![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ርሕራሔ | ርሳስ | ርስቲ | ርባ | ርብቃ | ርብዒ | ርኤም | ርእሲ | ምግታእ ርእሲ | ምጉልባብ ርእሲ | ቁራዕ ርእሲ | ርእሲ ኣቦታት | ርኹስ | ርኹስ መንፈስ | ርኽሰት | ርግቢት
ርሳስ፤
ካብ መሬት ተዃዒቱ ዚወጽእ ከቢድ ማዕድን። ጽሑፍ ከም ዘይጠፍእ ንምግባር፡ እቲ ናይ ርሳስ ጽላት ብመጽሓፊ ብረት ይቕረጽ (ዘጸ.15፡10። እዮ.19፡24)። እዚ ሎሚ ርሳስ ኢልና እንሰምዮ ግና፡ ካብ ካልእ ዓይነት ማዕድን ዚስራሕ እዩ።
ርስቲ፤
ምድሪ ከንኣን ንኣብርሃምን ዘርእêን ከም ርስቲ ክይኑ ስለ እተዋህበ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ ርስቶም መቐሎም። እዚ ርስቲ እዚ ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር ከም እተቐበልዎ ስለ ዝኣመኑ ናብ ካልኦት ኣይሸጥዎን ነበሩ (ዘሌ.25፡23። 1ነገ.20፡3)። ﷽በኹሪ ﷽ወራሲ (ወራሲት) ተመልከት።
እስራኤል ርስቲ እግዚኣብሄር ተባሂሎም ኣለው (ዘዳ.4፡20)። እቶም ኣምንቲ ዘበሉ ውሉድ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾኑ መዋርስቲ ርስቱ እዮም (ሮሜ.8፡17። ገላ.3፡29)። እቶም ኣመንቲ ዘበሉ፡ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ከነኣን እተመሰለ በረኸት ይረኽቡ (እብ.11፡13-16)። እቶም ኣመንቲ ዘበሉ፡ ብፍላይ መንግስቲ ኣምላኽን በረኸቱን ከኣ ይቕበሉ (ማቴ.25፡34። 1ቆር.6፡9-10፤ 15፡30)። ምድርን (ማቴ.5፡5)፡ ምድሓንን (እብ.1፡14)፡ ክብርን (ሮሜ.8፡17-19) ይወርሱ። ርስቶም እተሓለወ ስለ ዝኾነ፡ መንፈስ ቅዱስ ዕርቡን ርስቶም እዩ (ኤፌ.1፡14። 1ጴጥ.1፡3-5)።
እዚ ቃል እዚ ናይ ብዝሒ ምሳሌ ኪኸውን ይኽእል እዩ (እዮ.20፡17። ኢሳ.43፡2)።
ርብቃ፤
ጓል ወዲ ናሆር ሓው ኣብርሃም፡ ሓብቲ ላባን (ዘፍ.22፡23፤ 24፡15፥29)። ርብቃ ሰበይቲ ይስሃቕ ኮነት (ዘፍ.24)። ንሳ ቕድም መኻን ከም ዝነበረት፡ ደሓር ግና ይስሃቅ ምስ ጸለየላ ያእቆብን ኤሳውን ከም ዝወለደት ነንብብ (ዘፍ.25፡20-26። ሮሜ.9፡10)። ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ ልባ ኸኣ ቆራጽ ነበረ (ዘፍ.24፡16፥19፥ 20፥ 58፤ 26፡6-11)። ንያእቆብ ወዳ ስለ ዝፈተወት፡ ነቦኡ ብምጥባር በረኸት ከም ዚረክብ ገበረት (ዘፍ.25፡28፤ 27፡5-17)። ንያእቆብ ካብ ቁጥዓ ኤሳው ኪሃድም ኢላ፡ ካብ ኣዝማዳ ሰበይቲ ምእንቲ ኺደሊ ናብ ላባን ከም ዚኸይድ ገበረቶ (ዘፍ.27፡42-28፡5)። ርብቃ ኣብቲ ኣብርሃም ዝዓደጎ ቦታ ተቐበረት (ዘፍ.49፡31)።
ርብዒ፤
ርባዕ ወይ ከኣ ሓደ ኻብ ኣርባዕተ ማለት እዩ (s@£é.23:10)።
ርኤም፤
እዚ ቓል እዚ ናይ እብራይስጢ ቓል እዩ። ስም ሓደ ኣዝዩ ሓያል እንስሳ ከም ዝኾነ ኸኣ ነንብብ (s@…é.23:22& 24፡8)። ኣብ ገሊኡ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ﷽ጎባይ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ (እዮ.39፡9-10። ኢሳ.34፡7)።
ርእሲ፤
ኣብ መ.ቅ. ርእሲ ምሳሌ ናይ ስልጣንን ናይ ሓይልን ኮይኑ ይዝውተር (መሳ.11፡11)። ክርስቶስ ርእሲ ናይ ቤተ ክርስትያንን (ቆሎ.2፡17-19)፡ ርእሲ ናይ ሰብኣይን (1ቆረ.11፡3)፡ ርእሲ ናይ ኩላ ዓለምን (ኤፌ.1፡22)፡ ርእሲ ናይ ኩሉ መንፈስን እዩ (ቆሎ.2፡10)። ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቲ እዩ (1ቆረ.11፡3። ኤፌ.5፡22-23)።
ምግታእ ርእሲ፤
ትምኒት ስጋን ሓሳብ ስጋን ምቁጽጻር ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ርኽሰትን ስኽራንን ቁጥዓን ነፍስኻ ምቑጣብ የስምዕ (ግብ.24፡25)። ምግታእ ርእሲ ንመንፈስ ቅዱስ ብምእዛዝ እዩ ዚከኣል፡ ምግታእ ርእሲ ፍረ መንፈስ እዩ (ገላ.5፡22-23)። እቲ ኣማኒ ዝኾነ፡ ርእሱ ኺገትእ ይግብኦ (1ጴጥ.1፡6-7። 1ቆረ.9፡25)። እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብ ብዙሕ ቦታ ነፍሶም ኺገትኡ ኸለው ይረኣዩ (2ሳሙ.16፡5-13። ሉቃ.23፡8-11)።
ምጉልባብ ርእሲ፤
ቀደም ዘበን ኣብ ሃገር ግሪኽ ብጀካ ኣመናዝር ኩላተን ኣንስቲ ርእሰን ይጉልበባ ኸም ዝነበራ ኣብ ታሪኽ ንርኢ። እተን ኣመንቲ ዝኾና ኣንስቲ ኸኣ፡ ወንጌል ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ነቲ ባህሊ ብምሕላው ርእሰን ይጉልበባ ኸም ዝነበራ ነንብብ (1ቆረ.11፡6)።
ቁራዕ ርእሲ፤
በስራዚ ወይ ብቖርበት እተሰርሔ ኣብ ርእሲ ዚድፋእ መከላኸሊ ኣጽዋር ውግእ (1ሳሙ.17፡5፥38። 2ዜና.26፡14)። ቁራዕ ርእሲ ናይ ምድሓን ምሳሌ እዩ (ኤፌ.6፡17)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ናይ ሰራዊት ቄሳር ቁራዕ ርእሲ
ርእሲ ኣቦታት፤
ኣብ መ.ቅ. እቶም ዛንታ ህዝቢ እስራኤል ዝጀመሩ ቀዳሞት ሰባት፡ ርእሲ ኣቦታት ተባሂሎም ኣለው። ኣብርሃምን (እብ.7፡4)፡ ደቂ ያእቆብን (ግብ.7፡8-9)፡ ዳዊትን (ግብ.2፡29) ርእሲ ኣቦታት እዮም።
ርኹስ፤
ምርካስ፡ ነውራምን ኣጸያፍን ምዃን፡ ርክብ ምፍራስ። ኖህ ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኩለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ መስዋእቲ ኣዕረገ (ዘፍ.8፡20)። እግዚኣብሄር ንኖህ ዚወሳወስ ዘበለ ኩሉ ህያው፡ ምግቢ ኪኾኖ ሃቦ (ዘፍ.9፡3)። ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ክሳዕ ዘበን ሙሴ፡ ንመስዋእቲ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ንጹህን ርኹስን ኢልካ ምፍላይ ዝነበረ ኣይመስልን። እንተኾነ ግና ኣብ ሕጊ ሙሴ፤ ሬሳ ሰብ ዝተንከየ ሰብን (s@¢é.19:11)፡ ክም ለምጺ ዝኾነ ሕማም ዘለዎ ሰብን (ዘሌ.15)፡ ሰበይቲ ምስ ወለደት ኣርብዓ ወይ ሰማንያ መዓልቲ ክሳዕ እተእክልን (ዘሌ.12፡1-5)፡ ካብ ኣካላቱ ጅግል ዚከዓዎ ሰብን (ዘሌ.15)፡ ርኹስ ይብሃል ከም ዝነበረ ተጻሒፉ ኣሎ። ሓደ ሰብ ርኹስ ምስ ተባህለ፡ ካብ ምእታው ናብ ቤት መቕደስ ይኽልከል ነበረ (ዘሌ.15፡31)። ልዕሊ እዚ ኹሉ ግና፡ ሓጢኣት ንሰብ ከም ዜርክስ ንርኢ (ኢሳ.6፡5። (ህዝ.18፡10-13)።
ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. ግና፡ ሓደ ነገር ብርእሱስ ርኹስ ከም ዘይኮነ ንርኢ (ማር.7፡19። ሮሜ.14፡14። 1ጢሞ.4፡4)። ዜርክስሲ እቲ ኻብ ልቢ ሰብ ዚወጽእ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ብልዒ ወይ ሓደ ነገር ምትንካይ ወይ ከኣ ሕማም ወዘተ. ኣይኮነን (ማር.7፡14-23፤ 1፡40-41)። ﷽ንጹህ ተመልከት።
ርኽሰት፤
ናይ ጥፍኣት ርኽሰት (ዳን.11፡31፤ 12፡11። ማቴ.24፡15። ማር.13፡14)። ገሊኦም ሊቃውንቲ፡ ሰራዊት ሮሜ ሰንደቕ ዕላማ ቄሳር ሒዞም ብ 70 ዓ.ም. ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ኣተው፡ እዚ ናይ ﷽ጥፍኣት ርኽሰት እተባህለ ትንቢት ከም እተፈጸመ የስተምህሩ። ካልኦት ክኣ፡ እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ሰብኣይ ዓመጻ (ሓሳዊ መሲህ) ከም ዜመልክት የስተምህሩ (2ተሰ.2፡1-4)።
ርግቢት፤
ንእሽቶ ዑፍ። ኖህ ማይ ኣይሂ ካብ ልዕሊ ምድሪ ጎዲሉ እንተኾነ ምእንቲ ኺርኢ፡ ርግቢት ከም ዝሰደደ ንዝክር (ዘፍ.8፡8-12)። ርግቢት ምሳሌ ጽባቐን (መሃ.1፡15)፡ ምሳሌ ሓዘንን (ኢሳ.59፡11)፡ ምሳሌ ገርህነትን (ማቴ.10፡16) ኮይና ትዝክር። መንፈስ ቅዱስ ብተምሳል ርግቢት ወሪዱ ኣብ ርእሲ ክርስቶስ ተቐመጠ (ማቴ.3፡16)። ﷽ኣዕዋፍ ተመልከት።