![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ጊሆን፤
ጊልቦዓ፤
እዚ ስም እዚ ምናልባሽ፡ ﷽ብርቱዕ ዓይኒ ማይ፡ ማለት እዩ። ኣብ መሬት ይሳኮር ዚርከብ ከበሳ። ሳኦልን ዮንታንን ኣብ ጊልቦዓ ኸም እተቐትሉ ነንብብ (1ሳሙ.31። 2ሳሙ.1፡21)።
ጊልዓድ፤
ወድ-ወዱ ንምናሴ። ካብ ጊልዓድ ጊልዓዳውያን ተወልዱ፡ እታ ሃገሮም ከኣ ጊልዓድ ተባህለት (ዘሁ.26፡30)። ከም ኣቦ ይፍታሄር፡ ጊልዓድ ተባሂሎም ዚጽውዑ ኻልኦት ሰባትውን ኣለው (መሳ.11፡1-3)።
ጊልጋል፤
ኣብ መንጎ ያሪኮን ዮርዳኖስን ዚርከብ ቦታ። ጊልጋል፡ ﷽ምንክርራው ማለት እዩ (እያ.5፡9)። ደቂ እስራኤል ርባ ዮርዳኖስ ምስ ሰገሩ መጀመርታ ኣብ ጊልጋል ሰፈረ፡ ኣብኡ ኸኣ ድንኳን መሕደሪ ተኸሉ (እያ.4፡19-20)። ንሳኦል ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ (1ሳሙ.11፡15)፡ ሳሙኤል ኣብ ጊልጋል ንሳኦል ወቐሶ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ከኣ ኣብ ጊልጋል ቀተሎ (1ሳሙ.15፡10-35)። ብጀካ እዚ ኻልእ ጊልጋል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቦታውን ኣሎ (ዘዳ.11፡30። እያ.12፡23)። ካ 3 ሸ።
ጊሔ፤
ኣብ መንጎ ኣኻውሕን ኣብ በዓትን እትነብር፡ ኣንጭዋ እትመስል ክንዲ ድሙ ኣቢላ እትኸውን፡ ሓጺር ጭራን ሓጺን እዝንን ዘለዋ እንስሳ። ቀለባ ሳዕሪ እዩ (ዘሌ.11፡5። መዝ.104፡18። ምሳ.30፡26)።
ጊሔ
ጊርገሳውያን፤
ካብ ከነኣን እተወልዱ ዓሌት (ዘፍ.10፡16)። እያሱ ንጊርገሳውያን ከም ዝሰዓሮም ነንብብ (እያ.24፡11)።
ጊብዓ፤
እዚ ስም እዚ፡ ﷽ኩርባ ማለት እዩ። 1. ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ከተማ። ሎሚ እቲ ልክዕ ቦታኡ ንምውሳን ኣይከኣልን እዩ (እያ.15፡57)። 2. ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ሰሜን 5 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ዝነበረት ናይ ሃገር ብንያም ከተማ። ሰብ ጊብዓ ዘነውር ተግባር ስለ ዝገበሩ፡ እስራኤላውያን ንነገድ ብንያም ኬጥፍኡ ኸም ዝዓጠቑ ነንብብ። ካብቶም ነገድ ብንያም ከኣ 600 ሰባት ጥራይ ኣምለጡ (መሳ.19፡11-20፥ 48)። ንጉስ ሳኦል ግና ብዓል ጊብዓ ስለ ዝነበረ፡ ንጊብዓ ርእሲ ኸተማኡ ገበራ (1ሳሙ.10፡26፤ 22፡6)። ብዘበን ብ.ኪ. ጊብዓ እተዓረደት ከተማ ነበረት፡ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ግና ባደመት።
ጊብዖን፤
ብዘበን እያሱ ዝነበረት ከተማ ሃዋውያን (እያ.9፡7)። ሰብ ጊብዖን ንእስራኤል ጠቢሮም ምስኣታቶም ኪዳን ኣተው (እሮኣ.9፡1-27)። ሳኦል ሰብ ጊብዖን ቀተለ (2ሳሙ.21፡1-9)። ጀጋኑ ዳዊትን ኣብኔርን ኣብ ጥቓ ቐላይ ጊብዖን ውድድር ቃልሶ ውግእ ገበሩ (2ሳሙ.2፡12-17)። ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ጊብዖን መስዋእቲ ኣቕረበ (1ነገ.3፡4-15)። ካ 3 ሰ።
ጊዜ፤
ጊዜ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ይቑጸር (ዘፍ.1፡1)። ዓመት ከኣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ይቑጸር (ዘፍ.5፡1-5)። ብዛዕባ ኣቆጻጽራ ጊዜን ዓመትን ግና ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ እተፈላለየ ሓሳብ ኣሎ። እግዚኣብሄር ከም ሰብ ብጊዜ ዚውሰን ኣይኮነን (2ጴጥ.3፡8)። ስጋ ለቢሱ ሰብ ኪኸውን ስለ ዝፈተወ ግና ጊዜ ተቖጽረሉ (ገላ.4፡4)። ነዚ ብምግባር ኸኣ ናይ ምድሓን ጊዜ ጀመረልና (ማር.1፡15-16)። የሱስ ክሳዕ ዚምለስ ከኣ ጊዜ ምድሓን እዩ (2ቆረ.6፡2)። ﷽ሰዓት ﷽መዓልቲ ﷽ዓመት ተመልከት።
ጊዴዎን፤
ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ እስራኤል። ዛንታ ጊዴዎን ኣብ መሳ.6፡1-9፡6 ተጻሒፉ ይርከብ። ጊዴዎን ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኬድሕኖም ተጸውዔ (መሳ.11-24)። መሰውኢ በዓል ምስ ኣፍረሰ፡ ﷽የሩብ-በዓል ተባሂሉ ተሰምየ (መሳ.6፡25-32)። ሽሕ እኳ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰባት ከቲቶም እንተ ሰዓብዎ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ጥራይ ኣኸቲሉ ንሚድያናውያን ኣባሪሩ ሰዓሮም (መሳ.6፡33-8፡21)። እቲ ህዝቢ ኸንግሶ ምስ ደለየ ኣበየ። ኣብ እስራኤል ከኣ ኣርብዓ ዓመት ፈራዲ ኾይኑ ኣገልገለ (መሳ.8፡22-35)። ኣብ እብ.11፡32 ብዛዕባ እምነት ጊዴዎን ተመስኪሩ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሚድያን እተፈጸመ ዓወት ከም ምሳሌ ምድሓን እግዚኣብሄር ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (ኢሳ.9፡4፤ 10፡26)።