![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሄርሜስ
ኣብ ሃይማኖት ግሪኻውያን ናይታ ድያ እትብሃል ቀንዲ ኣምላኽ ብጻይን መልእኽተኛን ተባሂሉ ዚቑጸር ዝነበረ ኣምላኽ (ግብ.14፡12-13)።
ሄርሞን
ኣብ ሶርያ፡ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዚርከብ ከረን። ከረን ሄርሞን ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣስታት 2.777 ሜትር ዚልዕል ስለ ዝኾነ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዚርከቡ ኣኽራን ዝነውሔ እዩ። እቲ ናይ ከረን ሄርሞን በረድ እናመኸኸ ናብ ርባ ዮርዳኖስን ናብ ባሕሪ ገሊላን ይፈስስ (ዘዳ.4፡48። መዝ.133፡3)። ክርስቶስ ኣብዚ ኸረን እዚ ግርማኡ ኸም ዝገለጸ ይግመት (መዝ.89፡12። ማቴ.17፡1-8)። ከረን ሄርሞን፤ ሲርዩን፤ ሰኒር ተባሂሉውን ይስመ እዩ (ዘዳ.3፡8-9። መሃ.4፡8)። ካ 5ሐ።
ሄሮድስ
ስም እቶም ካብ ዘርኢ ኤዶም እተወልዱ ወገን። እዞም ወገን እዚኣቶም ሃይማኖት ኣይሁድ ተቐቢሎም ካብ 45 ቅ.ል.ክ. ክሳዕ 49 ዓ.ም. ኣብ ሃገር ኣይሁድ ነገስታትን ገዛእትን ኮይኖም ብምምሕዳር ክኢላታት ከም ዝነበሩ ይብሃል። እንተኾነ ግና ካብ ካልእ ዓሌት ስለ እተወልዱን፡ ምስኡ ኸኣ ብዙሕ ናይ ብዕልግና ተግባር ስለ ዝፈጸሙን፡ እቲ እተቐበልዎ ስልጣን ከኣ ካብ መንግስቲ ሮሜ ስለዝነበረን፡ በቶም ኣይሁድ ፍቱዋት ኣይነበሩን። ዝኾነ ኮይኑ እቶም ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዚርከቡ ዝነበሩ ﷽ሄሮድሳውያን ነቲ ምምሕዳር ወገን ሄሮድስ ዝነበሩ ገዛእቲ ዚድግፉ ጋንታ ከም ዝነበሩ ንርኢ (ማር.3፡6፤ 12፡13-17)።
ኣብ መንጎ እዞም ወገን እዚኣቶም መ.ቅ. ነዞም ዚስዕቡ ትሽዓተ ሰባት ትጠቅስ።
1. ሄሮድስ እቲ ዓቢ። እዚ ሄሮድስ እዚ ንጉስ ኣይሁድ ኮይኑ ካብ 37 ቅ.ል.ክ. ነገሰ። (﷽ዓመት ተመልከት)። ንሱ ነታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቂሳርያ መስረተ፡ ምሕዳስን ምጽባቕን ቤት መቕደስ ጀመረ፡ ሕጻናት ኣቕተለ (ማቴ.2፡1-18)። እዚ ሄሮድስ እዚ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ካብ ቤተ ሰቡን ካብ ካልኦትን ብዙሓት ሰባት ኣጥፍኤ፡ ድሕሪ ሞቱ ኸኣ እታ መንግስቱ ንሰለስተ ደቁ ተመቕለት።
ናይ ሄሮድስ እቲ ዓቢ ገንዘብ።
ኣብቲ ሓደ ገጽ ቁራዕ ርእሲ ኣብቲ ኻልእ ገጽ ከኣ ዋልታ ኣለዎ።
2. ኣርኬላዎስ ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓቢ። እዚ ሄሮድስ እዚ ክሳዕ 6 ዓ.ም. ኣብ ይሁዳ ይገዝእ ነበረ (ማቴ.2፡22)።
ናይ ሄሮድስ ኣርኬላዎስ ገንዘብ።
ኣብቲ ሓደ ገጽ ዘለላ ወይኒ ኣብቲ ኻልእ ገጽ ከኣ ቁራዕ ርእሲ ኣለዎ።
3. ሄሮድስ ፊልጶስ። ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓቢ (ማቴ.14፡3)።
4. ሄሮድስ ኣንጢጳስ። እዚ ሄሮድስ እዚ ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓቢ እዩ። ክሳዕ 39 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ገሊላ ገዝኤ። ሰበይቲ ፊሊጶስ ሓው ስለ ዘእተወ እሞ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባኡ ስለ ዝገሰጾ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሴፍ ኣሰይፉ ቐተሎ (ማቴ.14፡1-12)። የሱስ ብዛዕባ እዚ ሄሮድስ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ﷽ወኻርያ ብዚብል ቃል ጠባዩ ይገልጸልና (ሉቃ.13፡32)። ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ሄሮድስ ምስ ሰደዶ፡ ሄሮድስ ንየሱስ ከም ዘቃለሎን ከም ዘላገጸሉን ንርኢ (ሉቃ.23፡6-12)።
ናይ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ገንዘብ።
5. ሄሮድያዳ። ጓል ኣርስጦስሎስ ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓቢ። ንሳ ቅድም ንሓወቦኣ ሄሮድስ ፊልጶስ ተመርዓወት። ድሕሪኡ ኸኣ ንሓወቦኣ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ኣእተወት፡ ንዮሃንስ መጥምቕውን ኣቕተለት (ማቴ.14፡3-12)።
6. ፊልጶስ ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓቢ። እዚ ሄሮድስ እዚ ክሳዕ 34ዓ.ም. ኢጡርያን ጥራኮኒስን ከም ዝገዝኤ ንምልከት (ሉቃ.3፡1)።
7. ንጉስ ሄሮድስ ቀዳማዊ ኣግሪጳ። እዚ ንጉስ እዚ ወዲ ኣርስጦብልስ፡ ወዲ-ወዱ ንሄሮድስ እቲ ዓቢ እዩ። ካብ 41-44 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ይሁዳ ገዝኤ። ቀዳማዊ ኣግሪጳ ንሃዋርያ ያእቆብ ኣሰየፈ፡ ንጴጥሮስ ከኣ ኣሰረ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንጴጥሮስ ኣድሓኖ። እቲ ንጉስ ከኣ በቲ መልኣኽ ተቐዚፉ ሞተ (ግብ.12)።
ናይ ንጉስ ሄርድስ፡ ቀዳማዊ ኣግሪጳ ግንዘብ።
8. ንጉስ ሄሮድስ ዳግማዊ ኣግሪጳ። እዚ ንጉስ እዚ ወዲ ንጉስ ሄሮድስ፡ ቀዳማዊ ኣግሪጳ እዩ። ካብ 50 ዓ.ም. ጀሚሩ ከኣ ኣብ ገሊላ ገዝኤ። ጳውሎስ ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚኡ ቀሪቡ ከም ዝነበረ ነንብብ (ግብ.25፡13-26፡32)።
9. በርኒቄ። ጓል ንጉስ ሄሮድስ፡ ቀዳማዊ ኣግሪጳ። በርኒቄ ሓወቦኣ ድሕሪ ምእታዋ ምስ ሓዋ ምስ ሄሮድስ ዳግምዊ ኣግሪጳ ብብዕልግና ትነብር ነበረት። ጳውሎስ ኪኽሰስ ከሎ ኸኣ ምስ ሓዋ ተሸይማ ከም ዝነበረት ነንብብ (ግብ.25፡23፤ 26፡30)።
ናይ ስድራቤት ሄሮድስ ሓረግ ወለዶ
እዚ ሓረግ ወለዶ እዚ ነቶም ቀንዲ ዘበሉ እምበር ንኹሉ ዜመልክት ኣይኮነን።
ሄኖን
እዚ ቓል እዚ ፈልፋሊ ማለት እዩ። ሄኖን ኣብ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ደቡብ ቤት-ሻን ዚርከብ ቦታ እዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ኣብዚ ቦታ እዚ የጥምቕ ነበረ (ዮሃ.3፡23)።
ሄኖክ
ወዲ ያሬድ (ዘፍ.10፡15)። ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ 14 ﷽እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም ተባሂሉ ይጥቀስ። ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ከም እተመላለሰ ተጻሒፉ ኣሎ (ዘፍ.5፡24)። ብመሪሕነት ኣምላኽ ዚነብር ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ሓድነት ነበሮ፡ ኣካይዳኡን ስጉምቱን ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ነበረ። ብእምነቱ ንእግዚኣብሄር ባህ ከም ዘበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመስኪሩሉ ኣሎ (እብ.11፡5)። ሄኖክ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነን ምስ ኣምላኽ ስለ እተመላለሰን ናይ ስጋ ሞት ከይጠዐመ ካብዛ ዓለም ተፈልየ። ብህይወቱ ኸሎ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሰዶ (ዘፍ.5፡24)።
ሄት፡ (ሄታውያን)
ካብ ከነኣን እተወልዱ ወገን (ዘፍ.10፡15)። ሄታውያን እቲ ቀንዲ ሃገሮም ኣብ ሰሜን ከንኣን እኳ ክነሱ ኣብ ሃገር ከነኣንውን ይነብሩ ነበሩ (ዘፍ.23፡፥። 2ዜና.8፡7)። ብ 717 ቅ.ል.ክ. ኣሶራውያን ነታ ከርከሚሽ እትብሃል ናይ ሄታውያን ርእሲ ኸተማ ምስ ሓዝዋ፡ መንግስቲ ሄታውያን ከም ዝደኸመት ይዝንቶ።
ሄዋን
ô†s†ï dhF ï†s†ï <ï……© ©‰êDê÷M B÷¥g LDq ¥††£; A£ôgô†p ch†ªKª§o§ñ [kñ§o§ñ ñ††¥: [k¥§o§ñ ñ……ªM ª‰‰… …††¥; ¥††´s´ïï…mkA…ôX ôôgôŠmk ]г ³……ªM ªÊÊ·V: ·……ªM ª‰‰… mkH…µ] ochkE (sµÏ.2:20-25); [ϧ§¸¸ôgoKK[ôïDïê ê…]Hp …†N †Šmkp mkІ†´s´ïï…mkA…ôX ô†o†‰F‰Dq ‰ÏS χM kF\'87óq \'f3……ªM\'aaéAkr; é©©öIUö„„ê <oKê…]G…ïoïë\'ebð> ð†|kDq †…K…Š\'8d¢q (s¢Ï.3:1-13); AÏôgô…mk H…··ïï…q ]D …›\'9b©chq: [mk©……¥ ¥‰M s‰ïKF©d mk©ÄĉM ‰†q†©©öoöÊXʪ (sªÏ.3:16); Ï……ªM ª´| ´…mk dF …††´s´ïï…mkA…ôX o]ôÍ mkMÍ´lX sX´„„ï ï‰M s‰ïBFg ï…K…†N A†ôgô„„ïDïê [Kê¥ (s¥Ï.3:15-20); Ï…mk H…©©öa ö‰‰ïïªAªôg} oHkôïE ï…mk ……k…‰M ‰›k›ÃÃöGöíq oí·ch·ññ…E (1…··ïN.2:14);