![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሴም | ሴት | ሴኬም | ሴፍ
ሴም
እቲ ዓቢ ወዲ ኖህ (ዘፍ.5፡32፤ 6፡10)። ሴም ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ (ዘፍ.7፡13፤ 9፡18)፡ ሕፍረት ኣቦኡ ኸደነ (ዘፍ.9፡20-24)። ኖህ ብዛዕባ ሴም ወዱ ትንቢት ተነበየ (ዘፍ.9፡26-27)። ሴም ሓሙሽተ ኣወዳት ወለደ እሞ ኣቦ ብዙሕ ህዝቢ ኾነ (ዘፍ.10፡21-32)። ኣርፋክሳድ ወዱ ኸኣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት ኣብርሃም ኮነ (ዘፍ.11፡10-26)። ሴም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ተጠቒሱ ኣሎ (ሉቃ.3፡36)።
ሴት፤
እቲ ሳልሳይ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን። ኣዲኡ ሄዋን፤ ﷽ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። እቲ ብዘርኢ ሴት ንኣዳም እተዋህበ ተስፋ ኸኣ ተፈጸመ (ዘፍ.4፡25-5፡8። ሉቃ.3፡23-28)።
ሴኬም፤
ኣብ መንጎ ኣኽራን ጌሪዝምን ዔባልን ዝነበረ ከተማ። ኣብርሃም ናብ ከነኣን ምስ ኣተወ፡ መጀመርታ ኣብ ሴኬም መሰውኢ ሰርሔ (ዘፍ.12፡6-8)። ያእቆብውን ኣብ ሴኬም ግራት ዓደገ (ዘፍ.33፡18-20)። ዮሴፍ ኣብ ሴኬም ተቐብረ (እያ.24፡32)። ኣብ ሴኬም ደቂ እስራኤል ካብ ሮብዓም ዓለው። የሮብዓም ከኣ ኣብ ሴኬም ተቐመጠ (1ነገ.12፡1፥25)። ካ 3 ሰ።
ሴፍ፤
ክልተ ኣፍ ዘለዎ ብብረት እተሰርሔ ኣጽዋር (ህዝ.5፡1)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።