![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ፊላደልፍያ | ፈልሞን | መልእኽቲ ናብ ፊልሞን | ፊልጲ | መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊልጲ | ፊልጶስ | ሃዋርያ ፊልጶስ | ወንጌላዊ ፊልጶስ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ፊላደልፍያ፤
ቀደም ዘበን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበረት ከተማ። ፊላደልፍያ ሓደ ንጉስ ንመዘከርታ ፍቕሪ-ሓው ኢሉ ዝሰርሓ ኸተማ እያ። ፊላደልፍያ ﷽ፍቕሪ ኣሕዋት ማለት እዩ። እታ ኸተማ ብ 17 ዓ.ም. ብምኽንያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዝዓነወት ከም ብሓድሽ ተሰርሔት። ማሕበር ፊላደልፍያ በቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረሉ ጊዜ ከም እተመስረተት ይመስል (ግብ.19፡10። ራእ.1፡11፤ 3፡7-13)። እዛ ኸተማ እዚኣ ሎሚ ኣላሳሕር ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። ካ 7 ሰ።
ፊልሞን፤
ፊልሞን ኣብ ቆሎሴ ዝነበረ፡ ቃል ወንጌል ከኣ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰምዔ ሰብ ነበረ። ቤት ፊልሞን ስፍራ ኣኼባ ክርስትያናት ኮይና ነበረት (ፊሞ.2)። ፊልሞን፡ ሓደ ኦነሲሞስ እተባህለ ባርያ ነበሮ፡ ጳውሎስ ከኣ ንኦነሲሞስ ምስ ፊልሞን ኪዓርቆ ኢሉ ንፊልሞን ሓንቲ መልእኽቲ ጸሓፈሉ።
መልእኽቲ ናብ ፊልሞን፤
ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ኦነሲሞስ እተባህለ ባርያ ካብ ጎይታኡ ኣምሊጡ ናብ ሮሜ ምስ ሃደመ ምስ ጳውሎስ ተራኸበ እሞ፡ ቃል ወንጌል ሰሚዑ ብክርስቶስ ኣመነ። ኦነሲሞስ ብኣገልግሎቱ ንጳውሎስ ጠቒምዎ ነበረ፡ እቲ ሃዋርያ ግና ናብ ጎይታኡ ኪምለስ ይግባእ ብማለት ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ፊልሞን ጽሒፉ ምስ ኦነሲሞስ ለኣኻ። ፊልሞን ብጸዓት ጳውሎስ ናብ ክርስትና ዝኣተወ ይመስል፡ እቲ ሃዋርያ ኸኣ ነዚ ነገር እዚ እናኣዘኻኸረ ብዛዕባ ኦነሲሞስ ኣጸቢቑ ይልምኖ። ኦነሲሞስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ በቲ እታ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሎሴ እተላእከት ጊዜ ሒዝዋ ስለ እተመልሶ (ቆሎ.4፡8-9)፡ መልእኽቲ ፊልሞን ብ 62 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል።
ፊልጲ፤
ፊልጲ ኣብ ኣውራጃ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ሃገር ግሪኽ እያ። ኣብቲ ካብ ሮሜ ተላዒሉ ናብ ሃገራት ምብራቕ ዚወስድ ዓቢ ጎደና ኸኣ ተመስረተት። እዛ ኸተማ፡ ፊልጶስ ንጉስ መቄዶንያ ኣቦ እስክንድር እቲ ዓቢ ስለ ዝሓዛን፡ ብ 358 ቅ.ል.ክ. ከም ብሓድሽ ስለ ዝነደቓን፡ ብስሙ ﷽ፊልጲ ተባሂላ ተሰምየት። ብ 168 ቅ.ል.ክ. ሮማውያን ንግሪኻውያን ምስ ሰዓርዎም ከኣ፡ ናይታ ሃጸያዊት መንግስቲ ሮሜ ኸተማ ኾነት። ድሕሪኡ ኸኣ ﷽ናይ ግዝኣት ሃገር ተባህለት እሞ፡ ተቐመጥታ ናይ ሮሜ ዜግነት ተዋህቡ። በቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ካልኣይ መገሻ ስብከቱ ኸኣ ወንጌል ናብ ፊልጲ ኣተወ። ካብተን ወንጌል እተቐበላ ኸተማታት ኣውሮጳ፡ እታ ቐዳመይቲ ኸተማ፡ ፊልጲ እያ (ግብ.16፡9-12)። ካብቶም ቀዳሞት ኣባላት ማሕበር ክርስትያናት ናይ ፊልጲ፡ ልድያ እተባህለት ሸያጢት ሃርን፡ ሓደ ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ንዝክር (ግብ.16፡14-33)። ካ 6 ሸ።
መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊልጲ፤
ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ከሎ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ንዝክር (ፊል.1፡7፥13)። ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸም ዝነበረ ዚግምቱ ስለ ዝኾኑ ኸኣ፡ እታ መልእኽቲ ብ 63 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል። ገሊኦም ሊቃውንቲ ግና፤ ﷽ኣብ ኤፌሶን እዩ ተኣሲሩ ዝነበረ፡ ዚብሉ ኣለው። ጳውሎስ ብዙሕ ጊዜ ስለ እተኣስረ፡ ከምኡውን ኪኸውን ይኽእል እዩ (2ቆረ.11፡23)። ዝኾነ ኾይኑ ግና ኣብ ኤፌሶን ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፋ እንተኾነት ብ 54 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ምኽንያት መጽሓፊ እዛ መልእኽቲ ዝኾነ ጉዳይ ከኣ፡ ኤጳፍሮዲጦስ ካብ ማሕበር ፊልጲ ንጳውሎስ ህያብ ስለ ዘምጽኣሉ (ፊል.4፡14-20) ምስጋና ኺህብ ስለ ዝደለየ እዩ።
ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ማሕበር ፊልጲን ፍሉይ ስምምዕን ፍቕርን ስለ ዝነበረ፡ እታ መልእኽቲ ብፍቕርን ሓጎስን እተመልኤት ኮይና ንረኽባ። ኤጳፍሮዲጦስ ግና ናብ ጳውሎስ ምስ ከደ ስለ ዝሓመመ እሞ፡ እቶም ኣመንቲ ስለ እተጨነቑ፡ ጳውሎስውን እንተ ተመልሰ ይሓይሽ ኢሉ ነታ መልእኽቲ ምስኡ ኣማሊኡ ይሰዶ (ፊል.2፡25-30)። ኤጳፍሮዲጦስ ንጳውሎስ ኣብ ማሕበር ፊልጲ ዘይምስምማዕ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ስለ ዝነገሮ፡ እቲ ሃዋርያ ብሓንቲ ልብን ብሓደ ሓሳብን ኪሰማምዑ ይልምኖም (ፊል.1፡27፤ 2፡1-13፤ 4፡2)።
ክፍልታት መልእኽቲ ፊልጲ፤
ፊልጶስ፤
ናይ ኢጡርያን ጥራኮኒቲስን ገዛኢ። ﷽ሄሮድስ ተመልከት።
ፊልጶስ፤
ሓው ሄሮድስ፡ ሰብኣይ ሄሮድያዳ። ﷽ሄሮድስ ተመልከት።
ሃዋርያ ፊልጶስ፤
ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት (ማቴ.10፡3)። ፊልጶስ ከም እንድርያስን ጴጥሮስን ብዓል ቤት-ሳይዳ ነበረ። የሱስ ንፊልጶስ ምስ ረኸቦ፡ ፊልጶስ ከኣ ንናትናኤል ናብ የሱስ ኣምጽኦ (ዮሃ.1፡43-47)። ፊልጶስ ሓይሊ የሱስ ስለ ዘይተረድኤ፡ ምስ ተፈተነ ኣጽጋቢ መልሲ ኣይሃበን (ዮሃ.6፡5-7)። ምስ እንድርያስ ኮይኑ ጽርኣውያን ናብ የሱስ ኣቕረበ (ዮሃ.12፡20-22)። ፊልጶስ ዕዮ የሱስ ስለ ዘይተረድኤ፡ ኣቦ ኸርእዮም ንየሱስ ለመነ (ዮሃ.14፡8-11)፡ ደሓር ግና ምስቶም ካልኦት ሃዋርያት ኮይኑ ናይ ትንሳኤ የሱስ ምስክር ኮነ (ግብ.1፡13፤ 2፡14)።
ወንጌላዊ ፊልጶስ፤
ሓደ ኻብቶም ኣብ ማሕበር የሩሳሌም እተሾሙ ሾብዓተ ኣገልገልቲ (ግብ.6፡3-7)። ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ፡ ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ወሪዱ ስለ ዝመሃረ ብዙሓት ብስብከቱ ኣመኑ። በቲ ጊዜ እቲ መንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ምስ መርሖ፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ እተጻሕፈ ትንቢት ኢሳይያስ ዚምርምር ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ረኸበ እሞ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሉ (ግብ.8)። ኣብ መወዳእታ፡ ምስተን ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ኣብ ቂሳርያ ይቕመጥ ነበረ (ግብ.21፡8-9)።
ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ፤
ኣብ ሰሜን እታ ቅድስቲ ሃገር ኣብ ወገን ደቡብ ከረን ሄርሞን እትርከብ ከተማ። ምንጪ ርባ ዮርዳኖስ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ነበረ። ካብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበረት ቂሳርያ እተባህለት ርእሲ ኸተማ እተፈልየት ካልእ ቂሳርያ ከም ዝኾነት ንምሕባር፡ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ተባህለት። ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ብፊልጶስ ተሰርሔት። ﷽ሄሮድስ 6 ተመልከት። ኣብ ጥቓ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ፡ የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንነቱ ከም ዝሓተቶም ንዝክር (ማር.8፡27-28)። ካ 5 ሐ።
ፊሎሶፋት (ፍላስፋታት)፤
﷽ፍልስፍና ተመልከት።
ፊንሃስ፤
1. ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ወዱ ንኣሮን (ዘጸ.6፡25። 1ዜና.6፡4፥50። እዝ.7፡5፤ 8፡2)። ፊንሃስ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝቐንኤ፡ ዚምሪ ንእተባህለ እስራኤላውያን ኩዝቢ ንእተባህለት ሚድያናዊትን ብምቕታል ቅጽዓት ኣምላኽ ካብ ህዝቡ ደው ከም ዚብል ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ሰላም ክዳን ሃቦ (ዘሁ.25። መዝ.106፡28-31)። ሙሴ ኸኣ ኣቕሑ መቕደስ ሂቡ ናብ ውግእ ሰደዶ (ዘሁ.31፡6)። መራሒ እቶም ብዛዕባ እቲ ነገዳት ሮቤልን ጋድን ምናሴን ዚሰርሕዎ መሰውኢ ኪሓቱ እተላእኩ ልኡኻት ኮይኑ ተላእከ (እያ.22፡13፥30፥32)። ንኣቦኡ ምስ ቀበረ (እያ.24፡33)፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሓለቓ ካህናት ኮነ (መሳ.20፡27-28። 1ዜና.9፡20)።
2. እዚ ፊንሃስ እዚ ኻብቶም ክልተ ኽፉኣት ደቂ ኤሊ፡ እቲ ንእሽቶ እዩ (1ሳሙ.1፡3፤ 2፡12-17፥29)። ምስ ሓው ኾይኑ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ውግእ ወሰደ፡ ክልቲኦም ከኣ ኣብ ዓውዲ ውግእ ሞቱ፡ ሰበይቱ ኸኣ ብስምባድ እተላዕለ ውልድ ምስ ኣበለት ሞተት (1ሳሙ.2፡34፤ 4)። ብዘበን ሳኦል ከኣ ወዲ ወዱ ንፊንሃስ ካህን ከም ዝነበረ ንርኢ (1ሳሙ.14፡3)።
ፊንቄ፤
ኣብ ሰሜን ገሊላ ዚርከብ 200 ኪ.ሜ. ዚኣክል ዝምንውሑ ኣብ ገምገም ዓቢ ባሕሪ ዚርከብ ሃገር። እተን ቀንዲ ኸተማታት ፊንቄ ብንግድን ብስነ ጥበብን ብስነ ጽሑፍን እተፈልጣ፡ ከተማታት ጢሮስን ሲዶናን እየን። ክርስቶስ ንሓንቲ ካብ ፊንቄ ዝመጸት ሰበይቲ ጓላ ኣሕወየላ (ማር.7፡24-30)። ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ስብከት መገሻኡ ፊንቄ በዚሑ ከም ዝነበረ ነንብብ (ግብ.15፡3)።
ንጉስ ጢሮስ ኣብ ዙፋኑ ኾፍ ኢሉ ኸሎ ብ 1000 ቅ.ል.ክ. ኣብ ናይ እምኒ ሳጽን ሬሳ ካብ እተቐርጸ ስእሊ እተሳእለ።
ፊዴል፤
ቛንቋ ዚገልጽ ጽሑፍ። ﷽እብራይስጢ ﷽ግሪኽ ተመልከት። ንሕጊ ከም ፊዴሉ ምትርጓም ማለት፡ ነቲ መንፈስን ስምዒትን ምኽንያትን ናይቲ ሕጊ ከየስተውዓልካ ነቲ ሕጊ ከም ቃሉ ጥራይ ምስዓቡ ማለት እዩ (ሮሜ.7፡6። 2ቆረ.3፡6)።
ሓደ ግሪኻዊ ተምሃራይ ፊዴል ኸጽንዕ ከሎ። ብ 440 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ኣብ ናይ መሬት ኣቕሓ ካብ እተሳእለ ስእሊ እተቐድሔ።