![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ሽላን፤
ተጠጢቑ ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ተኽሊ (ማቴ.23፡23)።
ሽሒር፤
ከምቲ ኣብ መ.ቅ. ተመልኪቱ ዘሎ፡ እዚ ቓል እዚ ኣብ ገጽ ወይ ኣብ ቆርበት ዚወጽእ መጉሊ ዚሕዝ ዓይነት ሕማም እዩ (ዘሌ.13፡2)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ሽሕ ዓመት፤
﷽ሽሕ ዓመት ዚብል ቃል ኣብ ራእ.20፡1-10 ጥራይ ሽዱሽተ ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ዝኾነ ኾይኑ ብዙሓት ሊቃውንቲ ካብ ቀደም ጀሚሮም ነዚ ቓል እዚ ምስ ማቴ.12፡28-29፡ ምስ ራእ.12፡9 ኣተሓሒዞም ይትርጉምዎ እዮም። ስለዚ ﷽ሽሕ ዓመት ነቲ ቕድሚ ካልኣይ ምጽኣት ዚኸውን ናይ መወዳእታ ክሕደትን ናይቲ ዓቢ መከራ ጊዜን እዩ ዜመልክት ይብሉ (ራእ.20፡7-10)። ካልኦት ከኣ፡ ﷽ሽሕ ዓመት ድሕሪ ኻልኣይ ምጽኣት ዚኸውን ምዃኑ እናገለጹ፡ ምስቲ ኣብ ብ.ኪ. ብዛዕባ እስራኤል እተባህለ ትንቢትን (ኢሳ.11፡6-16)፡ ምስቲ ናይ እስራኤል ምምላስን (ሮሜ.11፡25-29) ኣተሓሒዞም ይትርጉምዎ።
ኣብ ራእ.20 ናይ ሰይጣን ስልጣን ከም እተወሰነን እቶም ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ምስ ክርስቶስ ከም ዚነግሱን ንርኢ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ምዃኖም ኣይተገልጸን። እቶም ሰዓብቲ የሱስ ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ተኻፈልቲ ይኾኑ፡ እዚ ግና እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ብመንፈስ ምዃኑ ወይ ብስጋ ኣይተገልጸን። (﷽ትንሳኤ) ተመልከት።
እምበኣርሲ ኹሉ ኣብ ኢድ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ ሰይጣንን ሰዓብቱን ንዘልኣለም ከም ዚቕጽዑ ኣብ ራእ.20፡1-10 ዘሎ ኽፍሊ ገሊጹ የርእየና። ﷽ትንቢት ﷽ካልኣይ ምጽኣት ﷽ቁጽሪ ተመልከት።
ሽማግሌ፤
እዚ ቓል እዚ ብቛንቋ ግሪኽ ﷽ፕሬስቡቴሮስ ይብሃል። ብቛንቋ ግእዝ ከኣ ﷽ቀሲስ፡ቀሳውስት ተባሂሉ ብዙሕ ጊዜ ተተርጕሙ ኣሎ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ኩሉ ህዝቢ ዝበሰሉ መራሕቲ ይድለዩ እዮም፡ ነዚ ኸኣ ብጥበብን ብተመክሮን ዝበሰሉ ሰባት ይምረጹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዚበዝሕ ጊዜ ኣብ መንጎ እቶም ብዕድሜ ዝበሰሉ ዚርከቡ ስለ ዝኾኑ፡ ሽማግሌ (ዓበይቲ) ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ መ.ቅ. ኣብ ሃገሩን ኣብ ዘበኑን ሽማግሌታት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ (ዘፍ.50፡7፤ ዘጸ.3፡16፤ 24፡1። ዘሁ.11፡24-25፤ 22፡7። 1ሳሙ.8፡4። 2ሳሙ.5፡3። 1ነገ.8፡1። ህዝ.8፡1)። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ እቶም ዓበይቲ (ሽማግሌታት) ኣይሁድ ስልጣን ከም ዝነበሮም ንርኢ (ማቴ.15፡2)። ንሳቶም ምስቶም ካህናት ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ የሱስ ተንስኡ (ማቴ.26፡47-28፡12)፡ ንሃዋርያት ከኣ ሰጎጉ (ግብ.4፡5-6፤ 6፡12)። ኣብ ቤ.ክ. የሩሳሌም፡ ሽማግሌታት ከም ዝነበሩ ንርኢ (ግብ.11፡30)። ንሳቶም ከኣ ምስቶም ሃዋርያት ኣብ ኣኼባ ተራኺቦም ብዛዕባ ትምህርቲ ወንጌል ውሳኔ ህይቡ ነበሩ (ግብ.15፡6-23)። ጳውሎስ ሽማግሌታት ቤ.ክ. ከም ዝሾመን (ግብ.14፡23)፡ ንቲቶስ ከኣ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ሽማግሌታት ኪሸይም ከም ዝኣዘዞን ነንብብ (ቲቶ.1፡5-9)። ኣብ ቤ.ክ. ጳጳስን ሽማግሌን ሓደ ዓይነት ሽመትን ዜመልክት ይመስል (ግብ.20፡17፥28)። ﷽ሽማግሌ ጠባይን ክእለትን ናይቲ ሰብ፡ ﷽ጳጳስ ከኣ ኣገልግሎቱ ይገልጽ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኤጲስቆጶሳት (ጳጳሳት)፡ ንቲቶስ ከኣ ብዛዕባ ሽማግሌታት፡ ብዛዕባ ጠባዮምን ክእለቶምን ኪገልጽ ከሎ፡ ፍልልይ የብሉን። ፍልልይ ኣለዎ እንተ ተባህለ ኸኣ፡ እቲ ኤጲስቆጶስ ﷽ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ይግብኦ፡ ዚብል ሓላፍነት ኪውሰኾ ኢና እንርኢ (1ጢሞ.3፡1-7፤ 5፡17-19)። ቲቶ.1፡5-9)። ናይ ሽማግሌ ወይ ናይ ጳጳስ ዕዮ ኣብ ሰለስተ ኣርእስቲ ኪኽፈል ይኽእል። ንሱ ኸኣ፡ ምስትምሃር፡ ምሕላው፡ ምድላው እዩ። ሽማግሌታት ብግዲ ዘይኮነስ ብፍታው ዕዮኦም ኪፍጽሙ ይግባእ (1ጴጥ.5፡1-4)። እናጸለዩ ንሕሙማት ዘይቲ ይለኽዩ (ያእ.5፡14)፡ ኢድ ብምንባር ሰባት ንዕዮ ወንጌል ይምድቡ (1ጢሞ.4፡14። ግብ.13፡3)። ﷽ጳጳስ ﷽ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ተመልከት።
ሽምቦባ፤
ዝናብ፡ ኣብ እዋን ንፋስ ዚዘንብ ዝናብ (ምሳ.25፡23)። ሽምቦባ ናይ ሓይሊ እግዚኣብሄር መግለጺ እዩ (ናሆ.1፡3)።
ሽርበ፤
እተተትዔ ጸጉሪ ርእሲ። ጸጉሪ ርእሲ ሳምሶን ኣብ ሸውዓተ ሽርበ ተተቲዑ ኸም ዝነበረ ነንብብ (መሳ.16፡13-14)።
ሽባጥ፤
﷽ወርሒ ተመልከት።
ሽቱ፤
ካብ በብዓይነቱ ኣታኽልቲ ዚቃመም ቅብኢ ዚመስል ንፈውስን ንመቕብኢ ኣካላትን ዚጠቅም ፈሳሲ። ሰብ ምስ ዚመውት ሬሳኡ ብሽቱ ይቕባእ ነበረ (ዘፍ.37፡25፤ 43፡11። መሃ.4፡14። ማር.16፡1። ዮሃ.19፡39-40)። ሙሴ ብኽቡር ሽቱ ገይሩ ናይ ዘይቲ ቅብኣት ሰርሔ (ዘጸ.30፡22-29)፡ እዚ ኸኣ ናይ ሕብረት ምሳሌ እዩ (መዝ.133፡1-2)።
ሽኻል፤
ንገመድ ድንኳን ገቲርካ እተኣስረሉ፡ ብዕንጨይቲ ወይ ብዓይነት ማዕድን እተሰርሔ ድልዱል ተሸካሊ ነገር (ዘጸ.27፡19። መሳ.4፡21)። ሽኻል (መታኸል) ምሳሌ ተስፋ እዩ (ኢሳ.33፡20፤ 54፡2-3)።
ሽደን፤
ኣንበሳ ኣብ ጊዜ ጉብዝንኡ ሽደን ይብሃል (መሳ.14፡5)። ይሁዳን ዳንን ብሽደን ኣንበሳ ተመሲሎም ኣለው (ዘፍ.49፡9። ዘዳ.33፡22)። ሽደን ኣንበሳ ምሳሌ ኹሎም ደቂ ነገስታት ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (ህዝ.19፡1-9)።