ሌ
ሌዊ፡ ሌዋውያን
ሌዊ፡ ሌዋውያን፤
ሌዊ ናይ እብራይስጢ ቓል እዩ፡ ትርጉሙ ከኣ፡ ሓበረ፡ ተሓወሰ፡ ማለት እዩ። ሌዊ እቲ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ሳልሳይ ወዲ እዩ (ዘፍ.29፡34)። ሌዊ ብምኽንያት ሓብቱ ዲና ምስ ስምኦን ሓው ኾይኑ ሰብ ሴኬም ቀተለ (ዘፍ.34፡ 25፤ 30፤ 31፤ 49፡5-7)። ሌዊ ኣቦ ሓደ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ስለ ዝኾነ፡ ብስሙ ነገድ ሌዊ (ሌዋውያን) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነገድ ተመስረተ (ዘፍ.46፡11)። ብጊዜ ሙሴ እቶም ደቂ ሌዊ በረኸት ረኸቡ (ዘጸ.32፡25-29። ዘዳ.33፡8-11)። ሙሴን ኣሮንን ካብ ነገድ ሌዊ ነበሩ (ዘጸ.2፡1፤ 6፡16-27)። ደቂ ኣሮን ንክህነት፡ ኩሎም ሌዋውያን ከኣ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተፈልዩ። ናይ ሌዋውያን ስራሕን ኣገልግሎትን ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ከነኣን፡ ከም ርስቲ ዘኮነ፡ 48 ከተማታት ተዋህባኦም። ኩሉ ዕሽር እስራኤል ዘበለ ኸኣ ርስቶም ኮነ (s@Œé.18። እያ.21)። ﷽ነገድ ተመልከት።