![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ፌሊክስ፤
ካብ 52-60 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ይሁዳ ገዛኢ። ፌሊክስ ቅኑዕ ፍርዲ ዘይፈርድ ጉቦ ዚቕበል ሰብ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ተኸሲሱ ቀረበ (ግብ.23፡24፤ 24፡27)።
ፌራ፤
መዓት፡ መቕጻዕቲ። እዚ ቓል እዚ ብዙሕ ጊዜ ተላጋቢ ሕማም ይገልጽ (ዘጸ.5፡3። 2ሳሙ.24፡13-15። ኤር.14፡12። ህዝ.6፡11-12። ማቴ.24፡7)፡ ﷽ሕማማት ተመልከት።
ፌስጦስ፤
ድሕሪ ፌሊክስ ክሳዕ 62 ዓ.ም.፡ ክሳዕ እታ ዝሞተላ ዓመት፡ ገዛኢ ናይ ይሁዳ ዝነበረ ሰብ። ፌስጦስ ካብ ፌሊክስ ዝሓሸ ገዛኢ ነበረ፡ እንተኾነ ግና ጳውሎስ ንጹህ ምዃኑ እናፈለጠ ንኣይሁድ ባህ ምእንቲ ኼብል ኢሉ ንፍርዲ ናብ የሩሳሌም ኪሰዶ ሓሰበ። ጳውሎስ ግና ናብ ቄሳር ይግባኝ በለ። ፌስጦስ ንንጉስ ኣግሪጳን ንበርኒቄን ባህ ምእንቲ ኺበል ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረቦ (ግብ.24፡27፤ 25፡1-26፥32)።