![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ፍልስጥኤም፡ ፍልስጥኤማውያን | ፍልስፍና | ፍልጠት | ፍልጠት (ግኖስቲክ) | ፍሒራ | ፍራሽ | ፍርሃት | ፍርዲ | መንበር ፍርዲ | መዓልቲ ፍርዲ | ፍርግያ | ፍቕሪ | ናይ ፍቕሪ መኣዲ | ፍትዊ | ፍዮ | ፍጥረት | መጀመርታ ፍጥረት | ፍጹም
ፍልስጥኤም፡ ፍልስጥኤማውያን፤
ካብ ነገድ ካም፡ ካብ ካፍቶር እተወልዱ ኣብ ደቡብ ከነኣን ኣብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚርከብ ጎልጎል ዝነበሩ ህዝቢ (ዘፍ.10፡14። ኣሞ.9፡7)። ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም። ንሳተን ከኣ፤ ጋዛ፡ ኣሽዶድ፡ ኣስቀሎን፡ ጋት፡ ዔቅሮንን እየን (እያ.13፡3። 1ሳሙ.6፡17)። ካ 3ቀ 3ሰ።
ኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣማልኽቲ ከነኣናውያን ተደባሊቖም፡ -ዳጎን፡ ኣስታርቴ፡ ብኤል-ዜቡል ተባህሉ። ኣብርሃም ምስ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤም ኪዳን ተኣታተወ (ዘፍ.21፡22-34)፡ ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሮም ከኣ ፍልስጥኤማውያን እናበዝሑን ብውግእ እናበርትዑን ከዱ። ፍሉጣት ህዝቢ ካብ ምዃኖም እተላዕለ ኸኣ፡ እቲ ዚቕመጢሉ ዝነበሩ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምልእቲ ከነኣን ሃገር ፍልስጥኤም (ፓለስታይን) ተባህለት። ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለው፡ ንፍስጥኤማውያን ፈሪሆም ምእንቲ ናብ ግብጺ ኸይምለሱ፡ ተጠዋውዮም ናብ ሃገሮም ኣተው (ዘጸ.13፡17)። ፍልስጥኤማውያን ብዘበን መሳፍንቲ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ ታቦት ኣምላኽ ማረኹ፡ ደሓር ግና ንሳኦልን ዮናታንን ቀተሉ። ፍልስጥኤማውያን ዕዮ ሓጺን ዚፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ንእስራኤላውያን ናይ ምስራሕ ማሕረሻ ግብሪ የኽፍልዎም ነበሩ (1ሳሙ.13፡19-21)።
እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር በብዝሰዓቡሉ ጊዜ ግና፡ ኣምላኽ ዜድሕንዎም ሰባት ኣተንስኣሎም። ካብኣቶም ከኣ፤ ሸምጋርብ (መሳ.3፡31)፡ ሳምሶንን (መሳ.13፡16)፡ ሳሙኤልን (1ሳሙ.7፡1-14) እቶም ኣዝዮም እተፈልጡ እዮም። ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ቀተሎ፡ ብዘበን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም በርትዔ (1ሳሙ.17። 2ሳሙ.19፡9-10፤ 21፡15-22)። ድሕሪኡ ኸኣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጸጸኒሖም እናተላዕሉ ንእስራኤል ኣሸገርዎም (2ዜና.21፡16። ኢሳ.9፡8-12። ዘካ.9፡6)።
ወተሃደራት ፍልስጥኤም
(ካብ ሓደ ናይ ግብጺ ስእሊ)
ፍልስፍና፤
ጃምላዊ ጥበብን ፍልጠትን። ﷽ፊሎሶፍያ ዚብል ቃል ግሪኽ፡ ፍልጠት ምፍታው ማለት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ሓሶትን ካብቲ ናብ ክሕደት ክርስቶስ ዚመርሕ ፍልስፍናን ክንጥንቀቕ ጽሒፉልና ኣሎ (ቆሎ.2፡8)። ﷽ኤጲቁሬዎስ ﷽ኣስጣይኮስ ﷽ፍልጠት (ግኖስቲክ) ተመልከት።
ፍልጠት፤
ኩሉ ፍልጠት ካብ እግዚኣብሄር እዩ (መዝ.94፡10። ዳን.1፡17። 2ዜና.1፡10፥12። 1ቆረ.1፡4-6)። እቲ ህይወት ዚህብ ፍልጠት፡ ንክርስቶስ ምፍላጥ እዩ (ዮሃ.17፡፥። ፊል.3፡8-9። ቆሎ.2፡2-3። 1ጢሞ.2፡3-6)። ኣብቲ ዘበን መወዳእታ፡ ኣብ ዓለም ፍልጠት ኪበዝሕ እዩ (ዳን.12፡4)። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ (1ቆረ.8፡1-3)። ፍልጠት ሓደ ኻብቲ ህያባት መንፈስ ቅዱስ እዩ (1ቆረ.12፡8)። ﷽ኦም ህይወት ተመልከት።
ፍልጠት (ግኖስቲክ)፤
እዚ ቓል እዚ ካብቲ ፍልጠት ተባሂሉ ዚትርጎም ቃል ግሪኽ እተረኽበ እዩ። ኣብቲ ናይ ግሪኽ ዓለም፡ ብዙሓት ሰባት፡ ምድሓንሲ ፍልጠት ካብ ምርካብ እዩ ዚርከብ፡ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ እቲ ናይ ግኖስቲክ ኣተሓሳስባ ብበበዓይነቱ መገዲ ናብ ቤተ ክርስትያን ኪኣቱ ስለ ዝጀመረ፡ ሃዋርያት ተቓወምዎ።
እቲ ናይ ግኖስቲክ ሓሳብ ብዙሕን እተፈላለየን ሓሳብ ነበረ። ገለ ኻብቲ ቐንዲ ትምህርቶም ከኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፤ (ሃዋርያት ነዚ ናይ ግኖስቲክ ትምህርቲ እተቓወሙሉ ኣንቀጻት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ትምህርቲ ግኖስቲካውያን ተመልኪቱ ኣሎ)።
ፍሒራ፤
ኣንጭዋ ዚመስል እንስሳ በረኻ (ኢሳ.2፡20)።
ፍራሽ፤
ኣብ ዙርያኡ ዘፈር ዘለዎ ጽቡቕ ክዳን ዓራት፡ ምንጻፍ ዓራት (ምሳ.7፡16)።
ፍርዲ፤
እቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይ ፍርዲ ንሓቂ ኻብ ሓሶት ምፍላይ እዩ (ዘዳ.25፡1)። መጽሓፍ ቅዱስ ንፍርዲ ብሓሙሽተ መገዲ ገይሩ ይገልጾ፤
መንበር ፍርዲ፤
ንጉስ ወይ ገዛኢ ወይ ከኣ ዳኛ፡ ፍርዲ ኺህብ ከሎ ዚቕመጠሉ ኮፍ መበሊ (ማቴ.27፡29)። ኩላቶም ኣመንቲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ኪብሉ እዮም (ሮሜ.14፡10። 2ቆረ.5፡10)።
መዓልቲ ፍርዲ፤
ኣብ መወዳእታ ዓለም እግዚኣብሄር ንሰባት ኪፈርዶም እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ መኣስ ከም ዝኾነት ኣይተገልጸትን። እግዚኣብሄር ግና መዲብዋ ኣሎ (ማቴ.24፡26። ግብ.17፡30-31)።
ፍርግያ፤
ኣብ ወገን ምዕራባዊ-ደቡብ ንእሽቶ እስያ ዚርከብ ክፍሊ ሃገር። ፍርግያ ብ 133 ቅ.ል.ክ. ግዝኣት ሮሜ ኮነ። ጳውሎስ ኣብታ ኻልአይትን ሳልሰኡትን ናይ ስብከት ወንጌል መገሻኡ ኣብ ፍርግያ ወንጌል ሰበኸ (ግብ.16፡6፤ 18፡23)። እዚ ኽፍሊ ሃገር እዚ፡ ሎሚ ኽፍሊ ሃገር ቱርኪ ኾይኑ ኣሎ። ካ 6 ቀ።
ፍቕሪ፤
ፍቕሪ ባህርይ እግዚኣብሄር እያ (1ዮሃ.4፡8፥16)። ፍቕሪ ካብ ኩሉ ትዓቢ (1ቆረ.13፡13)። ፍቕሪ እንታይ እያ? ምስ እንብል፡ ፍሬኣ ኣብ ተግባራ ጥራይ ኢና እንፈልጦ (1ቆረ.13፡4-7)። ፍቕሪ መሰረት ሃይማኖት ክርስትና እያ። ሰብ ምስ ሰብ ወይ ከኣ ሰብ ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሓብር ፍቕሪ ተድሊ (ማቴ.22፡37-39። ማር.12፡28-31። ዮሃ.13፡34-35)። እግዚኣብሄር ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ኣፍቀሮ (ዮሃ.17፡24)። ንነፍስ ወከፍና ዜፍቅረና ስለ ዝኾነ ከኣ ብሞት ክርስቶስን ትንሳኤኡን ገይሩ ምድሓን ሃበና (ሮሜ.5፡8-10። ዮሃ.13፡1። 1ዮሃ.4፡9-10)። ነቶም ኣመንቲ ክርስቶስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ኪፈልዮም ዚኽእል ዝኾነ ይኹን ነገር የልቦን (ሮሜ.8፡31-39)። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ የፍስስ (ሮሜ.5፡5። ገላ.5፡22)። እቶም ኣመንቲ፡ ፍቕሪ ኪለብሱ ይግብኦም (ማቴ.5፡43-48። ቆሎ.3፡14)። ፍቕሪ ኣመንቲ ብምሕላው ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ ዚግለጽ (ዮሃ.14፡15። 1ዮሃ.3፡22-23)። እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ይጸንዑ (ዮሃ.15፡9-10)።
ናይ ፍቕሪ መኣዲ፤
ፍቕሪ ንምድልዳል፡ ሓቢርካ ምብላዕ እተለምደ እዩ። እቶም ኣመንቲ ካብ መጀመርታ ጀሚሮም ብሓባር ይበልዑ ነበሩ። እዚ ኸኣ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ተባህለ። እዚ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ዚበዝሕ ጊዜ ምስ ድራር ጎይታ እተኣሳሰረ ኸም ዝነበረ ንዝክር። እንተኾነ ግና በብዓይነቱ ዘይግባእ ነገራት ኪፍጸም ስለ ዝጀመረ፡ እቲ ድራር ጎይታ በይኑ ኺዝውተር ጀመረ (ግብ.2፡46። 1ቆረ.11፡17-34። 2ጴጥ.2፡13። ይሁ.12)።
ፍትዊ፤
ጽቡቕ፡ ስሙር፡ ቅቡል። ቅቡል መስዋእቲ ንምግላጽ እተዘውተረ ቓል (ዘሌ.1፡3-4)።
ፍዮ፤
ብመሬት፡ ብኣስራዚ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዚስራሕ ጀበና ዚመስል ኣቕሓ። ኣብ መ.ቅ. ፍዮ ምሳሌ ህይወት ሰብ ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (መክ.12፡6)።
ፍጥረት፤
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ነቲ ዚርኤ ካብ ዘይርኤ ብቓሉ ፈጠረ (ዘፍ.1፡1። እብ.11፡3)። ነዚ ኸኣ ኺገብሮ ስለ ዝፈተወ ፈጠሮ እምበር፡ ንርእሱ ስለ ዘድለዮ ኣይፈጠሮን (ግብ.17፡25)። ኣቦን (ኢሳ.44፡24) ወድን (ዮሃ.1፡1-3) መንፈስ ቅዱስን (ዘፍ.1፡2) ኣብቲ ተግባር ፍጥረት ብሓደ ኾይኖም ፈጠሩ። ዓለም ከኣ ካብቲ እተፈጥረትሉ ጊዜ ጀሚራ ብሓይሊ ኣምላኽ ቆይማ ኣላ (ግብ.17፡25። ቆሎ.1፡17)። ዓለም ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግለጽ ተፈጥረት (መዝ.19። ሮሜ.1፡20-21። ራእ.4፡11)። ካብ ዘፍ.1፡1-2፡3 ነዚ ዚስዕብ ንምልከት፤
መጀመርታ ፍጥረት፤
የሱስ፡ ﷽መጀመርታ ፍጥረት ተባሂሉ ተሰምዩ ኣሎ (ራእ.3፡14)። ገሊኦም ሰባት ከኣ ነዚ መሰረት ገይሮም፤ ﷽እምበኣር ፍጥረት እዩ፡ ይብሉ። እዚ ግና ጌጋን ዘይምርዳእን እዩ። ፍጥረት ንምጅማር ﷽መጀመርታ ኾነ እምበር፡ ባዕሉ ሓደ ኻብ ፍጥረት ኣይኮነን። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዚብሎ፤ ﷽ብእኡ ኹሉ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን፡ (ዮሃ.1፡3)። ቃል (ወዲ) ናይ ፍጥረትን ናይ ህይወትን ምንጪ ወይ መበገሲ ስለ ዝኾነ፡ እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ፡ ዕዮኡ በቲ ምንጪ ኹሉ ፍጥረት ዝኾነ ወዱ ጀመረን ፈጸመን (ቆሎ.1፡15-16)። ﷽በኹሪ ﷽ወዲ (ወልድ) ﷽የሱስ ተመልከት።
ፍጹም፤
እዚ ቓል እዚ ኸምቲ ኣቀራርባኡ በብዓይነቱ ትርጉም ኣለዎ። ምሉእ፡ ጉድለት ዘይብሉ፡ ዝበሰለ፡ ዝዓበየ፡ ብቑዕ፡ ንዚብል ሓሳብ በዚ ቓል እዚ ኽንገልጾ ንኽእል (ያእ.1፡4)።