![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ኔሮ፤
ካብ 54-68 ዓ.ም. ነጊሱ ዝነበረ ናይ ሮሜ ንጉስ። ኔሮ ሓደ ጨካን ገዛኢ ነበረ። ብ 64ዓ.ም. ነቲ ኣብ ከተማ ሮሜ እተረኽበ ናይ ሓዊ ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፡ ብዙሓት ክርስትያናት ከም ዝቐተለ ኣብ ታሪኽ ነንብብ። ኣብ ግብ.25፡11 ከምኡውን ኣብ ፊል.4፡22 ተጠቒሱ ዘሎ ﷽ቄሳር ንንጉስ ኔሮ ዜመልክት እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ።
ካብ እምኒ እተጸርበ ምስሊ ቄሳር ኔሮ
ኔቦ፤
ኔቲኒም፤
ፍኹስ ዝበለ ዕዮ ቤት መቕደስ ኪዐዩ እተመደቡ ኣገልገልቲ (1ዜና.9፡2። እዝ.2፡43። ነህ.7፡46-56)። ኔቲኒም ካብ ከንኣንን ጊብዖንን ሚድያንን ዝመጹ ይመስል (እያ.9፡23)።
ኔኮ፤
ካብ 610 ክሳዕ 595 ቅ.ል.ክ. ኣብ ግብጺ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ። ብ 609 ቅ.ል.ክ. ምስ ኣሶር ንምውጋእ ናብ ወገን ሰሜን ምስ ወረረ፡ ዮስያስ ተላዕሎ። ኔኮ ኺምለስ ኣጠንቀቖ፡ ዮስያስ ግና ኣብ መጊዶ ተዋጊኡ ሞተ (2ነገ.23፡29-30። 2ዜና.35፡20-24)። ኔኮ ካብቲ ኸይድዎ ዝነበረ ኺምለስ ከሎ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ናብ ግብጺ ወሰዶ። ኣብ ክንድኡ ኸኣ ሓው ኣንገሰ፡ ግብሪ ኸም ዚኸፍልውን ገበሮ (2ነገ.23፡33-35። 2ዜና.36፡1-4)። ፈርኦን ኔኮ ብ 605 ቅ.ል.ክ. ኣብ ውግእ ከርከሚሽ ብሓይሊ ሰራዊት ባቢሎን ተሳዕረ (ኤር.46፡2)።