![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሱሪስት | ሱራፌል | ሱሳን
ሱሪስት
ቛንቋ ሶርያውያን። እቲ ኣብ መ.ቅ. ቛንቋ ሶርያውያን ተባሂሉ ዘሎ ግና፡ ኣራማይስጢ እዩ እምበር ሱሪስት ኣይኮነን (2ነገ.18፡26። እዝ.4፡7። ኢሳ.36፡11። ዳን.2፡4)።
ሱራፌል
ንኢሳይያስ ብራእይ እተራእይዎ ኣብ ጥቓ ዙፋን እግዚኣብሄር ኮይኖም ዘገልግሉ ሰማያውያን ፍጥረት (ኢሳ.6፡1-7)።
ሱሳን
ካብ ባቢሎን ብወገን ምብራቕ 340 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ናይ ፋርስ ከተማ። ሱሳን ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ዓበይቲ ኸታማታት መንግስቲ ፋርስ እያ። ዳንኤልን ነህምያን ኣስቴርን ኣብ ሱሳን ከም እተቐመጡ ነንብብ (ነህ.1፡1። ኣስ.1፡2። ዳን.8፡2)። ዑና እዛ ኸተማ እዚኣ ክሳዕ ሎሚ ኣሎ። ካ 1 ረ።
ካብቲ ኣብ ሱሳን ኣብ ብሱል መሬት ተሳኢሉ እተረኽበ ስእሊ እተቐድሔ፡ ምስሊ ኣባል ሰራዊት ፋርስ