![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሊቀ ካህናት | ሊቃኦንያ | ሊባኖስ | ሊቤርጢኖን | ሊብና | ሊብያ
ሊቀ ካህናት፤
ካህናት ዚቆጻጸር ናይ ካህናት ሓለቓ። እዚ መዓርግ እዚ ኣብ መጀመርታ ንኣሮን ድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ቀንዲ ዘርኢ ኣሮን ተዋህበ። ቅድም እዚ ሕልቅነት እዚ ክሳዕ ጊዜ ሞት ዚውሃብ ሽመት እዩ ዝነበረ፡ ደሓር ግና እቶም ነገስታት ከም ድላዮም ሊቃውንቲ ኻህናት ኪሾሙን ኪስዕሩን ከም ዝጀመሩ ንርኢ። ኣብ ጊዜ ክርስቶስ እኳ ከም ሃና ዝበሉ ብመንግስቲ ሮሜ እተሾሙ ሊቀ ኻህናት ከም ዝነበሩ ንዝክር (1ነገ.2፡26። ሉቃ.3፡2)። ሓደ ሊቀ ካህናት እቲ ኣልባሳቱ ብጥበብ (ብፍሉይ ኣገባብ) እተሰርሔ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኡሪምን ተëሙምን ኣተሰዅዖ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፡ ናይ ኤፎድ ቀምሽ፡ ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ፡ መጠምጠምያ፡ ﷽ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ዚብል ቅርጺ እተቐርጾ ናይ ወርቂ ኣኽሊልን ቅናትን እዩ (ዘጸ.28፡1-39)።
ኣሮን ኪሽየም ከሎ፡ ሙሴ ነቲ ኣልባሳት ኬልብሶን ብዘይቲ ገይሩ ኺቐብኦን ተኣዘዘ (ዘጸ.29፡1-9)። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ቤት መቕደስ ዜመሓድርን ነቶም ካህናት ዚቆጻጸርን በዓል መዚ ኸም ዝነበረ ነንብብ (1ሳሙ.3፡12-13። 2ነገ.12፡7፤ 22፡4)። እቲ ሊቀ ካህናት ሊቀ መንበር ናይ ባይቶ ኾይኑ የገልግል ከም ዝነበረውን ንርኢ (ማቴ.26፡57-65)። እቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ፍሉይ መስዋእቲ ነቲ ህዝቢ የቕርብ ከም ዝነበረን በዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራይ ከኣ ኣብ ቅድስቲ ቅዱሳት ኣትዩ ኣብቲ ታቦት ደም ይነጽግ ከም ዝነበረን ጽሑፍ ኣሎ (ዘሌ.16)። ﷽በዓል ዕርቂ ተመልከት። ሕጂ እቲ ናይ ብ.ኪ. ዕዮ ሊቀ ኻህናት ተሪፉ እዩ። ክርስቶስ ናይ ሓ.ኪ. ሊቀ ኻህናት ስለ ዝኾነ፡ ርእሱ ሓንሳእ ሰዊኡ ናብታ ሰማያዊት መቕደስ ኣተወ (እብ.9፡1-28፤ 10፡12-21)። ﷽ካህን ﷽ምምሕዳር ቤ.ክ. ተመልከት።
ልብሲ ክህነት ዝለበሰ ሊቀ ካህን
ሊቃኦንያ፤
ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ሰጥ ዝበለ ኣቀማምጣ መሬት ዘለዋ ወረዳ። ጳውሎስ ነተን ልስጥራን ደርቤን ሊቃኦንያን እተባህላ ኸተማታት ከም ዝበጽሔን ንዝክር (ግብ.14፡6-11)። በዚ ዘሎናዮ ዘበን፡ ሊቃኦንያ ኣብ ሃገር ቱርኪ እትርከብ ወረዳ ኾይና ኣላ። ካ 6በ።
ሊባኖስ፤
ኣብ ሰሜን ገሊላን ኣብ ምብራቕ ፈንቄን እትርከብ ኣኽራን እተመልኤት ሃገር (ዘዳ.1፡7)። እቲ ቐንዲ ከረን ሊባኖስ ከረን ሄርሞን እዩ (እያ.13፡5)። ሃገር ሊባኖስ ብኦም ጽሕዲ ኣዝያ እተፈልጠት ስለ ዝነበረት፡ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ኬንድቕ ከሎ ዘድልዮ ኣዕጻው ጽሕዲ ካብኣ የምጽእ ነበረ (1ነገ.4፡33፤ 5፡6-9)። ጽሕዲ ሊባኖስ ምሳሌ ዕቤት መንፈሳዊ ኽብርን (መዝ.92፡12)፡ ምሳሌ ኹርዓትን (ኢሳ.2፡12-16) ኮይኑ ይጥቀስ።
ሊቤርጢኖን
ሊቤርጢኖን ናይ ላቲን ቃል እዩ፡ ትርጉሙ ኸኣ ሓራ ዝወጹ ማለት እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንመን ምዃኖም ንምውሳን ኣሸጋሪ እዩ። ኣብቲ ብ63 ቅ.ል.ክ. ዝኾነ ውግእ እተታሕዙ ደቂ እቶም ምሩኻት ከም ዝነበሩ ዚግምቱ ሊቃውንቲ ኣለው (ግብ.6፡9)። ﷽ሮማዊ ﷽ባርያ ተመልከት።
ሊብና፤
ኣብ መንጎ ላኪሽን ጋትን ዝነበረት ናይ ከነኣናውያን ከተማ። እያሱ ዝደምሰሳ ኸተማ (እያ.10፡29-30)። ሰናክሬብ ሰራዊት ውግኡ ብመልኣኽ እግዚኣብሄር ከይተወቕዔ ኸሎ ንሊብና ተዋግኣ (2ነገ.19፡8)።
ሊብያ፤
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ወገን ምዕራብ ግብጺ እትርከብ ሃገር (ዳን.11፡43። ግብ.2፡10)። ቀሬነ ከተማ ሊብያ ነበረት። ካ 7 በ።