![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ጌሪዝምን ዔባልን | ጌራ |ጌራር | ጌባዕ | ጌተሰማኔ | ጌንሳሬጥ | ጌዘር
ጌሪዝምን ዔባልን፤
ኣብ ጥቓ ሴኬም ዚርከቡ ኽልተ ኣኽራን። እዞም ኣኽራን እዚኦም ኣኽራን መርገም ይብሃሉ (ዘዳ.11፡29)። እያሱ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ኣኽራን መሰውኢ ሰርሔ። ኣብኡ ኾይኑ ኸኣ ነቲ ሕጊ ኣንበበ (ዘዳ.27፡4-8። እያ.8፡30-35)። ዮታም ወዲ ጊዴዎን ኣብ ርእሲ ኸረን ጌሪዝም ከይዱ ደው በለ እሞ፡ ካብኡ ንሰዓብቲ ኣቢሜሌክ ዓው ኢሉ ተዛረቦም (መሳ.9፡7-12)። ሳምራውያን ኣብ ከረን ጌሪዝም ቤት መቕደስ ነደቑ (ዮሃ.4፡20)። ካ 3 መ. 3ሰ።
ጌራ፤
መምዘኒ ኽብደት። ሓደ ጌራ ፍርቂ ግራም ኣቢሉ ይምዘን (ህዝ.45፡12)። ﷽ክብደት ተመልከት።
ጌራር፤
ካብ ጋዛ ኣብ ወገን ደቡብ 10 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ኣብርሃምን ይስሃቅን ብምኽንያት ጥሜት ኣብ ጌራር ተሰዲዶም ይቕመጡ ነበሩ (ዘፍ.20፡1)። ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ንኢትዮጵያ ኣብ ጌራር ሰዓራ (2ዜና.14፡13)።
ጌባዕ፤
ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ሰሜን 12 ኪ.ሜ፡ ካብ ጊብዖን ከኣ 5 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ እተዓረደት ከተማ (2ነገ.23፡8)።
ጌተሰማኔ፤
ኣብ የሩሳሌም ኣብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን ኣብ እግሪ ኸረን ዘይቲ ዘሎ ስፍራ ኣታኽልቲ። እዚ ስም እዚ ብቛንቋ ኣራማይስጢ እዩ፡ ትርጉሙ ኸኣ፡ ﷽መጽመቝ ዘይቲ፡ ማለት እዩ። የሱስ ኣብ ጌተሰማኔ ምስ ጸለየ ተታሕዘ (ማር.14፡32-42። ዮሃ.18፡1-12)።
ጌንሳሬጥ፤
﷽ኪነሮት ﷽ባሕሪ ገሊላ ተመልከት።
ጌዘር፤
ካብ የሩሳሌም በቲ ሰሜናዊ ምዕራባ 30 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብቲ ናብ ዮጴ ዚወስድ መገዲ ዝነበረ ከተማ-ዕርዲ። እያሱ ንናይ ጌዝር ንጉስ ከም ዝሰዓሮ ነንብብ (እያ.10፡33)። እንተኾነ ግና ኣብ ጌዝር ከነኣናውያን ይቕመጡ ነበሩ፡ ደሓር ከኣ ግብጻውያን ሓዝዋ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ንጌዝር ምስ ሓዛ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ነታ ኸተማ ከም ገዝሚ ሃባ። ሰሎሞን ከኣ ከተማ ሰረገላ ገበራ እሞ፡ ዓባይ ከተማ-ዕርዲ ኾነት (1ነገ.9፡15-19፤ 10፡26)።