1- ጸሎት ነብዩ እንባቆም ብሺግዮኖት።
2- ዎ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፡ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፡ ብቑጥዓ ኸአ ምሕረት ዘክር። 3- እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፡ እቲ ቅዱስ ከአ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፡ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት። 4- ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፡ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፡ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ። 5- ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፡ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ። 6- ደው በለ፡ ንምድሪውን ለክዓ፡ ጠመተ፡ ነህዛብ ከአ ኣንቀጥቀጦም፡ እቶም ዘለአለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፡ እቶም ጥንታውያን ኩርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፡ መገድታቱ ኻብ ዘለአለም እዩ። 7- ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለው ርኤኽዎ፡ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ።
8- እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቖጢዕም እዩ፡ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፡ ኹራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቁጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ኾይኑ እዩ፡ 9- ከምቲ ብቓልካ ዝመአልካዮ፡ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። 10- እቶም ኣኽራን ረአዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፡ ሞገድ ማያት ሐለፈ፡ መዓሙቑ ድምጹ ኣስምዔ፡ ኣእዳው ኸአ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ። 11- ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቁማ፡ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኩናትካን ከዱ። 12- ንምድሪ ብኹራ ሐለፍካያ፡ ነህዛብ ብቑጥዓ ኣኼድካዮም። 13- ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፡ ርእሲ ቤት ረእሲ ጨፍለቕካ። ሴላ። 14- ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኩናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኺብትኑኒ መጹ፡ ሓጎሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ። 15- ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፡ ነቲ ኹምራ ዓበየቲ ማያት ረገጽካዮ።
16- ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከአ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቁንቁነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ ። 17- ኦም በለስ ኣይክትዕብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርቡ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣብጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍእ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰእና እየን። 18- ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። 19- እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለየ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በኽሪ ቦታይውን ክመላለሰኒ እዩ።
ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።