![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ጾም፤
ብምኽንያት ሃይማኖት ብዘይ ምብላዕን ብዘይ ምስታይን ምውዓል (ኣስ.4፡16)፡ ከምኡውን ስጋ ኻብ ምብላዕን ዘስክር መስተ ኻብ ምስታይን ነፍስኻ ምኽልካል (ዳን.10፡2-3)።ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ (ዘዳ.9፡9፥19)፡ ህዝቢ እስራኤል ብመዓልቲ ዕርቂ ኺጾሙ ተኣዘዙ (ዘሌ.16፡29-31)። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ኣርባዕተ እዋን ጾም ተሰርዔ (ዘካ.8፡19)፡ ኣይሁድ ካብ ኢድ ሃማን ምስ ወጹውን ጾም ተኣወጀ (ኣስ.9፡31)። በጃካ እዚ ድማ ብበብዓይነቱ ምኽንያት ዚጽወም ናይ ብሕትን (2ሳሙ.12፡22) ናይ ማሕበርን ጾም ኣሎ (መሳ.20፡26። ዮኤ.1፡14)።
ጾም፤ ሓዘንን (ነህ.1፡4) ንስሓን (1ሳሙ.7፡6) የመልክት። ሰባት ብጾም ገይሮም ነፍሶም የሕስኡ (መዝ.69፡10)። ረድኤት ኣምላኽ ለመኑ (ዘጸ.34፡28። እዝ.8፡21-23)። ጾም እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፡ ነብያት ግሩም ገይሮም ገሊጾምዎ ኣለው (ኢሳ.58፡1-12። ኤር.14፡11-12)።
ብዘበን ሓ.ኪ. ኣይሁድ ናይ መተዓረቒ ጾም ይጾሙ ነበሩ (ግብ.27፡9-10)። ፈሪሳውያን ሰኑይን ሓሙስን ይጾሙ ነበሩ (ሉቃ.18፡11-12)፡ ሃና ኸኣ ብዙሕ ጊዜ ትጸውም ከም ዘነብረት ነንብብ (ሉቃ.2፡37)። ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ (ማቴ.4፡2)፡ ብዛዕባ ጾም ከኣ መሃረ። ደቂ መዛሙርቱ ምስኡ ኸለው ኣይጾሙን፡ ምስ ከደ ግና ከምቶም ካልኦት ኪጾሙ ነገሮም (ማቴ.9፡14-17)። ብጊዜ ጾም ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ምርኣይ ዘይግባእ እዩ (ማቴ.6፡16-18)። እቶም ኣመንቲ፡ ወንጌላውያን ኪልእኩ ኸለውን፡ ሽማግሌታት ኪሾሙ ኸለውን ይጾሙ ነበሩ (ግብ.13፡2-3፤ 14፡23)። እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይ ጾም ምስ እግዚኣብሄር ምርኻብ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ኪጸውም ከሎ ጊዜኡ ብጸሎት ኬሕልፎ ይግባእ (እዝ.8፡23። ማቴ.17፡21። ሉቃ.2፡37)።
ጾር፤
ሰኽሚ፡ ዘድክም ከቢድ ሰኸሚ። ነብያት ቃል ኣምላኽ ኪነግሩ ኸለውን፡ ሙሴ ህዝቢ ኺመርሕ ከሎን፡ ሰብ ሓጥያት ኪገብር ከሎን ብጾር ተመሲሉ ንረኽቦ (ዘሁ.11፡11። ኢሳ.13፡1፤ 14፡28። ማቴ.11፡28-30)። ኩሎም እቶም ሓቂ ዘይብሎም ሰባት ከም ጾር እዮም (ኤር.23፡33-40)። ናይ መንፈስ ድኻምን ሽጋርን ናይ ፍርዲ ሳዕቤንን ከም ጾር ተቖጺሩ ንረኽቦ። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ናይ ካልኦት ጾር ኬቕልል ይግብኦ። ነፍስ ወከፍ ከኣ ዓስቡ ኸከም ግብሩ ይረክብ (ገላ.6፡2-5)።
ጾርዓ፤
ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ምዕራብ 25 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ናይ ሳምሶን ከተማ (መሳ.13፡2፤ 16፡31)።
ጾባ፤
ኣብ ጥቓ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረት ሃገር። ዳዊት ንንጉስ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ንሃዳድ- ዔዘር፡ ቀቲሉ ንህዝባ ኣገበሮ (2ሳሙ.8፡3፥5-8፤ 10፡6)። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዳዊት ሓደ ፍሉይ መዝሙር ዘመረ (ኣርእስቲ መዝ.60)።