![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ልመና | ልሙኤል | ልማድ | ልሳን | ልስጥራ | ልቕሶ | ልቢ | ልብሲ ክህነት | ልብጥ ዝበለ | ልኡም | ልያ | ልደት | ልዳ | ልዳት | ቀዋሚ ልዳት | ልድያ
ልመና፤
ኩሉ እቲ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር እነቕርቦ ልመና ይብሃል። ﷽ጸሎት ተመልከት።
ልሙኤል፤
ኣብ ምሳሌ 31፡1 ተጠቒሱ ዘሎ ንጉስ። ኣብ ምሳሌ 31፡2-9 ኣዲኡ ዝሃበቶ ትምህርትን ምኽርን ተመዝጊቡ ንረክብ። ብጀካ እዚ ብዛዕባ ልሙኤል ዚፍለጥ ካልእ ነገር የልቦን። ሊቃውንቲ ኣይሁድ ግና ልሙኤል ሰሎሞን ከም ዝኾነ ይብሉ።
ልማድ፤
ጠባይ፡ ኣካይዳ፡ ኣመል (1ቆረ.15፡33)።
ልስጥራ፤
ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ሊቃኦንያ ዝነበረት ከተማ (ግብ.14፡6)። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ስለስተ መገሻታቱ ልስጥራ ኸም ዝበጽሔ ነንብብ (ግብ.14፡6-23፤ 16፡1)። ከተማ ልስጥራ ስለ ዝፈረሰት ኣብዚ ጊዜ እዚ የላን። ካ 6በ።
ልቕሶ፤
ሰብ ኪመውት ከሎ፡ ኣይሁድ ልቕሶ ይገብሩ ነበሩ። ንዓበይቲ ሰባት ከኣ ነዊሕን ክብ ዝበለ ስርዓት ልቕሶን ይገብሩሎም ከም ዝነበሩ ነንብብ (ዘዳ.34፡5-8። 2ዜና.16፡14)። እቶም ተቐነይቲ ናይ ሓዘን ልቕሶ የልቅሱሎም ነበሩ (2ሳሙ.1፡17-27)። እቲ ስርዓት ልቕሶ ኸኣ ከከም ሃገሩን ከከም ስድራ ቤቱን ይፍጸም ነበረ። ጾም ምጻም (1ሳሙ.31፡13)፡ ክዳን ምቕዳድ፡ ሓመድ ኣብ ርእሲ ምንስናስ (2ሳሙ.1፡2)፡ ክሊ ምዕጣቕ፡ ርእሲ ምልጻይ (ኢሳ.22፡12) ልሙድ ነበረ። እንተኾነ ግና ደቂ እስራኤል ነቲ ልማድ ሓዘን ናይ ከነኣናውያን ከይስዕቡ ተኸልከሉ (ዘሌ.19፡27-28። ዘዳ.26፡14)። ደቂ እስራኤል ኣብ ጊዜ ሞት ዚበኽያ ኣንስቲ ይጽውዑ ነበሩ (ኤር.9፡17-18)። የሱስ ግና ነዚ ኣይተሓጎሰሉን (ማቴ.9፡23-25)። የሱስ ነቲ ሓቀኛ ምልክት ሓዘን ኣብ ጊዜ ሞት ኣልኣዛር ከም ዝገለጾ ነንብብ (ዮሃ.11፡35-36)። እቶም ኣመንቲ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ኪሓዝኑ ኣይግባእን እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ፡ ዝትንስኡ ስለ ዝኾኑ ምስ ክርስቶስ ይኾኑ (1ቆረ.15። ፊል.1፡20-24። 1ተሰ.4፡13-18)። ﷽መቓብር ተመልከት።
ልቢ፤
ኣብ መ.ቅ. ህይወት ካብ ልቢ ከም እትፍልፍል ነንብብ (ምሳ.4፡23፤ 23፡7)። ልቢ ነእምሮን (ዳን.4፡16፤ 7፡14)፡ ንፍቓድን (ማር.3፡5)፡ ንሓሳብን (ማር.2፡6-8)፡ ንስምዒትን (ሉቃ.24፡32) ዚጠምር እዩ። ሰብ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ኼፍቅሮ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ (ማር.12፡30)። ልቢ ሰብ ክፉእ እዩ (ምሳ.26፡25። ኤር.17፡9። ማር.7፡21-23)። ሰብ ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪቐርብን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪሕሉን ስቡርን ሓድሽ ልብን የድልዮ (መዝ.51፡17። ኤር.31፡31-34። ህዝ.36፡25-27። ማቴ.5፡8። ሮሜ.12፡2። ኤፌ.3፡17-19)።
ልብሲ ክህነት፤
ኣብ ጊዜ ጸሎትን ኣብ ጊዜ ቅዳሰን ካህናት ዚለብስዎ ዓይነት ክዳን፡ ልብሲ ክህነት ይብሃል። ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ኼገልግሉ ኸለው ዚለብስዎ ዓይነት ልብሲ ብሓደ ስም ልብሲ ክህነት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ዘጸ.31፡10-11)።
ልብጥ ዝበለ፤
ኣብ መንጎ ዛሕልን ሙቐትን ዚርከብ ኩነት። ብዙሕ ዘይሞቐ ብዙሕውን ዘይዘሓለ ነገር። ልብጥ ዝበለ ኩነት፡ ምሳሌ ናይ ድኻም እምነትን ተግባርን ኮይኑ ይጥቀስ (ራእ.3፡15-16)።
ልኡም፤
ምእንቲ ካልኦት ሰባት ዚሓስብ ሰብ። ብቓሉን ተግባሩን ንሰብ ዘይጎድእን ንሰብ ዘይጭክንን ልኡም ይበሃል (1ጴጥ.2፡18)። እቶም ንክርስቶስ ዚስዕቡ ሰባት ኣብ መንጎ ደቂ-ሰብ ልኡማት ኪኾኑ ይግብኦም (ፊል.4፡5። 2ጢሞ.2፡24። ቲቶ.3፡1-2። ያእ.3፡17)።
ልያ፤
ሰበይቲ ያእቆብ። እታ ዓባይ ጓል ላባን። ላባን ኣቦኣ ብትንኩልና ንያእቆብ ዘመርዓዋ ጓል። ልያ ከም ሓብታ ራሄል እተፈትወት በዓልቲ ቤት ኣይነበረትን (ዘፍ.29፡16-17፥ 21-20)። እንተኾነ ግና ኣደ ሮቤልን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ዲናን ክትከውን ስለ ዝኸኣለት ተሓጎሰት (ዘፍ.29፡11-35፤ 30፡14-21። ሩት.4፡11)። ምስ ያእቆብ ናብ ሃገር ከነኣን ከደት (ዘፍ.31፡5-18፤ 32፡22፤ 33፡1-2)። ልያ ኣብቲ ንሳራ እተዐደገ መቓብር ተቐብረት (ዘፍ.49፡29-32)።
ልደት፤
ኣብ እስራኤል ወዲ ኺውለድ ከሎ ዚፍጸም ስርዓት ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን 12 ተዘርዚሩ ኣሎ። ክርስቶስ ከኣ ሕጊ ኺፍጽም ስለ እተወልደ ኩሉ እቲ ስርዓት ሕጊ ተፈጺሙሉ እዩ (ሉቃ.2፡39)። ﷽ግዝረት ﷽ካልኣይ ምውላድ ተመልከት።
ልዳ፤
ኣብ ወገን ምዕራብ የሩሳሌም 35 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ንኤንያ ብስም የሱስ ኣሕወዮ (ግብ.9፡32-35)። ልዳ በዚ ጊዜ እዚ መዕረፍ ነፈርቲ ናይ እስራኤል ኮይና ኣላ። እቲ ቦታ ኸኣ ሉድ ተባሂሉ ተሰምዩ ኣሎ። ካ 5መ።
ልዳት፤
ኣብ ልዕሊ ማዕጾ ዚርከብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ትሕቲ ማዕጾ ዚርከብ ታሕታይ ልዳትን ብሓደ ቓል ልዳት ይብሃል። ልዳት ብጽሩብ ዕንጨይቲ ተሰሪሑ ኣብ ማዕጾ ዚገጥም ደገፍ ማዕጾ እዩ (1ነገ.6፡31)።
ቀዋሚ ልዳት፤
ኣብ የማነ-ጸጋም ማዕጾ ተተኺሉ ዚርከብ ጽሩብ ዕንጨይቲ፡ ቀዋሚ ልዳት ይብሃል። ደቂ እስራኤል ኣብ ሃገር ግብጺ ኸለው፡ እቲ መዓት ሞት በኹሪ ወዲ ከይወርዶም ብደም እቲ ገንሸል ፋስጋ ገይሮም ነቲ ኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ላዕላይ ልዳትን ለኸይዎ (ዘጸ.12፡7-23)።
ልድያ፤
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ኤውሮጳ ምስ ገሸ ዝኣመነት ቀዳመይቲ እስያዊት ሰበይቲ (ግብ.16፡13-15፥ 40)።