ሬ
ሬካባውያን | ሬፋን
ሬካባውያን፤
ደቂ ሬካብ። ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ቅንኣት ኣምልኾ እግዚኣብሄር ስለ ዝነበሮ፡ ኣምልኾ በዓል ኬጥፍእ ኢሉ ምስ የሁ ተሓባበረ (2ነገ.10፡15-31)። ከምቲ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ንእግዚኣብሄር ዚስዕቡ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ዘርኢ ካብ እግዚኣብሄር ከይርሕቁ ኣዘዘ። እቶም ዘርኡ ኽሳዕ ዘበን ኤርምያስ ንእግዚኣብሄር ስለ እተኣዘዙ፡ እግዚኣብሄር ተስፋ ሃቦም (ኤር.35። ነህ.3፡14)።
ሬፋን፤
ኮኾብ ሬፋን። ሬፋን ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ዜምልኽዎ ዝነበሩ ኣህዛብ ንሓደ ብሩህ ዘዋሪ ኮኾብ (ፕላነት) እናሰገዱ የምልኽዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ። ስም እቲ ኮኾብ ከኣ፡ ﷽ኮኾብ ሬፋን ተባሂሉ ኣሎ (ኣሞ.5፡26። ግብ.7፡43)።