![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሚልካ | ሚልክያስ | ትንቢት ሚልክያስ | ሚልዮን | ሚሎ | ሚሔ | ሚስራይም | ሚስያ | ሚካ | ሚካል | ሚካኤል | ሚክያስ | ትንቢት ሚክያስ | ሚዛን | ሚድያን | ሚጽጴ
ሚልክያስ፤
ሚልክያስ፡ ﷽ልኡኸይ ማለት እዩ። ሚልክያስ ቃል እግዚኣብሄር ተቐቢሉ ትንቢት ይንበ ነበረ። ብጀካዚ ብዛዕባ ሚልክያስ እተገልጸ ኻልእ ነገር የልቦን። እዚ ሚልክያስ ዚብል ስም ናይ ነቢይነት ስም ወይ ከኣ ናይ መጸውዒ ስም ኪኸውን ይኽእል እዩ (ሚል.1፡1)።
ትንቢት ሚልክያስ፤
ኣብ መንጎ 470-440 ቅ.ል.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተነግረ ትንቢት። እዚ ኸኣ በቲ ዘበን እዝራን ነህምያን ምዃኑ እዩ (ሚል.2፡10-11። እዝ.9፡1-2 ምስ ነህ.13፡23-31 ኣመዓራሪ)። ርእሲ ነገር እቲ ትንቢት ከምዚ ዚስዕብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይፈቱ (ሚል.1፡1-5)። እስራኤል ግና ዘይግባእ መስዋእቲ ብምስዋእን (ሚል.1፡6-8)፡ ደቂ ጓኖትን ደቂ ኻልእ ሃይማኖት ብምምርዓውን (ሚል.2፡10-11)፡ ብምፍታሕን (ሚል.2፡16)፡ ብናይ ከንቱ ዘረባን (ሚል.2፡17)፡ ብጭከናን (ሚል.3፡5)፡ ዕሽር ብዘይ ምሃብን (ሚል.3፡6-10)፡ ብጃምላ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ብምንዓቕን (ሚል.3፡14)፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሉ። ስለዚ እግዚኣብሄር ፍርዱ ይፈርድ (ሚል.3፡2)። ነቶም ካብ ክፍኣቶም ዚምለሱ ግና ይባርኾም (ሚል.3፡10-12፥ 16-17)፤ 4፡2)። እነሆ እምበኣር ጎይታ ናብ መቕደሱ ይመጽእ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ልኡኹ ይልእኽ (ሚል.3፡1-3)። መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት ነብዪ ኤልያስ ይልእኽ (ሚል.4፡4-6)። ነብዪ ሚልክያስ ነዚ ምስ ተነበየ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ እተባህለ ትንቢት ይፍጽም (ማር.1፡2። ሉቃ.1፡17። ማቴ.11፡14)።
ክፍልታት ትንቢት ሚልክያስ፤
ሚልዮን፤
ሽሕ ሳዕ ሽሕ (1ዜና.22፡14። 2ዜና.14፡9)።
ሚሎ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽እተመልኤ ማለት እዩ። ኣብ ይቡስ (ኣብ የሩሳሌም) ሚሎ እተባህለ ቦታ ነበረ። ሚሎ ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ዝነበረ ኽፍሊ ወይ ከኣ ፍሉይ ግምቢ ኪኸውን ይኽእል (2ሳሙ.5፡9። 1ነገ.9፡15፥ 24። 2ዜና.32፡5)።
ሚሔ፤
ብሻምብቆ፡ ብጭራ ፈረስ፡ ብሳዕሪ ወይ ብእርግሄ ወይ ከኣ ንእኡ ብዚመስል ነገራት ተሰሪሑ፡ እኽሊ ወይ ንእኽሊ ዚመስል ነገራት ንምጽራይ ዚጠቅም ኣቕሓ። ሚሔ ከም ምሳሌ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ይጥቀስ (ኢሳ,30፡28። ኣሞ.9፡9)።
ሚስራይም፤
ካልኣይ ወዲ ካም (ዘፍ.10፡6)። ሚስራይም ብዙሓት ኣወዳት ወለደ (1ዜና.1፡8-11)። ኣቦ ግብጻውያን ከም ዝኾነ ይብሃል፡ ብቛንቋ ሚስራይም ሃገር ግብጺ፡ ﷽ምስሪ ተባሂላ ትስመ።
ሚስያ፤
ኣብቲ ኸተማ ጥሮኣስ ዝነበረቶ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበረ ኽፍሊ ሃገር (ግብ.16፡7-8)። ካ 6 ቀ።
ሚካ፤
ኣዲኡ ንዝሰርሓቶ ምስሊ፡ ዓሰርተ ሲቃል ብሩር ከፊሉ ሓደ ኻህን ዝቖጸረ ብዓል ኤፍሬም። ደሓር ግና ሰብ ዳን መጺኦም ነቲ ምስልን ነቲ ኻህንን ወሰዱሉ (መሳ.17-18)።
ሚካል፤
ሰበይቲ ዳዊት፡ እታ ዝነኣሰት ካብ ደቂ ሳኦል። ሚካል ንዳዊት ፈተወቶ፡ ሳኦል ከኣ መፈንጠራ ኽትኮኖ ኢሉ ንዳዊት ሃባ (1ሳሙ.14፡49፤ 18፡20-29)። ዳዊት ካብ ሳኦል ሃዲሙ ኼምልጥ ከሎ ዝሓገዘቶ ሚካል እያ (1ሳሙ.19፡11-17)። ዳዊት ናብ ስደት ምስ ከደ፡ ፋልጢ ንእተባህለ ሰብኣይ ተዋህበት (1ሳሙ.25፡44)፡ ዳዊት ምስ ነገሰ ኸኣ ከም ብሓድሽ ኣምጽኣ (2ሳሙ.3፡13-16)። ሚካል ንዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪስዕስዕ ምስ ረኣየቶ ነዐቐቶ። ሚካል ውሉድ ኣይነበራን (2ሳሙ.6፡16-23)።
ሚካኤል፤
﷽ከም እግዚኣብሄር መን እዩ? ማለት እዩ። ንሰይጣን ብምቅዋም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዚሕሉ ሓለቓ መልኣኽቲ (ዳን.10፡13-21፤ 12፡1። ይሁ.9። ራእ.12፡7)።
ሚክያስ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፤ ﷽ንእግዚኣብሄር ዚመስል መን እዩ? ማለት እዩ።
ትንቢት ሚክያስ፤
ሚክያስ ነቲ ትንቢቱ ቅድሚ ውድቀት ሰማርያ፡ ማለት ቅድሚ 722 ቅ.ል.ክ. እዩ ዝጀመሮ። ኣቐዲሙ ሰማርያ (ሚክ.1፡6)፡ ኣስዒቡ ኸኣ የሩሳሌም (ሚክ.3፡12) ከም ዚፈርሳ ተነበየ። እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤል ከም መጓሴ ይእክቦም (ሚክ.2፡12፤ 7፡14)፡ ንየሩሳሌም ኣጽኒዑ ይነድቃ (ሚክ.4፡1)፡ ተስፋ ህዝብታት ከኣ ብክርስቶስ ይፍጸም (ሚክ.5፡2፥4)።
ክፍልታት ትንቢት ሚክያስ፤
ሚዛን፤
መዓቀኒ ኽብደት። እስራኤል ሓቀኛ ሚዛን ኪህልዎም ተኣዘዙ (ዘሌ.19፡36። ህዝ.45፡10)። ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ (ምሳ.11፡1። ኣሞ.8፡4-6። ሚክ.6፡11)። ምምልላስ ሰብን ኣካይዳኡን ይምዘን እዩ (እዮ.31፡5-6። ዳን.5፡26-28። ራእ.6፡5)። ﷽ክብደት ﷽መስፈሪ ተመልከት።
ሓደ ግብጻዊ ወርቂ ኺመዝን ከሎ። ብ 1450 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ኣብ ግብጺ ኻብ እተሳእለ ስእሊ እትቐድሔ።
ሚድያን፤
ኣብርሃም ካብ ቄጡራ ዝወለዶ ሓሙሽተ ወገን ዝፈረየ ኣቦ። ኣብርሃም ንሚደöያን ካብ ከነኣን ናብ ወገን ምብራቕ ሰደዶ (ዘፍ.25፡1-6)። ዘርኢ ሚድያን ብስም ኣቦታቶም ተፈልጡ። ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ወገን ምብራቕ ዮርዳኖስን ኣብ ወገን ደቡብ ከነኣንን ይነብሩ ነበሩ። ምስ እስማኤላውያንውን ይተሓባበሩ ነበሩ። ዮሴፍ ናብ ነጋዶ ሚድያን ከም እተሸጠ ነንብብ (ዘፍ.37፡28፥36)። ሙሴ ጓል ሚድያን ኣእተወ (ዘጸ.2፡21፤ 3፡1)፡ ሓደ ሚድያናዊ ኣብ ምድረ በዳ ኺመርሖ ጠየቐ (s@¢é.10:29-32)። ዓበይቲ ሚድያን ምስ ሞኣብን ሲሆንን ኮይኖም ንእስራኤል ተቓወሙ (s@éé.22:4። እያ.13፡21)። ብዘበን መሳፍንቲ ኸኣ ሚድያናውያን ብጊዴዎን ተሳዕሩ (መሳ.6፡1-8፥ 21። መዝ.83፡9)።
ነጋዶ ሚድያን
ሚጽጴ፤
ናይ ሓላዊ ግምቢ ማለት እዩ። በዚ ስም እዚ ዚጽዋዕ ሓያሎ ስፍራታት ኣሎ። ካብቲ ስፍራታት እቲ ኸኣ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ እቲ ኣብ የሩሳሌም ብወገን ሰሜን 8ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚርከብ ናይ ከነኣናውያን ዕርዲ እዩ (እያ.15፡38)። ንጉስ ሳኦል ኣብዚ ቦታ እዚ ተመርጸ (1ሳሙ.10፡17-20)። እቲ ብንጉስ ባቢሎን እተሾመ ገዳልያ እተባህለ ገዛእ የሩሳሌም ከኣ፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ተቐትለ (ኤር.40፡9-41፡3)።