![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ጽላለ | ጽላሎት | ጽላት | ጽልኢ | ጽልጽለ | ጽሑፍን ጽሕፈትን | ጽምዲ | ጽርያ | ጽርኢ | ጽንሃህ | ጽዋእ | ጽዋእ ወርቂ | ጽውጽዋይ | ጽዮን | ጽድቂ | ጽጌረዳ
ጽላለ፤
ሕማም ሓንጎል። ﷽ሕማማት ﷽ጋኔን ተመልከት።
ጽላሎት፤
ሓይሊ ብርሃን ብሓደ ግዙፍ ኣካል ምስ ሓለፈ፡ እቲ ኣካል ነቲ ብርሃን ምስ ኣንጸላለዎ፡ ኣብ ክንየው እቲ ኣካል ዚርኤ ተምሳል፡ ጽላሎት ይብሃል። እዚ ቓል እዚ ኣብ መ.ቅ. ካብ ዚጎድእን ዜፍርህን ነገር ዚከላከል ጽላል ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (መዝ.17፡8-9። ኢሳ.30፡3)። ቀልጢፉ ዚሓልፍን ዚልወጥን ነገር፡ ብጽላሎት ተመሲሉ ኣሎ (1ዜና. 29፡15። ያእ.1፡17)። ኣብ ዚመጽእ ጊዜ ዚፍጸም ነገርውን ብጽላሎት ይምሰል (ቆሎ.2።17። እብ.8፡5፤ 10፡1)።
ጽላት፤
እተጸርበ እምኒ። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት ብኣጻብዕ እግዚኣብሄር ተጻሕፋ፡ ጽላት ምስክር ከኣ ተባህላ (ዘጸ.31፡18፤ 34፡1። ዘዳ.4፡13፤ 5፡22)። እተን ብኢድ ሙሴ ተጸሪበን ብኣጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፋ ኽልተ ጽላት ኣበይ ከም ዝበጽሓ ኣይተፈልጠን። ጽላት ናይ ልቢ ምሳሌ ኾይኑ ይጥቀስ (2ቆረ.3፡3)። ﷽ታቦት ተመልከት።
ጽልኢ፤
ንሰብ ክፉእ ምሕሳብ። ኣንጻር ፍቕሪ (ምሳ.10፡12፤ 15፡17)። ንሰብ ዚጸልእ ኩሉ ኸም ቀታል ነፍሲ ይቑጸር (ዘዳ.19፡11-13። 1ዮሃ.13፡15)። መ.ቅ. ጸላኢና ኽንፈቱ ይእዝዘና (ዘጸ.23፡5። ማቴ.5፡43-45)፡ ብጻይና ኸይንጸልእ ከኣ ይኽልክለና (ዘሌ.19፡17)። ጽልኢ ግብሪ ስጋ ስለዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኺህሉ ዘይግባእ እዩ (ገላ.5፡20። ቲቶ.3፡3። 1ዮሃ.2፡9፤ 4፡20)። ሓጢኣት ናብ ዓለም ስለ ዝኣተወ ንምጽላእ ጊዜ ኣለዎ (መክ.3፡8)። ኣመንቲ ነቶም ኣንጻር ትምህርቲ ክርስቶስ ዚምህሩ ሰባት ኣብ ቤቶም ከይቅበልዎምን ሰላም ከይብልዎምን ተጻሒፉ ኣሎ (2ዮሃ.10)። ካልእ ዓይነት ጽልኢ ኸኣ ኣሎ፤ ሓደ ሰብ ኣዝማዱ ኸይጸልኤ ወዲ መዝሙር ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ (ሉቃ.14፡26)። እዚ ማለት ከኣ ቅድሚ ኣዝማድካ ንክርስቶስ ምፍታውን ቀዳምነት ምሃብን ማለት እዩ (ማቴ.10፡37)። ኣብ ዘፍ.2930-31። ሉቃ.16፡31 ተመልከት። ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር፤ ﷽ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ ንኤሳው ግና ጸላእክዎ ኪብል ከሎ፡ እቲ ንዓለም ዝሃቦ ተስፋ፡ ብኤሳው በቲ በኹሪ ዘይኮነስ ብያእቆብ ገይሩ ኺፍጽሞ ከም ዝፈቐደ ንሪ (ሚል.1፡2። ሉቃ.1፡22። ሮሜ.9፡13)።
ጽልጽለ፤
በሊሕ እምኒ። ብዘበን ብ.ኪ. ሽሕ እኳ ካራ ተማሂዙ እንተነበረ (ዘፍ.22፡6)፡ እንሓንሳእ ተግባር ግዝረት ብጽልጽለ ይፍጸም ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘጸ.4፡25። እያ.5፡2-3)።
ጽሑፍን ጽሕፈትን፤
ኣብ ብ.ኪ. ሙሴን እያሱን ሳሙኤልን ዳዊትን ኢሳይያስን ባሩክን እዝራን ካልኦትን፡ ጽሑፋት ከም ዝጸሓፉ ተገሊጹ ኣሎ (ዘህህé.33፡2። እያ.8፡32። 1ሳሙ.10፡25። 2ሳሙ.11፡14። 2ዜና.26፡22። ኤር.30፡2። እዝ.8፡34)። ብጀካኦምውን ብጽሕፈት ዝሰልጠኑ ኻልኦት ጸሓፍቲ ኸም ዝነበሩ ንምልከት (1ዜና.2፡55፤ 24፡6)።
ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ዘካርያስን ጎይታናን ሃዋርያ ዮሃንስን ሉቃስን ጳውሎስን ጠርጥዮስን ካልኦትን፡ ጽሕፈት ከም ዘዘውተሩ ተባሂሉ ኣሎ (ሉቃ.1፡63። ዮሃ.8፡6፤ 21፡24። ሉቃ.1፡1-4። ገላ.6፡11። ሮሜ.16፡22)። ብዙሕ ጊዜ ኸኣ እቶም ደረስቲ ነቲ ጽሑፎም ብጸሓፍቲ ገይሮም የጽሕፍዎ ኸም ዝነበሩ ንዕዘብ (ሮሜ.16፡22)።
ጽሑፍ ኣብ ከውሕን ኣብ ሰሌዳን ኣብ ጡብን ኣብ ብራናን ይጽሓፍ ነበረ (እዮ.19፡24። ኢሳ.30፡8። ህዝ.4፡1። 2ጢሞ.4፡13)። ጽሕፈት ንምጽሓፍ ከኣ ብብርዕን ቀለምን ይጥቀሙ ነበሩ (ኤር.8፡8። 3ዮሃ.13-14። 2ዮሃ.12)። እቲ ጽሑፍ ከኣ፤ ናይ ሰሌዳ፡ ናይ ጥቕሉል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ናይ ጥራዝ መልክዕ ነበሮ (ኢሳ.8፡1፤ 34፡4። 2ጢሞ.4፡13)።
እቶም ነቲ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዝተርጎሙ ጸሓፍትን ተርጎምትን ብዓቢ ጥንቃቐ ከም ዝዓየዩ ኣብ ታሪኾም እንርእዮ ነገር እዩ፡ እንተኾነ ግና እቲ ቅድሓትን ትርጉማትን ናይቲ ጥንታዊ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብቑሩብ ነገራት ዚፈላለ ስለ ዝነበረ፡ እንሓንሳእ ጌጋ ዘይተርፍ ኮይኑ ተረኸበ።
ቃል እግዚኣብሄር ጽሑፍ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰገረ ስለ ዝኾነ፡ ኣይሁድን ክርስትያናትን ኣብ ኩሉ ዘበናት፡ ደቆም ምንባብን ምጽሓፍን ከም ዚምሃሩ ንምግባር ብዙሕ ከም ዝደኸሙ ክንዝክር ይግባእ (ዘዳ.6፡4-9)።
ጽርያ፤
ሓብቲ ዳዊት፡ ጽሩያ ኣደ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳጌልን እያ (1ዜና.2፡17። 2ሳሙ.17፡25። 1ሳሙ.26፡ሶ። 2ሳሙ.2፡18)።
ጽንሃህ፤
ዕጣን ዚዕጠነሉ ኣቕሓ። ካህን ብጓህሪ ገይሩ ዕጣን ዚዓጥነሉ ኣቕሓ (ዘሌ.16፡12። ዘሁ.16፡46)። ብዘበን ሙሴ፡ ጽንሃህ ብኣስራዚ (ዘሁ.16፡39) ደሓር ከኣ ብወርቂ ይስራሕ ነበረ (1ነገ.7፡50። ራእ.8፡3-5)። ናዳብን ኣቢሁን ዘይተፈቕደ ሓዊ ኣብ ጽንሃሆም ስለ ዝዓጠኑ ብኣምላኽ ተቐጽዑ (ዘሌ.10፡1-2)። ቆራሕን ብጾቱን ከምኡ ኸኣ ንጉስ ዑዝያ ዘይግብኦም ክነሱ ጽንሃህ ሒዞም ስለ ዝዓጠኑ ኸም እተቐጽዑ ነንብብ (ዘሁ.16፡16-35። 2ዜና.26፡16-20)።
ጽንሃህ
ጽዋእ፤
በብዓይነቱ ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ብበብዓይነቱ ዚስራሕ መስተዪ። ጽዋእ ምሳሌ እቲ እግዚኣብሄር ንሰብ ዝመደቦ በረኸት ወይ መከራ ኾይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (መዝ.11፡6፤ 15፡5፤ 23፡5። ማቴ.20፡22-23፤ 26፡39። ዮሃ.18፡11። ራእ.15፡7)።
ጽዋእ ወርቂ፤
ብብሩር ወይ ብወርቂ ዚስራሕ መስተዪ ሸሓን (እዝ.1፡10)። ከም መስተዪ ኽብሪ መጠን፡ ዓበይቲ ሰባት ኪሰትዩሉ ዚቕረብ ኣቕሓ (መሳ.5፡25)።
ጽውጽዋይ፤
ሓቀኛ ሓሳብ ዘለዎ ልቢ ወለድ። ብምሳሌ ዚግለጽ ዛንታ (መሳ.9፡7-15)። እቶም ሃዋርያት ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ክርስቶስ ብጽውጽዋይ ከይትካእ መጠንቀቒ ሂቦም ኣለው (1ጢሞ.1፡4፤ 4፡7። 2ጢሞ.4፡4። ቲቶ.1፡13-14። 2ጴጥ.1፡16)።
ጽዮን፤
ሓደ ኻብቶም ከተማ የሩሳሌም እተመስረተትሉ ኣኽራን። ጽዮን እምባ ማለት እዩ። ከተማ ጽዮን መጀመርታ ብይቡሳውያን ተዓረደት፡ ድሕሪኡ ብዳዊት ተታሕዘት፡ ነቲ ታቦት ከኣ ናብኣ ኣምጽኦ (2ሳሙ.5፡6-9፤ 6፡10-12)። ደሓር ግና ጽዮን መጸውዒ እቲ ቤት መቕደስ እተሰርሓሉ ኸረን ሞርያ ኾነት (ኢሳ.8፡18፤ 18፡7፤ 24፡23)። ከምኡውን ምልእቲ የሩሳሌም፡ ጽዮን ተባሂላ ተሰምየት (2ነገ.19፡21። መዝ.48፡2፤ 69፡35)። ህዝቢ ኣይሁድ ብጃምላ ኸኣ ብስም እቲ ቦታ፡ ጽዮን ተባሂሎም ተሰምዩ (መዝ.126፡1)። ጽዮን ምሳሌ መንግስቲ ሰማያት ኮይናውን ትጥቀስ እያ (እብ.12፡22)።
ጽድቂ፤
ጽድቂ ማለት፤ ሕጊ ምፍጻም፡ ከም ሕጊ ምንባር፡ ብሕጊ ምምልላስ፡ ቅንዕና፡ ሓቅነትን እዩ።
ሀ) ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን (ሮሜ.3፡20። ገላ.2፡16)።
ለ) ሰብ ብጸጋ ኣምላኽ እዩ ዚጸድቕ 9ሮሜ.3፡24። ኤፌ.2፡8)። እዚ ኸኣ ሰብ ባዕሉ ኸይተገደሰሉ ብፍቕሩ ገይሩ ሓጢኣተኛታት ንምድሓን ከም ዝመደበ የርእየና።
ሐ) ሰብ ብደም ክርስቶስ እዩ ዚጸድቕ። ክርስቶስ ጻድቕ ኮይኑ ነቲ ሳዕቤን ሓጢኣት ምእንቲ ሓጥያተኛታት ተቐበሎ፡ ኣብ ክንዲ ሓጥያተኛታት ከኣ ነቲ መርገም ሕጊ ኣብ መስቀል ተሰከሞ (ሮሜ.3፡25፤ 5፡9። ገላ.3፡13-14)። ﷽መተዓረቒ ተመልከት።
መ) ሰብ ብእምነት እዩ ዚጸድቕ። እዚ ኸኣ ሰብ ብኣምላኽ ዚኣምን ስለ ዝኾነ ኩሉ ተስፋኡ ናብ ጎይታ ይገብር ማለት እዩ (ሮሜ.3፡25፤ 5፡1። ገላ.2፡16)። ﷽እምነት ተመልከት። ሰብ ብኣምላኽ ምስ ዚኣምን፡ እታ እምነቱ ጽድቂ ኮይና ትቑጸረሉ። እቲ ቐንዲ ኣብነት ናይዚ ሓሳብ እዚ ኣብርሃም እዩ (ርሜ.4፡3-5፥22-25። ገላ.3፡6-8)። እቶም ጽድቂ ዚቑጸረሎምን ሓጢኣቶም ዘይቁጸረሎምን ሰባት ሓደ ዓይነት እዮም (ሮሜ.4፡6-8)። ﷽ተቖጽረ ተመልከት።
ረ) ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ እዩ ዚጸድቕ (ሮሜ.3፡28፤ 4፡5)።
ሰ) እዚ ጽድቂ እዚ ኣብ ብ.ኪ. ተገሊጹ ኣሎ (ኣን.2፡4። ሮሜ.1፡17፤ 3፡21)።
ሸ) እግዚኣብሄር በዚ መገዲ እዚ ንሰባት ብምጽዳቕ፡ ንሱ ጻድቕ ከም ዝኾነ ይገልጽ (ሮሜ.3፡25-26)።
ቀ) ኣመንቲ ንክርስቶስ እንተ ሰዓቡ ብመገዲ ጽድቂ ኺመላለሱ ይጅምሩ። ሽሕ እኳ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኸም ዘሎ እንተ ዘየስተውዓሉ፡ ጠባዮም ኪልወጥ ይኽእል እዩ (ማቴ.25፡31-46። ሮሜ.6፡19)። ኣብ ህይወቶም ለውጢ እንተ ዘይተረኽበ ግና፡ እታ እምነቶም ሓቀኛ ናይ ልቢ እምነት ስለ ዘይኮነት ኣይጸድቁን። ጽድቂ ሰብ ኣብ ግብሩ ዚርኤ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ብግብሩ ገይሩ እምነቱ ይመልእ እሞ፡ ሓቀኛ ምዃኑ የረጋግጽ (ያእ.2፡18-26)።
ጽጌረዳ፤
ባህ ዜብል ጥዑም ሽታ ዘለዎ ዕምባባ። ኣብ መ.ቅ. ስማት እቲ በብዓይነቱ ዕምባባታት ካብ እብራይስጢ ኺትርጎም ከሎ፡ ﷽ጽጌረዳ ተባሂሉ እተተርጎመ ይመስል (መሃ.2፡1። ኢሳ.35፡1)።