![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ምህማም፤
ካብ ርሑቕ ዚስማዕ ብርቱዕ ድምጺ። ደሃይ ማያት (እዮ.37፡2)። ምህማም መግለጺ ኽብሪ እግዚኣብሄር እዩ (ህዝ.43፡2)።
ምልክት፤
ዘይርኤ ነገር ዚገልጽን ዜረጋግጽን ዚርኤ ሓድሽ ነገር። ቀስቲ ደበና (ዘፍ.7፡14) ግዝረት (ሮሜ.4፡11)፡ እትጠንስን እትወልድን ድንግል (ኢሳ.7፡14) ካልኦት ነገራትን ምልክት ተባሂሎም ይጥቀሱ። ﷽ትእምርቲ ﷽ተኣምራት ተመልከት።
ምልዋጥ ትርኢት፤
የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ሒዙ ናብ ሓደ ነዊሕ ከረን ደየበ። ኣብኡ ኸኣ ትርኢቱ ተለወጠ እሞ፡ ብኽብሪ ተራእዮም (ማቴ.17፡1-8። 2ጴጥ.1፡17-18)። እቲ ኸረን፡ ከረን ታቦር እዩ ይብሃል፡ ኣብ መ.ቅ. ግና ኣየናይ ከረን ምዃኑ ኣይግለጽን እዩ። ካ 5 ለ።
ምልዖ፤
ፍሬኡ ዚብላዕ ኣብ ቆላ ዚበቁል ኦም (መሃ.2፡3)።
ምሕረት፤
ቅጽዓት ንዚግብኦ ሕድገት ምሃብ፡ ምሕረት ምግባር ማለት እዩ (መዝ.51፤ 130፡7-8)። ንድኹማት፡ ንሕሙማት፡ ንድኻታት ሕያውነትን ረዲኤትን ምግባር (ምሳ.14፡21፥31። ሆሴ.14፡3። ሮሜ.5፡6። ማር.10፡46-52)። እግዚኣብሄር ካብ ምሕረቱ እተላዕለ ምእንታና ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ መስቀል ኪመውት ወፈዮ (ኤፌ.2፡4-5። 1ጴጥ.1፡3-4)። እቶም ኣመንቲ ምሕረት ኪገብሩ ተኣዚዞም ከለው (ያእ.2፡1-13። ሉቃ.6፡36። ማቴ.5፡7። ሮሜ.12፡19)። እግዚኣብሄር ካብ ኩሉ ነገር ምሕረት እዩ ዚፈቱ (ሆሴ.6፡6። ሚክ.6፡8። ማቴ.12፡7)።
ምሕኩልቲ፤
ኣብ ዙርያ ሰለፍ ዚርከብ ጅማት መፈላልዮ። እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፈላልዮ ምሕኩልቲ ኣይበልዑን እዮም። እቲ መልኣኽ ምሕኩልቲ ያእቆብ ምስ ተንከየ፡ ያእቆብ ምሕኩልቱ ስለ እተቖጸ፡ ምሕኩልቲ ዘይምብላዕ ከም መዘከርታ ኾይኑ ተረፈ (ዘፍ.32፡23-32)።
ምሕጻብ፤
ኣብ እስራኤል ሓደ ጋሻ ኻብ ደገ መጺኡ ናብ ቤት ኪኣቱ ኸሎ፡ ኣእጋሩ ይሕጸብ ወይ ይሓጽብዎ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ዘፍ.18፡4፤ 24፡32። ዮሃ.13፡1-10)። ከምኡውን ሰባት ኣካላቶም ይሕጸቡ ነበሩ (ዘጸ.2፡5። 2ሳሙ.11፡2። ሩት.3፡3)። ዚበዝሕ ጊዜ ግና ምሕጻብ፡ ሕግን ስርዓትን ንምፍጻም ዚግበር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ፈሪሳውያን ስርዓትን ልምድን የዘኻኽረና (ዘጸ.30፡19-21። ዘሌ.16፡4። ማር.7፡3-4)። ካብዚ ንላዕሊ ኸኣ፡ ምሕጻብ ተግባር ጥምቀት ይገልጽ (ግብ.22፡16)።
ምምላስ፤
ምምሳጥ፤
ትኻስ ከይወሰደካ ኩሉ እቲ ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ረሲዕካ ኣብ ፍሉይ ሓሳብ ምጥሓል፡ ሕልናኻ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ምትኳር። ጴጥሮስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናተኮረ ኺጽሊ ኸሎ፡ ራእይ ከም ዝረኣየ ነንብብ (ግብ.10፡9-16፤ 11፡5)። ከምኡውን ጳውሎስ ተመሲጡ ኸሎ ምስ የሱስ ተዘራረበ (ግብ.22፡17-21)።
ምምዝጋብ፤
ምጽሓፍ። ግብሪ ንምኽፋል ወይ ከኣ ንኻልእ ዕላማ ኩሉ ሰብ ኪጽሓፍ ምስ ዚእዘዝ እዚ ተግባር እዚ ﷽ምምዝጋብ ይብሃል። ብዘበን መንግስቲ ሮሜ በብዓይነቱ ምምዝጋብ ይዝውተር ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ ሉቃ.2፡1-3 ተመልኪቱ ዘሎ ምምዝጋብ፡ በየነይቲ ዓመት ከም ዝኾነ ንምውሳን ኣይተኻእለን። እቲ ኣብ ግብ.5፡37 ተጠቒሱ ዘሎ ምምዝጋብ ግና ብ6 ዓ.ም. እተፈጸመ እዩ። ﷽ዓመት ተመልከት።
ምሽሙሽ፤
ካብ ረሳሕ ነገር ዚለዓል ክፉእ ሽታ። ኣብ መ.ቅ. ድኻምን ሕመቕን ኬመልክት ይኽእል (ዮኤ.2፡20)።
ምቕራብ ኣብ መኣዲ፤
ምግቢ ንምብላዕ ኣብ ዙርያ ሰደቓ ኮፍ ምባል (1ሳሙ.16፡11)።
ምብራሕ፤
ምንኳዕ። ﷽ጸጉሪ ተመልከት።
ምብራቕ፤
ምድሪ ምስ ወግሔ ጸሓይ እትበርቀሉ ወገን። ኣብ ብ.ኪ. እቲ ቐንዲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ኣብ ወገን ምብራቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ንህዝቅኤል ኣብ ወገን ምብራቕ ቤት መቕደስ ተገልጸሉ (s@êé.3:38። ህዝ.10፡19፤ 11፡23፤ 43፡2፥4)። ﷽ሰብ ምብራቕ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ወገን ምብራቕ እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ማለት እዩ (እዮ.1፡3)። ﷽ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ኪብሃል ከሎ፡ ፈጺሙ እተረሓሓቐን እተፈላለየን ነገራት ይሕብር (መዝ.103፡12)።
ምብጻሕ፤
ምርኣይ፡ ምምልካት። ኣብ መ.ቅ. እቲ ናይ እግዚኣብሄር ፍርድን በረኸትን ﷽ምብጻሕ ተባሂሉ ተመልኪቱ ኣሎ (ሉቃ.1፡68፤ 19፡44)።
ምትሃት፤
ሓደ ነገር መሲሉ ዚርኤን ተራእዩ ዚስወርን ረቂቕ መንፈስ። ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ልዕሊ ባሕርን ኣብ ዕጹው ቤትን ምስ ተራእዮም፡ ምትሃት ዝረኣዩ ኸም ዝመሰሎም ነንብብ (ማር.6፡49። ሉቃ.24፡37)።
ምትእትታው፤
ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕብረተ ሰብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ኺነብሩ እተፈቕደን ዝኸበረን ስርዓት እዩ። ምትእትታው ብእግዚኣብሄር ከም እተመስረተ ኣብ ዘፍ.2፡18-25 ነንብብ። መድሓኒና ኸኣ ነቲ ናይ ምትእትታው ስርዓት ብቓሉ ገይሩ ኣጽዲቕዎ እዩ (ማቴ.19፡3-6)። ኣብ ዘፍ.2፡18-25 ዘሎ ኽፍሊ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ይገልጸልና፤
ምትእትታው፡ ምሳሌ ሕብረት እግዚኣብሄርን እስራኤልን (ሆሴ.2፡20። ኤር.3፡14)፡ ምልክት ሕብረት ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን (2ቆረ.11፡2። ኤፌ.5፡23-33) ኮይኑ ይጥቀስ። ﷽ዘመድ ﷽ሰብኣይ (ብዓል ቤት) ﷽ሰበይቲ (ብዓልቲ ቤት) ﷽ሰብኣይ ﷽ሰበይቲ ተመልከት።
ምኒት፤
ኣብ ሃገር ዓሞን ዝነበረት ከተማ (መሳ.11፡33። ህዝ.27፡17)።
ምና፤
ጥንታዊ መስፈሪ ኽብደት (እዝ.2፡69)። ምና ምስ ገንዘብ ከኣ እዩ (ሉቃ.19፡13)። ﷽ክብደት ﷽ገንዘብ ተመልከት።
ምናሔም፤
ንሻሉም ዝቐተለን ኣብ እስራኤል ዝነገሰን ንጉስ። ምናሔም መበል 16 ንጉስ እስራኤል ነበረ። ክፉእ ዘበለ ዚገብር ስለ ዝነበረ፡ እስራኤል ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኸም ዚኸፍሉ ገበረ (2ነገ.15፡14-22)።
መሳርያ ጽሕፈት
ምራኽ፤
ውላድ ላም። ኣብ ብዙሕ ሃገራት፡ ምራኽ ምሳሌ ሓይልን ምሳሌ ምርካብ ውሉድን ኮይኑ ይቑጸር ስለ ዝነበረ፡ እቶም ህዝቢ፡ ኣማልኽቲ ብምስሊ ምራኽ ሰሪሖም የምልኹ ነበሩ፡ ኣሮን ከኣ ህዝቢ እስራኤል ብምስሊ ምራኽ ገይሮም ንእግዚኣብሄር ኬምልኽዎ ሓሰበ። የሮብዓም ክልተ ምስሊ ምራኹት ገይሩ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ኣንበሮም። ነቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ሓጢኣት ኣዘምበለ፡ ንእግዚኣብሄር ውን ኣጉሃየ (ዘጸ.32፡1-7። 1ነገ.12፡28-30)።
ኣብ ግብጺ ዚሰግዱሉ ዝነበሩ ናይ ምስሊ ምራኽ ጣኦት
ምርኮ፤
ክልተ ወገን ኣብ ውግእ ምስ ገጠሙ፡ እቲ ዝሰዓረ ወገን ዚወስዶ ሃብትን እንስሳን ሰብን ወዘተ. ምርኮ ይብሃል (ዘዳ.20፡14-18)። ኣብራም ካብቲ ዝወሰዶ ምርኮ ዕሽር ሃበ (ዘፍ.14፡20)። ዳዊት ነቶም ሓለውቲ ኣቕሑ ምስቶም ኣብ ውግእ እተኻፈሉ ተዋጋእቲ ብማዕርነት፡ ምርኮ ከም ዚማቐሉ ኣዘዘ (1ሳሙ.30፡21-25)። ክርስቶስ ምስቶም ምስኡ ሓቢሮም ዚዕወቱ ምርኮ ይማቐል (ኢሳ.53፡12)። ﷽ሕሩም ተመልከት።
ምርጫ፤
﷽እግዚኣብሄር፡ 6 ምርጫ እግዚኣብሄር ተመልከት።
ምሳሌ፡ መጽሓፍ ምሳሌ፤
ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዙሓት መምህራን ብምሳሌ ገይሮም ኣብ ሃገሮም በብዓይነቱ ትምህርቲ የምህሩ ከም ዝነበሩ ኽንዝክር የድሊ። ኣብዛ መጽሓፍ ምሳሌ እትብሃል መጽሓፍ ከኣ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከመይ ገይሩ ኺነብር ከም ዚግብኦ ይምህር። ምሳሌታት፡ ንህይወት ወዲ ሰብ በብወገኑ እናተንከፉ ግቡእ ምምላስ ሰብ ይሕብሩ። እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ምሳሌታት ከኣ፤ ጥበብሲ ምስ እግዚኣብሄር ብምትሕብባር፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ከም እትህብን ንኹሉ ኸም እተስልጥን ምርዳእ እዩ።
ዝኾነ ኾይኑ፡ ኩሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ምሳሌታት፡ ናይ ሰሎሞን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብቲ ምሳሌታት ቃላት ጠቢባን ኣሎ፡ ናይ ኣጉር ምሳሌታት ኣሎ፡ ከምኡውን ቃላት ልሙኤል ተመልኪቱ ኣሎ (ምሳ.22፡17፤ 24፡23፤ 30፡1፤ 31፡1)። ካብ ምሳ.1 ጀሚርና ክሳዕ ምሳ.9 እንተንበብና፡ ጥበብ ምኽሪ ኽትህብ ከላ ንርኢ። ኣብ ጎደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ቃላት ትዛረብ (ምሳ.1፡20፤ 8፡1-3፤ 9፡1-3)። እቲ እትህቦ ትምህርቲ ኸኣ ናይ ሰሎሞን እዩ። ካብዚ ቐጺልና እቲ ኣብ ምሳ.10-22፡16 ምስኡ ኸኣ ኣብ ምሳ.25-29 ዘሎ ጽሑፍ፡ ሰሎሞን ባዕሉ ዝመሃዞ ምሳሌታት ምዃኑ ንርዳእ። ሰሎሞን ካብ እግዚኣብሄር ፍሉይ ጥበብ ከም እተቐበለን፡ ስለስተ ሽሕ ምስላ ከም ዝመሰለን ነንብብ (1ነገ.3፡10-12፤ 4፡29-34)። ካብዘን ምስላታት ሰሎሞን፡ መብዛሕትኤን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተጠርኒፈን ኣለዋ፡ እቶም ዝኣኻኸብወን ከኣ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት እዮም (ምሳ.25፡1)። እዘን ምስላታት እዚኣተን ድማ ኣብተን ኣብ መወዳእታ ዘለዋ 7 ምዕራፋት (ማለት ምሳ.25-31) ተመዝጊበን ይርከባ።
መጽሓፍ ምሳሌ መኣስ ተጻሕፈት? ንዚብል ሕቶ፡ ከምዚ ዚስዕብ መልሲ ኪውሃቦ ይከኣል። እታ መጽሓፍ ካብቲ ሰሎሞን ዝነገሰሉ ጊዜ፡ ማለት ካብ 950ቅ.ል.ክ. ኣቢላ ብሰሎሞን ተጀሚራ ትኸውን። እቶም ናይ ህዝቅያስ ሰባት ከኣ ብ 700ቅ.ል.ክ. ካልእ ምስላታት ዝወሰኹላ ይመስል። ኣይሁድ ድማ ብ 450ቅ.ል.ክ. ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ ነታ መጽሓፍ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ፍጻሜ ከም ዘብጽሕዋ ይግመት።
መጽሓፍ ምሳሌ ብመልክዕ ግጥሚ እያ እተጻሕፈት፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብግጥሚ ዚውሃብ ትምህርቲ ኣብ ልቢ ኸም ዚዕቆር ፍሉጥ እዩ። ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ርእሱ ዚኸኣለ ስለ ዝኾነ፡ በብሓደ ኺንበብ ከሎ ነናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርቲ ይህብ። ብዝተረፈ ኣብ ሓደ ዛንታ ኸም እንርእዮ እተኣሳሰረ ዓይነት ንባብ ኣይኮነን። እዚ ኪኸውን ከሎ ኸኣ በብዓይነቱ ምሳሌታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ተጠርኒፉ ዚርከብ ስለ ዝኾነ፡ ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ምስቲ ምስኡ ዚሰማማዕ ካልእ ምሳሌ ምንባቡ ጠቓሚ እዩ።
ክርስቶስን ጴጥሮስን ጳውሎስን ያእቆብን ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ይጠቕሱ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ሉቃ.14፡8-10 ምስ ምሳ.25፡6-7። 1ጴጥ.2፡22 ምስ ምሳ.26፡11። ሮሜ.12፡20 ምስ ምሳ.25፡21-22። ያእ.4፡6 ምስ ምሳ.3፡34 ኣጋጥም)።
ምስሊ፤
ካብ ዕንጨይቲ ወይ ካብ እምኒ ወይ ከኣ ካብ ብሩርን ኣስራዝን ወርቅን እተቐርጸ፡ ኣረማውያን ከም ኣምላኾም ዜምልኽዎ ቅርጺ፡ ምስሊ ይብሃል። እስራኤላውያን ዝኾነ ምስሊ ቐሪጾም ከየምልኹ ብእግዚኣብሄር ተኸልኪሎም ነበሩ። ምኽንያቱ ኸኣ ሓደ ብእግዚኣብሄር እተፈጥረ ነገር ምምላኽ ዘይከኣል ከም ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣዚዙ እዩ (ዘጸ.20፡4-6፤ 34፡17። ዘዳ.4፡15-19። ኢሳ.40፡18)። ደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኪርሕቁ ኸለው ምስልታት ሰሪሖም ነቲ ምስልታት ኬምልኹ ይህቅኑ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ዘጸ.32፡1-6። 1ነገ.12፡26-29፤ 14፡9)። እቶም ኣረማውያን ኣብ ዓዓዶም በብዓይነቱ ምስልታት ሰሪሖም የምልኹ ነበሩ (ኢሳ.30፡22፤ 40፡20። ዳን.3፡1። ግብ.19፡24)። ﷽ጣኦት ተመልከት።
ምስላ፤
ሓደ ነገር ወይ ሓሳብ ንምግላጽ እተቕርቦ መግለጽን መረድእን መብርህን ምስላ ይብሃል። ምስላ ንሓደ ነገር ከም ዘይርሳዕ ይገብሮ፡ ኣጸቢቑ የብርሆ፡ ሓሳብ የበራብር። ኣብ መ.ቅ. ካብ ዘፍ.10፡9 ጀሚርና ብዙሕ ምስላታት ነንብብ። ሰሎሞን ብዙሕ ምስላታት መሲሉ ኣሎ (1ነገ.4፡32-33)። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ክርስቶስ ብምስላ ይዛረብ ከም ዝነበረ ንርኢ (ማቴ.13፡34-35)። ምስላ ንመስተውዓሊ የለብሞ፡ ነቲ ዘየስተውዕል ግና የደንቁሮ (ማር.4፡10-12)።
ምስላ ክትትርጉም ከለኻ ብዙሕ ጥንቃቔ የድሊ። ኣብ መ.ቅ. ሰለስተ ዓይነት ምስላታት ንረክብ፡ ትርጉሙ ከኣ ከከም ኣቀራርባኡ እዩ። (ሀ) ከም ዛንታ ኾይኑ ዚቐርብ ሓጺር ምስላ። ንኣብነት፡ የሱስ፤ ﷽ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ከም ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ ዚሕሉ ከምኡ ኸኣ የሱስ ሰዓብቱ ይሕሉ ማለት እዩ። (ለ) ብዙሕ ተግባር ዚፍጸሞ፡ ንነፍስ ወከፍ ተግባር ከኣ ተትርጉሙ ዚህብ ምስላ። ንኣብነት፡ ምስላ እቲ ዘራኢ ነዚ ሓሳብ እዚ ይገልጸልና። ነፍስ ወከፍ ሓሳብ ናይቲ ምስላ ተትርጉሙ ኣለዎ (ማቴ.13፡3-9፥ 18-23)። (ሐ) ብዙሕ ተግባር ዚፍጸሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ግና ትርጉም ዘይወሃቦ ምስላ። ነዚ ዓይነት ምስላ እዚ ንምትርጓም፡ ነቲ ምስላ እተነግረሉ ምኽንያት ምርዳእ የድሊ። ምስላ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ ተመልከት (ሉቃ.10፡25-37)። እቶም ኣብዛ ምስላ እዚኣ ኸም ስም ኮይኖም ተጠቒሶም ዘለው ነገራት፡ ከም ወይኒ፡ ዘይቲ፡ ኣድጊ፡ ዲናር ወዘተ. ናይ ኣየናይ ነገር ምሳሌታት እዮም ኢልና ምስ እንሓትት፡ ነዚ ዘድልየና ምስጢር ካብኦም ክንርድኦ ንኽእል። ክርስቶስ ነዛ ምስላ እዚኣ ኺነግር ከሎ፡ ሕቶ ናይቲ ፈላጥ ሕጊ ምእንቲ ኪምልሽ ኢሉ እዩ ዝመሰላ። ስለዚ እዚ ዛንታ እዚ፡ ሰብ ብጻዩ መን ከም ዝኾነ የርኢ። እቲ ወይኒ፡ ዘይቲ ወዘተ. ተባሂሉ እተጠቕሰ ቃላት ከኣ ርሕራሔ ናይቲ ሳምራዊ እዩ ዜርኢ እምበር፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ቃል ፍሉይ ትርጉም የብሉን።
ምስክር፤
1. ኣብ መ.ቅ. ኪዳን ምእታው ወይ ምልክት ወይ ከኣ መዝሙር፡ ከም ምስክር ወይ ከኣ ከም መዘከርታ ኾይኑ ይዝውተር (ዘፍ.31፡44። ዘዳ.31፡19-21፥26። እያ.24፡27-28። ኢሳ.19፡19-20)።
2. ሰብ ሓቀኛ ምስክር ኪኽውን ይግብኦ። ክሲ ብኽልተ ወይ ሰለስተ ምስክራት ይጸንዕ። ሓሳዊ ምስክር እቲ ኣብ ካልኦት ዚሓስቦ ኣብ ርእሱ ይፍጸም (ዘዳ.5፡20፤ 19፡15-21፤ 1ጢሞ.5፡19)።
3. ኣመንቲ ምስክራት ክርስቶስ እዮም (ዮሃ.15፡27። ግብ.1፡8)። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚኽሕድዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኡ ይኽሕዶም (ማቴ.10፡32-33)።
ምስዕዓም፤
ናይ ምፍታው ምልክት (ዘፍ.29፡11፥13። ማቴ.26፡48)። ናይ ፍቕሪ ምልክት (መሃ.1፡2። ሉቃ.15፡20)፡ ናይ ፍትወት ምልክት (ምሳ.7፡13)፡ ናይ ኣምልኾን ኣኽብሮትን ምልክት (1ነገ.19፡18። ሆሴ.13፡2)። ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስዕዓም እተለምደ ምልክት ሰላምታ እዩ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ምስዕዓም ተባሂሉ ኣሎ (ግብ.20፡37። ሮሜ.16፡16)።
ምስጋና፤
ንእግዚኣብሄር ኮነ ወይ ከኣ ንኻልኦት ፍጡራት ክብ ዜብልን ክብሪ ዚህብን ቃል ወይ ተግባር (ምሳ.27፡21። መሳ.16፡24። ዘጸ.15፡11)። መዝሙር ዳዊት ብምስጋና እተመልኤት መጽሓፍ እያ። ብፍላይ ከኣ መዝ.111 ክሳዕ መዝ.117 ﷽ሃሌሉያ እናበላ ይጅምራ። ኣብ ሓ.ኪ. እግዚኣብሄር ብሰብን ብመልኣኽትን ኪምስገን ከሎ ንርኢ (ሉቃ.2፡13-14። ቆሎ.3፡16። ራእ.7፡8-12፤ 19፡5-8)።
ምስጢር፤
እንሓንሳእ ኣብ ሓ.ኪ. ምስጢር ማለት ናይ ምስላ ወይ ናይ ቃል ትርጉም ኮይኑ ንረኽቦ (ማቴ.13፡11-13። 1ቆረ.2፡6-7። ራእ.1፡20፤ 17፡1፥፤። ኤፌ.5፡32)። እቶም ሕሩያት ሰባት መፍትሕ ናይ ምስጢር ከም እተዋህቦም ንርኢ (ማር.4፡11)።
ምሸት፤
መወዳእታ ድሕሪ ቐትሪ፡ መጀመርታ ለይቲ። በዚ ጊዜ እዚ መስዋእቲ ይስዋእ ከም ዝነበረ ንዝክር (ዘጸ.29፡39-42። 1ነገ.18፡29። መዝ.141፡2)።
ምሽሙሽ፤
ካብ ረሳሕ ነገር ዚለዓል ክፉእ ሽታ። ኣብ መ.ቅ. ድኻምን ሕመቕን ኬመልክት ይኽእል (ዮኤ.2፡20)።
ምቕራብ ኣብ መኣዲ፤
ምግቢ ንምብላዕ ኣብ ዙርያ ሰደቓ ኮፍ ምባል (1ሳሙ.16፡11)።
ምብራሕ፤
ምንኳዕ። ﷽ጸጉሪ ተመልከት።
ምብራቕ፤
ምድሪ ምስ ወግሔ ጸሓይ እትበርቀሉ ወገን። ኣብ ብ.ኪ. እቲ ቐንዲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ኣብ ወገን ምብራቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ንህዝቅኤል ኣብ ወገን ምብራቕ ቤት መቕደስ ተገልጸሉ (s@êé.3:38። ህዝ.10፡19፤ 11፡23፤ 43፡2፥4)። ﷽ሰብ ምብራቕ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ወገን ምብራቕ እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ማለት እዩ (እዮ.1፡3)። ﷽ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ኪብሃል ከሎ፡ ፈጺሙ እተረሓሓቐን እተፈላለየን ነገራት ይሕብር (መዝ.103፡12)።
ምብጻሕ፤
ምርኣይ፡ ምምልካት። ኣብ መ.ቅ. እቲ ናይ እግዚኣብሄር ፍርድን በረኸትን ﷽ምብጻሕ ተባሂሉ ተመልኪቱ ኣሎ (ሉቃ.1፡68፤ 19፡44)።
ምትሃት፤
ሓደ ነገር መሲሉ ዚርኤን ተራእዩ ዚስወርን ረቂቕ መንፈስ። ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ልዕሊ ባሕርን ኣብ ዕጹው ቤትን ምስ ተራእዮም፡ ምትሃት ዝረኣዩ ኸም ዝመሰሎም ነንብብ (ማር.6፡49። ሉቃ.24፡37)።
ምትእትታው፤
ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕብረተ ሰብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ኺነብሩ እተፈቕደን ዝኸበረን ስርዓት እዩ። ምትእትታው ብእግዚኣብሄር ከም እተመስረተ ኣብ ዘፍ.2፡18-25 ነንብብ። መድሓኒና ኸኣ ነቲ ናይ ምትእትታው ስርዓት ብቓሉ ገይሩ ኣጽዲቕዎ እዩ (ማቴ.19፡3-6)። ኣብ ዘፍ.2፡18-25 ዘሎ ኽፍሊ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ይገልጸልና፤
ምትእትታው፡ ምሳሌ ሕብረት እግዚኣብሄርን እስራኤልን (ሆሴ.2፡20። ኤር.3፡14)፡ ምልክት ሕብረት ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን (2ቆረ.11፡2። ኤፌ.5፡23-33) ኮይኑ ይጥቀስ። ﷽ዘመድ ﷽ሰብኣይ (ብዓል ቤት) ﷽ሰበይቲ (ብዓልቲ ቤት) ﷽ሰብኣይ ﷽ሰበይቲ ተመልከት።
ምኒት፤
ኣብ ሃገር ዓሞን ዝነበረት ከተማ (መሳ.11፡33። ህዝ.27፡17)።
ምና፤
ጥንታዊ መስፈሪ ኽብደት (እዝ.2፡69)። ምና ምስ ገንዘብ ከኣ እዩ (ሉቃ.19፡13)። ﷽ክብደት ﷽ገንዘብ ተመልከት።
ምናሔም፤
ንሻሉም ዝቐተለን ኣብ እስራኤል ዝነገሰን ንጉስ። ምናሔም መበል 16 ንጉስ እስራኤል ነበረ። ክፉእ ዘበለ ዚገብር ስለ ዝነበረ፡ እስራኤል ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኸም ዚኸፍሉ ገበረ (2ነገ.15፡14-22)።
ምናሴ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ ﷽መረስዕ ማለት እዩ። ዮሴፍ ኣብ ሃገር ግብጺ ካብ ኣሰናት ዝወለዶ በኹሪ ወዱ (ዘፍ.41፡50-51)። ያእቆብ ንደቂ ዮሴፍ፡ ንምናሴን ንኤፍሬምን፡ ከም ደቁ ቖጺሩ ባረኾም። ብስም ክልቲኦም ከኣ፡ ክልተ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ﷽ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተባሂሎም ተሰምዩ። ነገድ ኤፍሬም እቲ ዝዓበየ ኾነ (ዘፍ.48)። ነገድ ምናሴ እቲ ፍርቁ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ኪቕመጥ መረጸ (s@Ãé.32:33#39-40) እቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኸኣ ምስሊ ርስቶም ኣብ ወገን ምዕራብ ዮርዳኖስ ተቐበሉ (እያ.17)። ጊዴዎንን ይፍታሕን እተባህሉ ጀጋኑ ካብ ነገድ ምናሴ እዮም (መሳ.6፡11፥15፤ 11፡1። እብ.11፡32)። ነገድ ተመልከት። ካ 3 መ. ሰ.
ምንቅጥቃጥ ምድሪ፤
ኣብ መ.ቅ. ሓያሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ እንሓንሳእ ከኣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም መቑጸሪ ዘበን ተመልኪቱ ንረኽቦ (ኣሞ.1፡1። ዘካ.14፡5)። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪግለጽ ከሎ፡ ከምኡ ኸኣ ንኤልሳእ ኪግለጸሉ ኸሎ፡ ምድሪ ኸም ዘንቀጥቀጠ ነንብብ (ዘጸ.19፡18። 1ነገ.19፡11)። የሱስ ካብ ሞት ምስ ትንስኤውን ምድሪ ኣንቀጥቀጠ (ማቴ.27፡51-53፤ 28፡2)። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምሳሌ መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኮይኑ ተጻሒፉ ኣሎ (መሳ.5፡4። መዝ.77፡18። ኢሳ.29፡6)።
ምንዛዝ፤
ምግላጽ፡ ምዝራብ፡ ማለት እዩ። ሰብ ምእንቲ ኺነጽህ ሓጢኣቱ ኺናዘዝ ይግብኦ (ዘሌ.5፡5። ምሳ.28፡13)። እቲ ንሰብ ዝበደለ ነቲ እተበደለ (ማቴ.5፡23-25። ያእ.5፡16)፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝበደለ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኪናዘዝ የድሊ (1ዮሃ.1፡9)። ሰብ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቡ ኺናዘዝ ይግባእ (ዘሌ.16፡21። ነህ.1፡4-11። ዳን.9፡3-19)።
ምንዝርና፤
ንሰበይቲ ብፍትወት ስጋ ተደፊእካ ምክትታል። ኣብ ልዕሊ ሰበይትኻ ካልእ ሰበይቲ ምሓዝን ምእካብን (1ቆረ.6፡9)።
ምንጉዳ፤
ኣብ ሕቖ ብዕራይን ገመልን ከም ኩምራ ኮይኑ ዚበቁል ስቡሕ ስጋ (ኢሳ.30፡6)።
ምንጭልቝት፤
ኣብ ገምገም ባሕርን ኣብ ማይን እትነብር ዓይነት ለመምታ (ዘሌ.11፡30)።
ምእሳርን ምፍታሕን፤
እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ሊቃውንቲ ሕጊ፡ ሓደ ውሳኔ ተኣሲሩ ኺብሉ ኸለው ተኸልኪሉ ማለቶም ከም ዝነበረ፡ ተፈቲሑ ኺብሉ ኸለው ኸኣ ተፈቒዱ ማለቶም ከም ዝነበረ ንዝክር። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ጴጥሮስን ሃዋርያትን፡ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሓጢኣቱ ኸም ዚሕደገሉ እቲ ዘይኣመነ ኸኣ ከም ዘይሕደገሉ ንምግላጽ፡ ከምኡ ኸኣ ብዓቢኡ ትምህርቲ ወንጌል ንምውሳን ስልጣን ተዋህቦም (ማቴ.16፡19። ዮሃ.20፡23)። ነዚ ኸኣ ወንጌል ብምስባኽን ብምስትምሃርን ፈጸምዎ። ምእሳርን ምፍታሕን እቲ ንሰብ እተዋህበ ምውሳንውን የመልክት እዩ። እቶም ናይ ቤ.ክ. ሰባት ብዛዕባ ሓደ ሰብ መጠንቀቒ ምስ ሃቡን ነቲ ጉዳይ ከኣ ምስ መርመሩን፡ ነቲ ሰብ ካብ ማሕበር ንምውጽኡ ወይ ከኣ ናብ ማሕበር ንምቕባሉ ስልጣን ተዋሂቡዎም ኣሎ (ማቴ.18፡15-20። ዮሃ.20፡ሀ3)። ﷽ግዝት (ምውጋዝ) ተመልከት።
ምእዛዝ፤
ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምሕላው። እቲ ዚእዘዝ በረኸት ይረክብ፡ እቲ ዘይእዘዝ ከኣ ይርገም (ዘዳ.11፡27-28። ኢሳ.1፡19-20። መዝ.1)። ብልማድ ጥራይ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብ፡ ምእዛዝ ይበልጽ (1ሳሙ.15፡22)። ኣብ ሓ.ኪ. እቲ ቐንዲ ምእዛዝ ንየሱስ ምእማንን ወንጌል ምቕባልን እዩ (ሮሜ.1፡5፤ 6፡16-19። 2ተሰ.1፡8። 1ጴጥ.3፡1)። ኩሎም እቶም ንየሱስ ዚእዘዙ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ይረኽቡ (እብ.5፡9)። የሱስ ነቦ ብምእዛዝ ንደቂ ሰብ ኣድሓነ (ፊል.2፡8። እብ.5፡8)። ኣመንቲ ንሰብ ስልጣን መንግስትን ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያንን (ቲቶ.3፡1። እብ.13፡17)፡ ኣንስቲ ንሰብኡተን (ቲቶ.2፡4-5። 1ጴጥ.3፡1-6)፡ ሰራሕተኛታት ንወሃብቲ ስራሕ (ኤፌ.6፡5)፡ ኣጉባዝ ከኣ ንሽማግለታት ኪእዘዙ ይግባእ (1ጴጥ.5፡5)። ካብ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዚጻረር ሰብ ምእዛዝ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ይግባእ (ግብ.5፡29)።
ምውታን፤
ዝሞቱ ሰባት (ሉቃ.24፡5)። ምውታን ማለት፤ 1. ብስጋ ዝሞቱ ሰባት (ሮሜ.6፡4) ማለት እዩ። 2. ብመንፈስ ዝሞቱ ሰባትውን ምውታን ይብሃሉ (ሮሜ.6፡13-14። ኤፌ.2፡1-2)። ﷽ሞት ተመልከት።
ጠያቒ ምውታን፤
ነፍሳት ዝሞቱ ሰባት ዚጽውዕን ዚጥይቕን (ዘዳ.18፡11)። ﷽ጥንቆላ ተመልከት።
ምዕራቕ፤
﷽ዕርቂ ተመልከት።
ምዕራፍ፤
1. ክፍሊ መጽሓፍ።
2. መለክዒ ርሕቀት። ሓደ ምዕራፍ ሓምሳይ ኣፍ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን። ﷽ዓቐን ተመልከት።
ምድሓን፤
ብስጋ ኾነ ብመንፈስ ካብ ዝኾነ ይኹን ክፍኣትን ጉድኣትን ድሕነት ምርካብ፡ ﷽ምድሓን ማለት እዩ።
ኣብ ሓ.ኪ. ﷽ምድሓን ካብ በብዓይነቱ ነገራት ድሕነት ምርካብ ማለት እኳ እንተኾነ (ማቴ.14፡30። ማር.5፡34። ግብ.27፡31-44)፡ ዚበዝሕ ጊዜ ሓድሽ ህይወት ምቕባልን ካብ ሓጢኣት ምድሓንን ማለት እዩ (ዮሃ.3፡16)። ክርስቶስ ብስቓዩን ብሞቱን ብትንሳኤኡን ገይሩ ﷽ምድሓን ዓደለና (ሮሜ.4፡24-25። ኤፌ.2፡13-18)። ﷽ምድሓን ካብቲ ዚመጽእ ፍርዲ ክትናገፍ ማለት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብህይወት ከሎኻ ካብ ስልጣን ሓጢኣት ምልቃቕ ማለት እዩ (ሮሜ.6)። እቲ ብክርስቶስ ዚኣምን ሰብ ዓቢ በረኸት ምድሓን ይቕበል፡ ውሉድ ኣምላኽ ይኸውን (ዮሃ.1፡12)፡ ካብ ሓጢኣት ይፍለ (ሮሜ.6፡4። ገላ.5፡34)፡ ሓድሽ ፍጥረት ይኸውን (2ቆረ.5፡17)፡ ካብ ባርነት ሕጊ ሓራ ይወጽእ (ሮሜ.6.13-14፤ 7፡6። ገላ.5፡1፥13፥18)፡ ፍሉይ ገንዘብ ክርስቶስ ይኸውን (ቲቶ.2፡14)፡ ካብ ሓጢኣት ይነጽህ (ግብ.13፡38-39)፡ ይኸብር (ሮሜ.8፡30)፡ ይቕደስ (1ቆረ.6፡11)።
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዚርከብ ምድሓን ብጸጋ ጥራይ እዩ ዚርከብ (ኤፌ.2፡8-9)። እግዚኣብሄር ምድሓኑ ንዚቕበሎ ዘበለ ኹሉ እዩ ዚህቦ (ዮሃ.3፡16። 2ጴጥ.3፡9)። ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባሩ ምስ ፈጸመ፡ ኩሉ ፍጥረት ንእግዚኣብሄር ይግዛእ (1ቆረ.15፡28። ኤፌ.1፡8-10። ሮሜ.8፡18-23)።
ዘይጠፍእ ዘልኣለማዊ ምድሓን፤
ሰብ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተወልደ ብልቡ ኸኣ ምስ ኣመነ፡ ንዘልኣለም ኣይጠፍእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ኪረጋገጽ ይኽእል።
ምድሪ፤
ባሕሪ ዘይኮነ ንቑጽ ቦታ (ዘፍ.1፡10)። እዚ ቓል እዚ ኩሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚርከብውን ይሕብር እዩ (ዘፍ.1፡1)። መሬት (ዘፍ.2፡7)፡ ሃገር (ዘፍ.45፡18)፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለም (ዘፍ.6፡11)፡ ምድሪ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ምድሪ ንኹሉ ፍጥረት መንበሪት ክትከውን እምበር ንኸንቱ ኣይተፈጥረትን፡ ስለዚ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ክሳዕ እንረክብ፡ ምድሪ ጸኒዓ ኸም እትነብር ተጠቒሱ ኣሎ (ኢሳ.45፡18። መዝ.1፡4። ራእ.21፡1)።
ምግላጽ፤
ነቲ እተሓብኤ ምግሃድ። እግዚኣብሄር ርእሱ እንተ ዘይገልጸልና ኽንፈልጦ እምበይምኸኣልናን (ኢሳ.55፡8። 1ቆረ.2፡14። 2ቆረ.4፡4)። እግዚኣብሄር ሓይሉን ክብረቱን ድሌቱን ይገልጽ። እዚ ኽንብል ከሎን ግና፡ እግዚኣብሄር ንሰብ እቲ ዜድልዮ ጥራይ እምበር ኩሉ ገሊጹሉ ማለትና ኣይኮነን (ዘዳ.29፡29)። እግዚኣብሄር ንሰብ ብብዙሕ መገዲ ስለ እተገልጸሉ በዘን ዚስዕባ ሓሙሽተ ኣርእስቲ እቲ ምግላጽ እግዚኣብሄር ክንድህስስ ኢና።
እግዚኣብሄር ነቲ ትምህርቲ ሃይማኖት ንሃዋርያቱ ልክዕ ገይሩ ስለ ዝገለጸሎም፡ እቶም ኣመንቲ ሕጂ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ጸኒዖም ኪትከሉ እምበር፡ ካልእ መግለጺ ኺደልዩ ወይ ኪስዕቡ ኣይግብኦምን እዩ (ኤፌ.3፡5-6። ይሁ.3። ራእ.22፡18-19)። ምግላጽ እግዚኣብሄር ኣብ መ.ቅ. ተጻሒፉ ኣሎ፡ ምሉእ መ.ቅ. ከኣ ብዛዕባ ምግላጽ እግዚኣብሄር ይዛረብ። ሎሚ ኸኣ ሰባት ባዕላቶም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ገዛእ ህይወቶም ኪፈልጡ መንፈስ ቅዱስ ይመርሖም ኣሎ (ሮሜ.8፡14-15። 1ቆረ.14፡26። ገላ.2፡2)።
ኣብ መወዳእታ ዓለም ኩሉ ኺግለጽ እዩ (ሉቃ.17፡30። ቲቶ.2፡12-13)፡ ግብሪ ነፍስ ወከፍ ሰብውን ኪግለጽ እዩ (ሉቃ.12፡2። ሮሜ.8፡18-19። 1ቆረ.3፡13)።
ምግቢ፤
ሰብ ኣብ መጀመርያ ዝኾነ ዓይነት እኽልን ፍረን ኣሕምልትን ኪበልዕ ከም እተፈቕደሉ ነንብብ (ዘፍ.1፡29)። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ግና ስጋ ኪበልዕ ጀመረ (ዘፍ.9፡3)። ኣብ ሕጊ ሙሴ ኸኣ እቲ ንምግቢ ዚኸውን ዓይነት ስጋ ኸም እተወሰነ ንርኢ (ዘሌ.11)። ዓይነት ምግብን ኣቀራርባኡን ከከም ሃገሩን ከከም ህዝቡን በበይኑ እዩ ዝነበረ። ነገስታት ዓቢን ገፊሕን ዕድመ ይገብሩ ነበሩ (ኣስ.1፡2-5)፡ ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣብቲ መኣዲ ነገስታት ይቐርቡ ነበሩ (2ሳሙ.9፡7። 1ነገ.4፡22-23፤ 18፡19። ነህ.5፡17-19)። ኣብ ግብጺ እቲ ቐንዲ እዋን ምግቢ ቐትሪ እዩ ዝነበረ (ዘፍ.43፡16)። ኣብ እስራኤል ግና እቲ ተራ ህዝቢ ቁሩብ ምግቢ ሒዙ ስርሑ ይወፍር እሞ (ሩት.2፡14) ምሸት ከም ዓቕሙ ድራር ይበልዕ ነበረ (ሩት 3፡7)። ኣብ ጊዜ ክርስቶስ እቶም ኣይሁድ ክልተ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ምብላዕ ለሚዶም ከም ዝነበሩ ንርኢ (ሉቃ.14፡12)። ሰብኡትን ኣንስትን ብሓባር ይበልዑ ነበሩ (እዮ.1፡4)። ብዘêሕ ጊዜ ኸኣ ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራይ የዳልው ነበሩ (ሉቃ.10፡38-42)። ኣብ ጊዜ ኣብርሃም፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢሎም እዮም ዚበልዑ ዝነበሩ (ዘፍ.18፡8፤ 37፡25)። ድሓር ግና እብራውያን ኣብ ዙርያ ብርኽ ዝበለ መኣዲ ተቐሚጦም ምብላዕ ጀመሩ (1ነገ.13፡20)። ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም እቶም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዓራት ተጋዲሞም ይበልዑ ኸም ዝነበሩ ነስተብህል (ኣስ.7፡8)። ኣብ እዋን ዕድመ፡ እቶም ዕዱማት ኣብ ዙርያ ሓጺር መኣዲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰለስተ ወገን እተዘርግሔ ምንጻፋት ተቐሚጦም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ምንጻፍ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሓሙሽተ ዚኾኑ ሰባት ይቕመጡ እሞ፡ ካብቲ ኣብ መኣዲ እተቐረበ ምግቢ ኸኣ ብየማነይቲ ኢዶም የልዕሉ ነበሩ። እንጌራ ቆሪስካ ምሃብ ናይ ኣኽብሮ ልምዲ ኸም ዝነበረ ንርኢ (ዮሃ.13፡22-26)። ኣብ ሓደ ናይ ዕድመ መኣዲ፡ ነቶም ዕዱማት ከከም መዓርጎም ቦታ ይወሃቦም ነበረ። ኣብ ወገን ጸጋም ምቕማጥ ዝኸበረ ቦታ ይቑጸር ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ብወገን የማን ናይቲ ኣገልገልቲ ዝኣትውሉ መእተዊ ኮፍ ምባል፡ ናይ ክብሪ ቦታ እዩ ዝነበረ (ዘፍ.43፡33። ሉቃ.14፡8-11)። ቅድሚ ምግቢ፡ ንዕዱማትካ ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ዘይምሕጻብ ከም ጉድለት ይቑጸር ነበረ (ማር.7፡3። ሉቃ.7፡44)። ኣይሁድ ቅድሚ ምግቢ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። እቲ ዓዳሚ ንዕዱማቱ ምግቢ ይዕድሎም (1ሳሙ.9፡23-24። ማቴ.15፡36። ሉቃ.24፡30)። ምስ በልዑ ኸኣ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ (ዘዳ.8፡10)። ኣብ መ.ቅ. ብዛዕባ ምግብን መስተን ኪጥቀስ ከሎ፡ እቲ ቐንዲ ነገራት እኽልን ወይንን ዘይትን ከም ዝነበረ ንዝክር (ዘዳ.7፡13። ነህ.5፡11። ሆሴ.2፡10)። ስለዚ ነቲ ዓይነት መግቢ ኣብ ሓሙሽተ ዓይነት ሰሪዕና ንጽሕፎ፤
ኣብ መጊዶ እተረኽበ ቶን እንጌራ
ምጽራፍ፤
ክርስቶስ ካብ ዘለኣለም ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘየስተውዓሉ፡ እቶም ኣይሁድ ነቲ ትምህርቲ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ከም ምጽራፍ ገይሮም ከም ዝቖጸርዎ ንርኢ (ዮሃ.5፡17-18። ማቴ.26፡64-66)። እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ገለ ዘረባ ዚዛረብ ሓጢኣቱ ይሕደገሉ እዩ፡ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጻረፍ ግና ኣይሕደገሉን እዩ (ማቴ.12፡31-32)። ሰብ፡ ከምቶም ጸሓፍቲ፡ ዕዮ እግዚኣብሄር ንሰይጣን ሂቡ ሓሳብ ሰይጣን ምስ ዚስዕብ እዩ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዚበጽሕ (ማር.3፡22-29)። ሰብ ኣብ ደረጃ ምንቃፍ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዚበጽሕ፡ ልቡ ይተርር እሞ ነቲ ናይ ኣምላኽ ይነጽግ (እብ.6፡4-6)። ሓደ ሰብ ግና ነዚ ሓጥያት እዚ ኸም ዝፈጸመ እንተተሰምዖ እሞ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነገር እንተ ደለየ፡ እዚ ሰብ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጻረፈን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ነዚ ሓጥያት እዚ ፈጺሙ እንተ ዚኸውን ነቲ ናይ ኣምላኽ ነገር እምበይምደለዮን ነይሩ።
ምጽዋት፤
ንሽጉራት ደንጊጽካ ምሃብ፡ ንድኻታት ብልግሲ ምሕጋዝ (ዘዳ.15፡11)። ሰብ ኪምጽውት ከሎ እግዚኣብሄር ይርእዮ እዩ፡ ይባርኾ ኸኣ እዩ። እንተኾነ ግና ምእንቲ ብሰብ ኪንኣድን ኪከሓስን ኢሉ ምስ ዚምጽውት፡ ዓስቢ የብሉን (ማቴ.6፡1-4)። ኣብ የሩሳሌም እቶም ኣመንቲ ገንዘቦም ንድኻታት የማቕሉ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ግብ.4፡32፤ 6፡1-6)። ጳውሎስ ንድኻታት ዚኸውን ገንዘብ ቤተ ክርስትያን ተዋጺኡ ኸም ዚዕደል ኣስተምሃረ (ሮሜ.15፡25-27። 1ቆረ.16፡1-4። 2ቆረ.9)።
ምጽዋዕ፤
ጸውዔ፡ ኣውጽኤ። እዚ ቓል እዚ ስም ኣውጺእካ ብኡ ምጽዋዕን ምስማይን (ዘፍ.1፡5)፡ ምምህላልን (ዘፍ.4፡26)፡ ንኣገልግሎት ምእዛዝን (ኢሳ.49፡1)፡ ወንጌል ምቕባልን (እብ.3፡1-2)፡ ኬስምዕ ይኽእል። እቶም ኣብ ማቴ.22፡14 ተጠቒሶም ዘለው ጽውዓት፡ ኩሎም እቶም ቃሉ ዚሰምዑ ዘበሉ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ቓል እዚ ኼዘውትር ከሎ ከኣ፡ ነቶም ጽውዓ ኣምላኽ እተቐበሉ ሰባት እዩ ዜመልክት (ሮሜ.8፡28-30)።
ምፍታሕ፤
ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ምትእትታው-ኪዳን ምፍራስ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈላለዩ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮነን (ሚል.2፡16። ማቴ.19፡6)፡ እንተኾነ ግና ብምኽንያት ዝሙት ኪፋትሑ ተፈቒዱ ኣሎ (ማቴ.5፡31-32፤ 19፡7-9)። ሰብኣይ፡ ክርስትያን ዘይኮነት ሰበይቲ እንተላቶ፡ ነዚ ምኽንያት ገይሩ ኺፈትሓ ኣይግባእን እዩ። ንሳ ግና ብገዛእ ፍቓዳ እንተ ሓደገቶ፡ ንሱ ካልእ ሰበይቲ ኼእቱ ይኽእል። እታ ሰበይቲውን በዚ ኣገባብ እዚ ኻልእ ሰብኣይ ከተእቱ ትኽእል (1ቆረ.7፡12-13)።
ናይ ምፍታሕ ጽሕፈት
ምፍዳይ፤
ናይ ክፉእ ወይ ጽቡቕ ተግባር መልሲ። ከምቲ ገንዘብ ዘለቅሔ ገንዘቡ ዚፍደ፡ እቲ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ዝገበረ ኸኣ ከምኡ ኢዱ ይፍደ (መዝ.91፡8። ኢሳ.34፡7-8። 2ቆረ.5፡9-10። ቆሎ.3፡25)።
ምፍዳይ ሕነ፤
ናይ ዕዳን ክፍኣትን መልሲ። ሳምሶን ንፍልስጥኤማውያን ሕነ ፈደየ (መሳ.15፡7-8)። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሚድያን ሕነ እግዚኣብሄር ፈደዩ (s@£é.31:1-3)። ናይ ኣምላኽ ሰብ ሕነ ኺፈዲ ኣይግባእን እዩ፡ ሕነ ምፍዳይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ (2ሳሙ.22፡48። ሮሜ.12፡19። እብ.10፡30)። ኣብ ክንዲ ቂም ምሓዝ ጸላኢኻ ምፍታው ከም ዚግባእ ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ.5፡44-45። ሮሜ.12፡20)። ሰባት ተሃላለኽቲ ኾይኖም ካብ ክፍኣቶም ምምላስ እንተ ኣበዩ፡ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ሕነ ኺወርዶም ምልማን ግቡእ ልመና እዩ (መዝ.18፡47። መዝ.69፡22-28፤ 109። ራእ.6፡10፤ 19፡1-3)።