![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ
ኒል፤
ናይ ግብጽን ናይ ኣፍሪቃን ቀንዲ ፈለግ። ንውሓቱ 6480 ኪ.ሜ. እዩ። ፈለግ ኒል ክልተ ተጸንበርቲ፡ ጻዕዳ ኒልን ጸሊም ኒልን ዚብሃሉ ኣለውዎ። ጻዕዳ ኒል ካብ ቀላይ ቪክቶርያ ጸሊም ኒል ከኣ ካብ ቀላይ ጻና ተበጊሶም ኣብ ካርቱም፡ ሱዳን ይራኸቡ እሞ ብሃገር ግብጺ ሰንጢቖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይከዓው። ኣብ ሃገር ግብጺ ኩሉ እቲ ፈለግ ኒል ዚሓለፎ መሬት ፍርያም እዩ። እቲ ኻልእ መሬት ግብጺ ግና ምድረ በዳ እዩ (ኢሳ.19፡7-8፤ 23፡3)። እዚ ፈለግ እዚ ኣብ መ.ቅ. ብዙሕ ጊዜ ርባ ግብጺ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሙሴ ሕጻን ከሎ ኣብ ርባ ኒል ኣብ ውሽጢ ሳጽን ተነቢሩ ተረኽበ (ዘጸ.2)። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምስራውያን መዓት ኬውርድ ከሎ፡ ማይ እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ርባ ኒል ጥራይ ኣብ ደም ተለወጠ (ዘጸ.7፡20-21)። ካ 2።
ኒሳን፤
﷽ወርሒ ተመልከት።
ኒቆዲሞስ፤
ሓለቓ ኣይሁድ ዝነበረ ፈሪሳዊ። ብለይቲ ምስ የሱስ ኪዘራረብ ናብ የሱስ ከም ዝመጸ ነንብብ (ዮሃ.3)። ቤት ምኽሪ የሩሳሌም ንየሱስ ኪኸስዎ ምስ ደለዩ፡ ኒቆዲሞስ ምእንቲ የሱስ መስከረ (ዮሃ.7፡45-52)። ድሕሪ ስቕለት የሱስ ከኣ ንምግናዝ የሱስ ዚኸውን ከርበን ዓልወን ሒዙ መጸ (ዮሃ.19፡39)።
ኒቆጶሊስ፤
ናይ ኤሊሪኮን ወደብ። ጳውሎስ ምስ ቲቶስ ኣብ ኒቆጶሊስ ኪራኸቡ ከም ዝመደበ ነንብብ (ቲቶ.3፡12)። ካ 1 መ።