ምዕራፍ1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12
1- ንመንግስቲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም መጸ ከበባውን። 2- እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከአ ሐደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፡ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ።
3- እቲ ንጉስ ከአ ንኣሽፈናዝ፡ ሐለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መስዋእቲ ኬምጽእ ነገሮ። 4- እዚኣቶም ከአ ጉድለት ዜብሎምን መልክዔኝታትን ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪኾኑ፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከአ ኪምህርዎም፡ ኢሉ ነገሮ። 5- እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ፡ ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቖሙ፡ ኢሉ አዘዘ።
6- ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። 7- እቲ ሐለቓ ስሉባት ከአ ስማት ኣውጽኣሎም፡ ንዳኒኤል ቤልጥሻጽር፡ ንሃናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቕ፡ ንኣዛርያ ድማ ዓብድኔጎ ኢሉ ሰመዮም።
8- ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ፡ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። 9- ኣምላኽ ከአ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞጎስን ምሕረትን ሀቦ። 10- እቲ ሓለቓ ስሉባት ከአ ንዳኒኤል፡ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ።። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዑዋ እፈርህ አሎኹ፡ በሎ።
11- ሽዑ ዳኒኤል ነቲ፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳኒኤልን ሃናንያን ሚሻኣኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፡ 12- ጥረ እንበልዖ ማይ ከአ እንሰትዮ ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። 13- ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፡ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና በሎ። 14- ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሕራይ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። 15- እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ መንእሰያት ዝበለጸ፡ ገጾም በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። 16- ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፡ ጥረ ሀቦም።
17- ኣምላኽ ከአ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከአ ምስትውዓል ሀቦም። ዳኒኤል ድማ ኩሉ ራኣያትን ሕልምታት የስተውዕል ነበረ። 18- እታ፡ እቲ ንጉስ ኪአትወሉ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጽር ኣእተዎም። 19- እቲ ንግሱ ከአ ተዛረቦም፡ ካብ ኩላቶም ድማ ከም ዳንኤል ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ። 20- ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኩሉ ነገር፡ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም። 21- ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።