![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሺሎ፤
ኣብ ወገን ሰሜን የሩሳሌም 32ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ውሽጢ ግደ ኤፍሬም እትርከብ ከተማ። ታቦት እግዚኣብሄር ካብ ዘበን እያሱ ጀሚሩ ክሳዕ ዘበን ሳሙኤል ኣብ ሺሎ ተነቢሩ ኸም ዝነበረ ንዝክር። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብቲ ዓመታዊ በዓሎም ኣብ ሺሎ ይኸዱ ነበሩ (እያ.18፡1። መሳ.21፡19)። ሃና፡ እግዚኣብሄር ውሉድ ምእንቲ ኺህባ ኣብ ሺሎ ኸይዳ ጸለየት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሳሙኤል ኣብ ሺሎ ዓበየ (1ሳሙ.1)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሺሎ ከም ዝፈረሰትን ከም ዝባደመትን ነንብብ (ኤር.7፡12-14)። ካ 3 ሰ።
ሽምዒ፤
እቲ ንዳዊት ዝረገመ ብዓል ብንያም። ዳዊት ኣብ ስደት ስለ ዝነበረ፡ ንግዚኡ ንሺምዒ ኣይተቐበሎን። ደሓር ግና ንሰሎሞን ወዱ ንሺምዒ ኺቐጽዖ ተላበዎ (1ነገ.2፡8-9)። ሰሎሞን ከኣ ጊዜያው ምሕረት ገበረሉ፡ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ናብ ጋት ስለ ዝኸደ ከም ዝቐተሎ ነንብብ (1ነገ.2፡36-46)።
ሺሻቅ፤
ብጊዜ ሰሎሞን ኣብ ግብጺ ዝነበረ ንጉስ። የሮብዓም ወዲ ናባጥ ካብ ሰሎሞን ሃዲሙ ናብ ሺሻቅ ከደ (1ነገ.11፡40)፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ከኣ ወረረ (1ነገ.14፡25-26። 2ዜና.12፡2-12)።