኡ ዝጸሓፎ ኸይተፈልየ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ክልቲኡ ኽፍሊ ዚሰማማዕ ነገራት ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ ካብ ካልኦት ነብያት ኣብሊጹ ንእግዚኣብሄር ﷽ናይ እስራኤል ቅዱስ እናበለ ይሰምዮ (ኢሳ.1፡4፤ 37፡23፤41፡16፤ 60፡14)።
ካብ ዘበን ብ.ኪ. ጀሚሩ ﷽ትንቢት ኢሳይያስ ምስቲ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ቑጹር እዩ። ካብዚ መጽሓፍ እዚ ዚጥቀስ ዝኾነ ኽፍሊውን ቃል ነብዪ ኢሳይያስ ከም ዝኾነ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ፤ ﷽ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ምልእቲ ዓለም ከም ዚነግስ፡ ኣብ ልዕሊ ዓመጸኛታት ከም ዚፈርድ፡ ነቶም ዝኣምንዎ ኸኣ ከም ዘድሕኖም ምግላጽ እዩ። ንትንቢት ኢሳይያስ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ክንከፍሎ ንኽእል፤ 1. ካብ ኢሳ.1-39፡ ኣብ ጊዜ ኢሳይያስ እተፈጸመ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ﷽ኢሳይያስ ተመልከት። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማጺ ዝኾነ ህዝብን ካልኦትን፡ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዘየቋርጽ እናገለጸ፡ ክብርን በረኸትን መንግስቲ ኣምላኽ የረድእ። 2. ካብ ኢሳ.40-55፡ ድሕሪ ጊዜ ኢሳይያስ ብምኽንያት ምርኮ ባቢሎን እተጻሕፈ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ እግዚኣብሄር መድሓኒ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቡ ናብ ሃገሮም ከም ዚመልሶም እናገለጸ፡ ካብዚ ዝበለጸ ኸኣ ንምልእቲ ዓለም ምድሓን ከም ዘምጽእ ንርኢ። 3. ካብ ኢሳ.56-66 ዘሎ፡ ዘልኣለማዊ ኽብሪ ጽዮን ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ እቶም ክፍኣት ዚመርጹ ኸም ዚጠፍኡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በቶም ናቱ ዝኾኑ ኸም ዚሕጎስ ይዛረብ።
ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲህ ኣስፊሑ ይገልጽ፤ እቶም ጸሓፍቲ ሓ.ኪ. ንኢሳይያስ እናጠቐሱ፡ እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባኡ እተነበየሉ፡ የሱስ ምዃኑ የረጋግጹ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት ኣስፊሑ ይዛረብ፤ እቲ ዚመጽእ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ (ኢሳ.7፡14። ማቴ.1፡23)፡ መንግስቱ ዘልኣለማዊት ምዃና (ኢሳ.9፡6)፡ ካልእ ሰብ መገዱ ኸም ዘዳልወሉ (ኢሳ.40፡3-5። ማቴ.3፡3)፡ ኣብ ገሊላ ኸም ዚዓዪ (ኢሳ.9፡1-2። ማቴ.4፡11-16)፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝኾነ (ኢሳ.61፡1። ሉቃ.4፡17-19)፡ ሕሙማት ከም ዚፍውስ (ኢሳ.53፡4። ማቴ.8፡16-17)፡ ብለውሃት ከም ዚዐዪ (ኢሳ.42፡1-3። ማቴ.12፡18-21)። መሰረት እምነት ከም ዚኸውን (ኢሳ.28፡16። ሮሜ.9፡32-33)፡ ኣህዛብ ከም ዜድሕን (ኢሳ.65፡1-2። ሮሜ.10፡20)። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ﷽ባርያ እግዚኣብሄር ዚዛረበሉ ኽፍሉ፡ እቲ ብዛዕባ ﷽መሲህ ዚንበየሉ ጽሑፍ እዩ (ኢሳ.42፡1-4፤ 49፡1-7፤ 50፡4-9፤ 52፡13-53፡12)። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢሳ.53 ንሕማማት ክርስቶስ ብትንቢት ገይሩ ይገልጾ። እዚ ቓል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ተጠቒሱ ኣሎ (ሉቃ.18፡31-33። ዮሃ.12፡37-38። ግብ.8፡32-35። ሮሜ. 4፡24-25። 1ጴጥ.2፡24-25)። ከምኡ ኸኣ ኢሳይያስ ብዛዕባ ምትህልላኽ እስራኤል ምስ ኣምላኽ ብዙሕ ጊዜ ጽሒፉ ኣሎ። እዚውን ኣብ ሓ.ኪ. ተጠቒሱ ንረኽቦ (ኢሳ.1፡9 ምስ ሮሜ 9፡29። ኢሳ.6፡9-10 ምስ ማር.4፡11-12። ኢሳ.29፡13 ምስ ማቴ.15፡8-9 ኣጋጥም)።
ክፍልታት ትንቢት ኢሳይያስ፤
ሀ) ብዛዕባ የሩሳሌምን ይሁዳን (ኢሳ.1-12)።
ለ) ብዛዕባ ኣህዛብ (ኢሳ.13-23)።
ሐ) ብዛዕባ ዕላማ እግዚኣብሄርን ፍርዱን (ኢሳ.24-35)።
መ) ውድቀት ኣሶራውያን፡ ብዛዕባ ምርኮ ባቢሎን እተነግረ ትንቢት (ኢሳ.36-39)።
ኢሽ-ቦሼት፤
ወዲ ንጉስ ሳኦል። ድሕሪ ሞት ሳኦል፡ ኣብኔር እተባህለ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ንኢሽ-ቦሼት ወዲ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ኣንገሶ (2ሳሙ.2፡8-10)፡ እንተኾነ ግና ንኽልተ ዓመት ጥራይ ነገሰ። ኣብ መንጎ ኣብኔርን ኤሽ-ቦሼትን ዘይምርድዳእ ስለ እተፈጥረ፡ ኢሽ-ቦሼት ንኣብኔር ጠሊሙ ምስ ዳዊት ተሰማምዔ (2ሳሙ.3)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ክልተ ካብቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ዳዊት ንኢሽ-ቦሼት ቀተልዎ፡ ርእሱ ቖሪጾም ከኣ ናብ ዳዊት ኣብጽሕዎ፡ ዳዊት ከኣ ነቲ ርእሲ ኢሽ-ቦሼት ቀበሮ (2ሳሙ.4፡1-12)።
ኢቆንዩም፤
ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ክፍሊ ገላትያ እትርከብ ከተማ። ጳውሎስ ኣብ ኢቆንዩም ወንጌል መሃረ (ግብ.14፡1-5፤ 16፡1-5። 2ጢሞ.3፡11)። ሎሚ ኮንያ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። ካ 6 በ።
ኢታማር፤
ኢታማር እቲ ዝነኣሰ ካብቶም ደቂ ኣሮን እዩ። ምስ ኣሕዋቱ ንክህነት ተመደበ (ዘጸ.28፡1)። 1ዜና.24፡1-19 ተመልከት።
ኢትዮጵያ፤
ትርጉም እዚ ቓል እዚ፡ ጸሊም ማለት እዩ (ኤር.13፡23። ብግሪኽን ብኣተሓሳስባ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወገን ደቡብ ግብጺ ክሳዕ እቲ ጸሊም ኒልን ጻዕዳ ኒልን ዚራኸቡሉ ዝነበሩ ሃገርን መንግስትን ዚዝርጋሕ እዩ። እዚ ስም እዚ ኣብ መ.ቅ. ልዕሊ 40 ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ (ዘፍ.2፡13። ኢሳ.18፡1። ጸፎ.3፡10)።
ኢትዮጵያውያን ብዘበን ንጉስ ኣሳ ንእስራኤል ምስ ወረሩ ከም እተሳዕሩ ነንብብ (2ዜና.14፡9-15)። ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ ብጊዜ ህዝቅያስ ምስ ኣሶር ተዋግኤ (2ነገ.19፡9)። ደሓር ከኣ ኢትዮጵያ ንኣሶር ሰዓረታ (ናሆ.3፡8-10)። ነቡካድነጻር ንሰራዊት ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ውግእ ከርከሚሽ ሰዓሮም (ኤር.46፡1-10)። መንግስቲ ፋርስ ንኢትዮጵያ ይገዝእ ከም ዝነበረውን ነንብብ (ኣስ.1፡1)።
ኢትዮጵያ ብመገዲ ምሳሌ ዘይውሰን ግዝኣት እግዚኣብሄር ዚገልጽ ቃል እዩ። ﷽ኢትዮጵያ ቀልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ፡ ዚብል ትንቢት ኣሎ (መዝ.68፡31፤ 87፡4። ህዝ.30፡4-9። ኣሞ.9፡7። ጸፎ.2፡12)። ﷽ሳባ ተመልከት።
ኢዛቤል፤
ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል (1ነገ.16፡31)። ንሰብኣያ ጣኦት በዓል ከም ዜምልኽን ክፍኣት ከም ዝገብርን ደፋፍኣቶ (1ነገ.16፡32-33)። 450 ነብያት በዓል ትቕልብ ነበረት (1ነገ.18፡19)፡ ነቶም ነብያት እግዚኣብሄር ግን ተጽንቶም ነበረት (1ነገ.18፡4፥13)። ንኤልያስ ነብያት ብዓል ስለ ዝቐተለ ክትፍክረሉ ጀመረት (1ነገ.9፡1-2)፡ ንናቦት ኣቕተለት (1ነገ.21፡5-15። ብዛዕባኣ፤ ﷽ንስጋ ኢዛቤል ኣኽላባት ኺበልዕዎ እዮም፡﷽ ዚብል ትንቢት ተባሂሉ ስለ ዝነበረ፡ ብትእዛዝ የሁ ብመስኮት ምስ ኣጽደፍዋ እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ልዕሊኣ ተፈጸመ (2ነገ.9፡30-37)። ስማ ኸኣ ምሳሌ ርኽሰትን ምምላኽ ጣኦትን ኮይኑ ተረፈ (ራእ.2፡20-23)።
ኢድ፤
እዚ ቓል እዚ ዚበዝሕ ጊዜ ሓይልን (ዘፍ.9፡2፥5። ሉቃ.1፡66)፡ ልግስን (ዘዳ.15፡8) የመልከት። የማነይቲ ኢድ ካብ ጸጋመይቲ ኢድ ከም እትበልጽ ትቑጸር (ዘፍ.48፡13-19)። ኢድ ከም መልሓስ ክእለት ዘረባ ኽትገልጽ ትኽእል እያ (ሃጌ.1፡1። ግብ.26፡1)። ብዙሓት ሊቃውንቲ ንክርስቶስ ብምሳሌ ኢድ ከም ዚግለጽ ይትርጉሙ (መዝ.144፡7)።
ምንባር ኢድ፤
እዚ ስርዓት እዚ ብዙሕ ነገራት የመልክት (እብ.6፡1-2)። እቲ ቐንዲ ተግባሩ ግና፡ በረኸት ምሃብ (ዘፍ.48፡13-19)፡ በደል ናብ ካልእ ምምሕልላፍ (ዘጸ.29፡10፥ 15፥ 19)፡ ስልጣን ምሃብ (ዘዳ.34፡9)፡ ሰብ ንፍሉይ ዕዮ ምምዳብ እዩ (ግብ.6፡6፤ 13፡3)። ብምንባር ኢድ ሕሙማት ይሓውዩ (ማር.6፡5፤ 16፡18። ግብ.28፡8)፡ መንፈሳዊ ህያባት ከኣ የመሓላልፉ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (1ጢሞ.4፡14)።
ኢጡርያ፤
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ ዝነበረት ቦታ። ኣብኣ ካብ የጡር ወዲ እስማኤል እተወልዱ ወገን ይነብሩ ነበሩ ዘፍ.25፡15)። ፊልጶስ ኣብ ኢጡርያ ይገዝእ ነበረ (ሉቃ.3፡1)። እዛ ቦታ እዚኣ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሶርያ ትርከብ።
ኢጣልያ፤
ርእሲ ኸተማኣ ሮማ ዝኾነት ኣብ ሰሜን ዓቢ ባሕሪ እትርከብ ዓባይ ሃገር። ኢጣልያ ሃገር ኣኪላስን ጵርስኪላን እያ (ግብ.18፡2)። ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባኝ ምእንቲ ኺብል ናብ ኢጣልያ ኸደ (ግብ.27፡1፥6)፡ ኣብኣ ከኣ ሰለስተ ዓመት ተሓበሰ (ግብ.28፡16-31)። ኣብ ኢጣልያ ቤ.ክ. ከም እተመስረተት ነንብብ (እብ.13፡24)። ካ 7 ሀ።