1- ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ። 2- ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኩሉ ግብሪ ንጉስ ንማርዶካይ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮ፡ ምሉእ ዛንታ ዕቤቱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጽሒፋዶ ኣየሎን፡ 3- ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣሓሽዊሮስ ካልኣዩ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣይሁድ ክቡር፡ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸአ ፍትዊ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ደለየ፡ ንኹላቶም ዘርኡ ደሓኖም ተዛረበ።