![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ኡሪምን ቱሚምን፤
ኣብ ውሽጢ ሳንቃ ኣፍ ልቢ እቲ ሊቀ ኻህናት ዚኽደኖ ኤፎድ ዚኣቱ ኽልተ ነገራት (ዘጸ.28፡30። ዘዳ.33፡8)። ኡሪምን ቱሚምን ብምንታይ ከም እተሰርሑን ወይ ከኣ ከመይ ዝበሉ ከም ዝኾኑን ግሉጽ ኣይኮነን። ብኡሪምን ቱሚምን ጌርካ ፍቓድ ይሕተት ነበረ (ዘሁ.27፡21። እዝ.2፡63)። ዳዊት ብኡሪም (ብኤፎድ) ገይሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ሓተተ መልሲ ረኸበ (1ሳሙ.23፡6-12)፡ ሳኦል ግና ምስ ሓተተ መልሲ ኣይረኸበን (1ሳሙ.28፡6)።
ኡሪምን ቱሚምን ዝሓዘ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኤፎድ
ኡር፤
ኣብ ሃገር ከለዳውያን እትርከብ ኣብርሃም ዚቕመጠላ ዝነበረት ከተማ (ዘፍ.11፡28፤ 15፡7)። ካ 1 ረ።
ናይ ኡር መቕደስ ጣኦት
ኡጽ፤
ሃገር እዮብ (እዮ.1፡1)። እዛ ሃገር እዚኣ ኣበይ ከም ዝነበረት ንምርግጋጽ ኣሸጋሪ እዩ። ነቲ ዛንታ ብምምልካት ግና ኣብ ዙርያ ኤዶም ዝነበረት ሃገር ትመስል። ብኻልእ ወገን ከኣ ወዲ ሓው ኣብርሃም፡ ኡጽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ስለ ዝነበረ ኣብ ዙርያ ኡር ከም ዝነበረት ይግመት (ዘፍ.22፡21። ደጉ.4፡21)።